YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 18

18
ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተነግረ ትንቢት
1ካብ ሩባታት ኢትዮጵያ፥ ንንየው ንዘላ ድምፂ ኣኽናፍ ዘለዎም መራኽብ ንዘለውዋ፥ ልኡኻት ብልዕሊ ባሕሪ፥ ናይ ሰልሰላ መራኽብውን ብልዕሊ ማይ ንእትልእኽ ምድሪ ወይለኣ! 2ኣቱም ቅልጡፋት ልኡኻት ናብቲ ነዊሕ ዝቑመቱ ልሙፅ ህዝቢ፥ ናብቲ ኸም መጀመርታ ዝተፈርሐን ዝሰፍርን ዝረግፅን፥ ሃገሩውን ብሩባታት ዝተመቓቐለ ህዝቢ ኺዱ።
3ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ፥ ኣብ ምድሪ ሰፊርኩም ዘለኹም ኵልኻትኩምውን፥ ምልክት ኣብ እምባታት ልዕል ምስ በለ፥ ተመልከቱ፤ መለኸት እንትንፋሕውን ኣድምፁ። 4እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ከምቲ ብሙቐት ቀውዒ ለይቲ ዝወድቕ ኣውሊ ደበና፥ ከምቲ ብድሁር ቀትሪ እተንፀባርቕ ፀሓይ፥ ኣብቲ ዝነብረሉ ስፍራይ ኮይነ ሃዲአ ኽምልከት እየ። 5ቅድሚ ቐውዒ፥ እዋን ዕምበባ ምስ ሓለፈ፥ ዕምበባ ኸዓ ኣብ ምብሳል ዘለላ ኣቢሉ ምስ በፅሐ፥ ንሓረግን ንጫለዳ ሱርን፥ ካብ ተኽሊ ወይኑ ብቐሊሉ ቘራሪፁ ኸወግዶ እዩ። 6ኵላቶም ኣደዳ ኣሞራታት እምባን፥ ኣደዳ ኣራዊት በረኻን ክኾኑ እዮም፤ ኣሞራታት ብኣኣቶም ክሓግዩ እዮም፥ ኵላቶም ኣራዊት በረኻ ድማ ኣብኣቶም ክኸርሙ እዮም” በለኒ።
7 # ሶፎ. 2፡12። በቲ ጊዜ እቱይ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ካብቲ ነዊሕ ዝቑመቱ፥ ልሙፅ ህዝቢ፥ ካብቲ ብመጀመርታ መደንገፂ ዝኾነ ወገን ካብ ዝሰፍርን ዝረግፅን፥ ሃገሩውን ብሩባታት ዝተመቓቐለት ህዝቢ፥ ናብታ ስም ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝርከበላ ቦታ፥ ናብ እምባ ፅዮን ገፀ በረኸት ክቐርብ እዩ።

Currently Selected:

ኢሳይያስ 18: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in