ኢሳይያስ 17
17
እግዚኣብሄር ንሶርያን ንእስራኤልን ክቐፅዐን እዩ
1ብዛዕባ ደማስቆ ዝተነግረ ፆር። “ድሕሪ ደጊም ደማስቆ ኸተማ ኻብ ምዃን ክተቋርፅ እያ፤ ዑናን ኵምራ ፍርስራስን ክትከውን እያ። 2ከተማታታ ኽባድማ እየን። መጓሰታት ዝውዕላለን ክኾና እየን፤ ዘፍርሐንውን የለን። 3#ኤር. 49፡23-27፥ ኣሞፅ 1፡3-5፥ ዘካ. 9፡1። ዕርድታት ካብ ኤፍሬም፥ መንግስቲ እውን ካብ ደማስቆ፥ ክውገድ እዩ። ተረፍ ሶርያ ድማ፥ ከም ክብሪ ተረፍ እስራኤል ክኸውን እዩ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
4ከምዙይ ክኸውን እዩ፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ክብሪ ያእቆብ ክትሕት እዩ፤ ህጥራን ስጋኡውን ኽዓብር እዩ። 5ከምቲ ዓፃዳይ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ እኽሊ፥ ብኢዱ ኣኪቡ ነቲ ጕንቦ ዝዓፅዶ ክኸውን እዩ። ኣብ ለሰ ራፋይም ዝቕረም ከምኡ ክኸውን እዩ። 6ከምቲ ኣውሊዕ ምስተነነወ፥ ኣብ ጫፍ እቲ ላዕለዋይ ጨናፍሩ ኽልተ ወይ ሰለስተ ፍረ፥ ኣብቲ ጨናፍር ፍርያም ኦም ከዓ፥ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ውሑድ ቀሪም ክተርፍ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል።”
7በታ መዓልቲ እቲኣ ሰብ ናብ ፈጣሪኡ ኽጥምት እዩ፤ ኣዒንቱ ኸዓ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክሪኣ እየን። 8ናብቲ ብኢዱ ዝሰርሖ መሰውኢታት ኣይጥምትን እዩ፤ ናብቲ በፃብዕቱ ዝገበሮ ጣዖታት ኣስታሮት ወይ ናብ ምስልታት ፀሓይ ድማ ኣይርእን እዩ።
9በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምተን ኣሞራውያንን ኤዊያውያንን፥ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል እትሓድጋ ቦታታት ዝባደማ፥ እተን ፅኑዓት ከተማታት ክባድማ እየን።
10እስራኤል፥ ንኣምላኽ ምድሓንኪ ረሳዕኺዮ፤ ነቲ ፅኑዕ ኰዅሒ ሓይሊ ዝኾነልኪ ኸዓ ኣይዘከርክዮን፥ ስለዙይ ደስ ዘብል ኣትክልቲ ትተኽሊ፥ ጋሻ ዝኾነ ዘርኢ እውን ትዘርኢ ኣለኺ። 11ግና በታ ዝተኸልክላ መዓልቲ እኳ እንተ በቘለ፥ ብፅባሒቱውን እንተ ዓምበበ፥ በታ መዓልቲ መዓትን መሪር ስቓይን፥ እቲ ቐውዒ ኸንቱ ክኸውን እዩ።
ኣህዛብ ከም ዝተስዓሩ
12ከም ምትማም ባሕሪ ንዝተሙ፥ ከም ብርቱዕ ማያት ድዋሕዋሕ ዝብል ድምፂ ዘስምዑ ህዝቢ ወይለኦም! 13ኣህዛብ ከም ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ እናበሉ ይመፁ፥ ግና እግዚኣብሄር ይገንሖም እሞ ኣርሒቖም ይሃድሙ። ከምቲ ኣብ እምባ ዘሎ ብቚቡቕ ብንፋስ፥ ከምቲ ሓሰር ድማ ብህቦብላ ዝብተን ክብተኑ እዮም። 14ኣጋ ምሸት ድንጋፀ ይመፅእ፤ ግና ምድሪ ምስ ወግሐውን ኣይርከቡን። ግደ እቶም ዝማረኹናን፥ ብፅሒት እቶም ዝዘመቱናን እዙይ እዩ።
Currently Selected:
ኢሳይያስ 17: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in