YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 16

16
ተስፋ ዘይብሉ ዅነታት ሞኣብ
1ካብታ ኣብ ምድረ በዳ ዘላ ሴላ፥ ናብቲ ኣብ እምባ ጓል ፅዮን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ንዝሰልጠነ፥ ጡቦታት ኣባጊዕ ስደዱ። 2ከም ዝነፍር ዒፍ ከም ዝተበተኑ ጫቚታት፥ ከምኡ ኣጓላት ደቂ ሞኣብ ኣብ መሳገሪታት ኣርኖን ክኾና እየን።
3“ምኽሪ ምኸሪ፤ ፍርዲ ፍረዲ፤ ቀትሪ እንተሎ ንፅላሎትኪ ኸም ለይቲ ግበርዮ። ንዝተሰጐጐ ሕብኢ፥ ንዝሃድሙ ኣይትግለፂ። 4ካብ ሞኣብ ዝተሰደዱ ምሳኺ ይቀመጡ፤ ካብ ቅድሚ እቶም ዘጥፍእዎም ከውሊ ኹኒዮም። እቶም ዘጨንቑ ሃሊቖም፥ ጥፍኣትውን ተሪፉ፥ እቶም ዝጭቍኑ ዝነበሩ ኻብ ምድሪ ጠፊኦም እዮም።” 5ዙፋን ምሕረት ክምስረት፥ ኣብኡውን ዝፈርድን፥ ቅንዕና ዝደልን፥ ፅድቂ ንምግባር ዝፈጥንን ብሓቂ ኣብ ዙፋን ዳዊት ክቕመጥ እዩ።
6ብዛዕባ ትዕቢት ሞኣብ የመና ስለ ምዕባዩን ስለ ኵርዓቱን ስለ ትዕቢቱን ስለ ቝጥዓኡውን ሰሚዕና ኢና፤ ትምክሕቱ ኸንቱ እዩ። ይሁዳ “ህዝቢ ሞኣብ ዕቡያት ምዃኖም ሰሚዕና ኣለና። ብርጡጣትን ኵሩዓትን ምዃኖም ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ትምክሕቶም ግና ኸንቱ እዩ” ይብሉ ኣለዉ።
7ስለዙይ ሞኣብ ንሞኣብ ዋይ ዋይ ክትብለላ እያ፤ ኵላቶም ዋይ ዋይ ክብሉ እዮም። ብዛዕባ ናይ ቂር ሓሬሴት ጎጎ ዘቢብ እናስቈርቈርኩም ክትበኽዩ ኢኹም። 8እቲ ኣብ ጥቓ ሄስቦን ዝነበረ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይኒ ሲባማን ፀምልዩ እዩ። እቶም ገዛእቲ ኣህዛብ ዝሰባበርወን ጨናፍር ክሳዕ ኢያዜር በፂሑ ዝነበረ፥ ብወገን ምብራቕ ክሳዕ ናብ ምድረ በዳ ወፂኡ ነይሩ። ብወገን ምዕራብ ከዓ ኽሳዕ ባሕሪ ጨው #16፡8 ባሕሪ ጨው፦ ሕዚ “ምዉት ባሕሪ” ይበሃል። በፂሑ ዝነበረ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ገዛእቲ ኣህዛብ ቈራረፅዎ። 9ስለዙይ ከምቲ ንኢያዜር ዝበኽየላ ዘለኹ፥ ንኣታኽልቲ ወይኒ ሴባማውን እበኽየሉ ኣለኹ። ኣብ ፍረ ሓጋይ፥ ኣብ ቀውዒ፥ ወኻዕታ ድምፂ ዂናት ወዲቑኪ እዩ እሞ፥ ኦ ሄስቦን፥ ኦ ኤልያሊ፥ ብንብዓተይ ኣተርክሰክን ኣለኹ። 10ኣብቲ ፈራዪ ገራሁ ሓጐስን ተድላን የለን። ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ደርፍን ዕልልታን የለን። ኣብ መፅመቚ ሓደ እኳ ወይኒ ዝረግፅ ሰብ የለን። ንዕልልታ ረጋፆ ወይኒ መወዳእታ ገይረሉ እየሞ። 11ስለዙይ ኣምዑተይ ብናይ ሞኣብ፥ ውሽጠይውን ብዛዕባ ቂርሄሬስ፥ ከም መሰንቆ ይቝዝም ኣሎ። 12ሞኣብውን ናብ ኰረብታ ደዪቡ እንተ ፀዓረ፥ ኣብ መቕደሱውን ክፅሊ እንተ ኣተወ፥ ሓደ እኳ ዘስልጦ የብሉን።
13እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሞኣብ ቀደም ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ። 14ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር “ዝተዓስበ ሰብ መዓልቲ ኸም ዝቘፅር፥ ብሰለስተ ዓመት እቲ ዅሉ ኽብሪ ሞኣብን፥ ብዝሒ ህዝባውን ክዋረድ እዩ። ካብዝ ብዙሕ ህዝባ ውሑዳት ጥራሕ ክተርፉ እዮም። እቲ ዝተረፈ ህዝባውን ውሑድን ድኹምን ክኸውን እዩ” ይብል።

Currently Selected:

ኢሳይያስ 16: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in