ኢሳይያስ 14
14
ካብ ስደት ምምላስ
1እግዚኣብሄር ንያእቆብ ክምሕሮ እዩ፤ ንእስራኤል ድማ ኽሓርዮ እዩ። ኣብ ሃገሮም ከዓ ኸንብሮም እዩ፤ ጓኖት ከዓ ምስኡ ኽሕወሱ እዮም፤ ኣብ ቤት ያእቆብውን ክለግቡ እዮም። 2ደቂ እስራኤል ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ሃገር፥ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብዙሓት ኣህዛብ ክሕግዝዎም እዮም። ደቂ እስራኤል ድማ ነቶም ኣህዛብ፥ ኣብኡ ግዙኣትን ኣግራድን ገይሮም ገንዘቦም ክገብርዎም እዮም። ነቶም ማረኽቶም ዝነበሩ ኽማርኹ፥ ነቶም ዝገፍዕዎም ዝነበሩ ድማ ኽገዝእዎም እዮም።
ሞት ንጉስ ባቢሎን
3እግዚኣብሄር ካብ ፃዕርኻን ካብ መከራኻን፥ ካብቲ ኣብኡ ኣቲኻዮ ዝነበርካ ፅኑዕ ባርነትን በታ መዓልቲ ኸዕርፈካ እዩ። 4ሽዑ ንንጉስ ባቢሎን ከምዙይ ኢልካ ኽትምስል ኢኻ፦ “እቲ ጨቋኒ ኸመይ ዓረፈ! ጭቘናኡኸ ኸመይ ኣብቅዐ! 5እግዚኣብሄር ንዘንጊ ኽፍኣትን፥ ንበትሪ ገዛእትን ሰበሮ። 6ነቲ ንህዝብታት ብቝጥዓ እንተየቋረፀ ዝወቕዖም፥ ነቲ ብቝጥዓን ዓጋቲ ብዘይብሉ ምስጓጕን፥ ንኣህዛብ ዝገዝአ በትሪ ሰበሮ። 7ኵላ ምድሪ ዓሪፋ ብህድኣት ተቐሚጣ ዕልልውን ትብል ኣላ። 8ፅሕድታትን ዝግባታት ሊባኖስን እኳ ‘ንስኻ ኻብ እትወድቕ ጀሚሩ፥ ክቘርፀና ኢሉ ዝደየበ ሓደኳ የለን’ እናበሉ ብኣኻ ደስ በሎም።
9“እታ ታሕቲ ዘላ ሲኦል፥ ክትመፅእ እንተለኻ ምእንቲ ኽትቅበለካ ኢላ ተሃወኸት፤ ነቶም ዝሞቱን ዓበይቲ ምድርን ተበራብረልካ ኣላ፤ ንነገስታት ከዓ ኻብ ዙፋናቶም ተትስኦም ኣላ። 10ኵላቶም ከዓ ‘ንስኻውንዶ ኸማና ደኺምካ! ንስኻኸ ንኣናዶ መሲልካ! 11ክብርኻን ቃና መሰንቆታትካን፥ ናብ ሲኦል ወረደ፤ መንፀፍካ ፍልሖ፥ መደረብታኻ ድማ ሓሳኹ እዮም’ ኢሎም ክመልሱልካ እዮም።
12 #
ራእይ 8፡10፥ 9፡1። “ኣየ ኣታ ብሩህ ኮኸብ ወዲ ወጋሕታ፥ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ! ንስኻ ንኣህዛብ ዘዋረድካስ፥ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርበኻ! 13ብልብኻውን፥ ‘ናብ ሰማይ ክዓርግ፥ ንዙፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል ከብሎ እየ፤ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ እምባ መአከቢ ኽቕመጥ እየ። 14ኣብ ልዕሊ ደመናታት ክዓርግ፥ ነቲ የመና ልዑል ዝኾነውን ክመስሎ እየ’ በልካ። 15#ማቴ. 11፡23፥ ሉቃ. 10፡15። ንስኻ ግና ናብቲ መዓሙቝ ጕድጓድ ናብ ሲኦል ክትወርድ ኢኻ።
16“ዝሪኡኻ የስተብህሉኻሞ፥ ‘እቲ ንምድሪ ዘንቀጥቀጠን ንመንግስታት ዘናወፀን፥ 17እቲ ንኸተማታት ዘፍረሰንን ንዓለም ዘባደማን? ንምሩኻቱ ናብ ገዛኦም ክኸዱ ዘይሰደደ ሰብኣይ እዙይ ዲዩ?’ ኢሎም የስተውዕሉኻ። 18ኵሎም ነገስታት ኣህዛብ፥ በብገዛኦም ብኽብሪ ደቂሶም ኣለዉ። 19ንስኻ ግና በቶም ብሰይፊ ዝተወግኡን፥ ናብ ናይ ጋህሲ ኣእማን ዝወረዱን ቅቱላት እተኸደንካ፥ ከም እተረግፀ ሬሳ፥ ከም ፍንፉን ጨንፈር ኴንካ ናብ መቓብርካ ተደርበኻ። 20ንምድርኻ ስለ ዘዕኖኻያ፥ ንህዝብኻ ኸዓ ስለ ዝቐተልካዮም፥ ኣብ መቓብር ምስኣቶም ኣይትሕወስን ኢኻ፤ ዘርኢ ኽፉኣት ንዘለኣለም ኣይፅዋዕን። 21ከይለዓሉ ንምድሪ እውን ከይወርሱ ንዓለምውን ብኸተማታቶም ከይመልኡ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣቦታቶም ንደቆም ሞት ኣዳለዉሎም።”
እግዚኣብሄር ንባቢሎን ከዕንዋ እዩ
22ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊኣቶም ክትስእ እየ፤ ስምን ተረፍን ዘርእን ትውልድን ካብ ባቢሎን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚእብሔር። 23#ራእይ 8፡10፥ 9፡1። ንባቢሎን ዓዘቕቲ ኽገብራ እየ፤ መሕደሪ ቅንፍዝውን ክትከውን እያ። ብመዀስተር ጥፍኣት ገይረ ኽዅስትራ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
እግዚኣብሄር ንኣሶር ከዕንዋ እዩ
24ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ብሓቂ ኸምቲ ዝሓሰብክዎ ክኸውን እዩ፤ እቲ ዝመደብክዎውን ክቐውም እዩ። 25ንኣሶር ኣብ ሃገረይ ክሰብሮ እየ፤ ኣብ እምባታተይ እውን ክረግፆ እየ። ኣርዑቱውን ካብ ልዕሊኣቶም ክለዓል፥ እቲ ሸኽሚውን ካብ ማእገሮም ክወርድ እዩ። 26ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እግዚኣብሄር ዝሓሰቦ ሓሳብ እዙይ እዩ፦ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ዝተዘርግሐት ኢድውን እዚኣ እያ።” 27#ኢሳ. 10፡5-34፥ ነህ. 1፡1—3፡19፥ ሶፎ. 2፡13-15። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር መዲብዎ እዩሞ፥ መን እዩ ኸንቱ ዝገብሮ? ኢዱ ተዘርጊሓ ኣላ፤ መንከ እዩ ዝመልሳ?
እግዚኣብሄር ንፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦም እዩ
28 #
2 ነገ. 16፡20፥ 2 ዜና. 28፡27። በታ ንጉስ ኣካዝ ዝሞተላ ዓመት እዝ ፆር እዙይ ኮነ።
29ኦ ፍልስጥኤም! እቲ ዝወቕዐኪ ዝነበረ በትሪ ስለ ዝተሰብረ ዅልኻትኩም ኣይትተሓጐሱ። ካብ ሱር ተመን ኣፍዑት ይወፅእ እዩሞ። ፍረኡውን ዝነፍርን ሓዊ ዝመስልን ገበል ይኸውን። 30በዅሪ ደቂ እቶም ድኻታት ክዋፈሩ፥ ፅጉማት ከዓ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም። ንሱርኪ ብጥሜት ክቐትሎ እየ፤ ተረፍኪውን ክቕተል እዩ። 31#ኤር. 47፡1-7፥ ኢዩ. 3፡4-8፥ ኣሞፅ 1፡6-8፥ ሶፎ. 2፡4-7። ትኪ ኻብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ሰራዊት ከዓ ንበይኑ ዝተርፍ የለን እሞ፥ ኣታ በሪ ዋይ ዋይ በል፤ ኣቲ ኸተማውን ኣእውዪ፤ ኵልኻትኩም ፍልስጥኤም ድማ ምኸኹ።
32ነቶም ልኡኻት ህዝቢ እንታይ ኢልካ ምምላስ ይግባእ? እግዚኣብሄር ንፅዮን ከም ዝመስረታ፥ እቶም ፅጉማት ህዝቡ ኸዓ ኣብኣ መፀግዒ ኸም ዝረኽቡ ዝብል እዩ።
Currently Selected:
ኢሳይያስ 14: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in