ሆሴዕ 7
7
1ሓሰት ኣዘውቲሮም እዮም እሞ፥ ሰራቒ ይኣቱ፤ ኣብ ወፃኢ ድማ ሸፋቱ ይኸትሩ ኣለዉ እሞ፥ ንእስራኤል ክፍውሶ ምስ ደለኹ፥ ሓጢኣት ኤፍሬምን፥ ክፍኣት ሰማርያን ተቐልዐ። 2ኣነ ንዅሉ ኽፍኣቶም ከም ዝዝክሮ ንሳቶም፥ ብልቦም ኣይሓስቡን እዮም። ግና ሓጢኣቶም ከቢብዎም፥ ኵልሻዕ ድማ ኣብ ቅድመይ እዩ።
ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝተገብረ ዕልዋ
3“ንንጉስ ብኽፍኣቶም፥ ንመሳፍንቱውን ብሓሰቶም የሐጕስዎም ኣለዉ። 4ኵላቶም ኣመንዝራታት እዮም፤ ከምቲ ሰንካቲ ዘርስኖ እቶንውን እዮም። ሰንካቲ፥ እቲ ዅሉ ዝለወሶ ብሑቝ ክሳዕ ዝበኵዕ፥ ነቲ ሓዊ እቶን ኣይቝስቍሶን እዩ። 5ብመዓልቲ በዓል ንጉስና፥ እቶም መሳፍንቲ ብወይኒ ረሲኖም ሓመሙ፤ ንሱውን ምስቶም መላገፅቲ ኢዱ ዘርግሐ። 6ብተንኰሎም ንልቦም ከም እቶን ኣርሰንዎ፤ ሰንካቲኦም ምሉእ ለይቲ ይድቅስ፤ ቍጥዓኦም ምሉእ ለይቲ ይትኪ። ከም ዝነድድ ሓዊውን ንግሆ ሃልሃል ይብል።”
7“ኵላቶም ከም እቶን ዝረሰኑ እዮም፤ ንፈረድቶምውን ይውሕጥዎም፤ ኵሎም ነገስታቶም ድማ ወደቑ፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ናባይ ዘእዊ የለን።”
እስራኤልን ካልኦት ሃገራትን
8ኤፍሬም ምስ ኣህዛብ ተፀመረ፤ ኤፍሬምውን ከም ዘይተገምጠለ ቕጫ እዩ። 9ኣጋይሽ ጕልበቱ በዝበዝዎ፥ ንሱውን ኣይፈለጠን፤ ፀጕሩ ሲበት ኣውፅአ፥ ንሱ ግና ኣየስተውዓለን። 10ትዕቢት እስራኤል ኣብ ልዕሊኡ መስከረሉ። እዝ ዅሉ ኾይኑ ድማ፥ ከምልኹ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይተመለሱን፤ በዝ ዅሉውን ኣይደለይዎን። 11ኤፍሬም ልቢ ኸም ዘይብላ የዋህ ርግቢ እዩ፤ ንግብፂ ይፅውዑ፤ ናብ ኣሶር ድማ ይኸዱ። 12ክኸዱ እንተለዉ መርበበይ ክዝርግሐሎም፥ ከም ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ ኸውርዶም እየ፤ መከራኦም እናሰምዑ ኸዓ ኽቐፅዖም እየ።
13“ካባይ ሃዲሞም እዮም እሞ፥ ወይለኦም! ካባይ ዓሚፆም እዮም እሞ፥ ጥፍኣት ይምፅኣዮም። ከናግፎም ደለኹ፤ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ብሓሰት ይናገሩ። 14ኣብ ምድቃሶም ኮይኖም ይበኽዩ ነበሩ እምበር፥ ብልቦም ናባይ ኣየእወዩን፤ ናብ ስርናይን ናብ ወይንን ይእከቡ፤ ኣብ ልዕለይ ግና ዓመፁ። 15ኣነ ኣሰልጠንክዎምን ኣበርታዕኽዎምን፤ ንሳቶም ግና ኣባይ ክፉእ መኸሩ። 16ናብ ከንቱ ነገር ተመለሱ፤ ግና ናብ ልዑል እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ዕላማኡ ኸም ዝስሕት ጠዋይ ቀስቲ ኾኑ። መሳፍንቶም ካብ ቍጥዓ መልሓሶም ዝተልዓለ፥ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። እዙይ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ግብፂ መሳለቒ ክኾኖም እዩ።”
Currently Selected:
ሆሴዕ 7: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: