YouVersion Logo
Search Icon

ሓጌ 2

2
ግርማ ፅባቐ ሓዳስ ቤተ መቕደስ
1ብሻውዐይቲ ወርሒ፥ ብመበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ፥ ብነቢይ ሓጌ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፦ 2ንዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ንኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን፥ ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ 3#እዝራ 3፡12። “ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ፥ በቲ ቐዳማይ ክብረቱ ዝረአዮ፥ ካባኻትኩም ዝተረፈ መን ኣሎ? ሕዚኸ ኸመይ ኮይኑ ትሪእዎ ኣለኹም? ኣብ ኣዒንትኹም ከም ዘየለዶ ኣይኮነን? 4ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ዘሩባቤል፥ ፅናዕ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅውን ፅናዕ፤ ኵልኻትኩም ህዝቢ እታ ሃገርውን ፅንዑ፤ ስርሑውን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ስርሑ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 5#ዘፀ. 29፡45-46፥ ዕብ. 12፡26። ካብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን፥ መንፈሰይ ኣብ ማእኸልኩም ይነብር ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።
6 # ዕብ. 12፡26። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ ኣነ ንሰማይን ንምድርን ንባሕርን ንየብስን ከናውፅ እየ። 7ንዅላቶም ኣህዛብ ከናውፅ እየ፤ ንዅላቶም ኣህዛብ ዝተመረፀ ኽቡር ነገር ድማ ኽመፅእ እዩ፤ ነዝ ቤት እዙይ ከዓ ብኽብሪ ኽመልኦ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 8እቲ ብሩር ናተይ እዩ፤ እቲ ወርቂውን ናተይ እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 9ካብቲ ቐዳማይስ እቲ ዳሕረዋይ ክብሪ እዝ ቤት እዙይ ክበልፅ እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
ነቢይ ሓጌ ንኻህናት ከም ዝጠየቖም
10ብዳርዮስ ብኻልኣይ ዓመት፥ ኣብ ታሽዓይ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ብነቢይ ሓጌ መፀ፦ 11-12ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሓደ ኣብ ዘፈር ክዳኑ ዝተቐደሰ ስጋ እንተ ቛፀረ፥ በዛ ዘፈር ክዳኑ ከዓ እንጀራ ወይ ፀብሒ ወይ ወይኒ ወይ ዘይቲ ወይ ዝኾነ ይኹን ካልእ ምግቢ እንተ ነኽአ፥ እቲ ዝተነኽአ በዙይዶ ይቕደስ እዩ? ኢልካ፥ ብዛዕባ ሕጊ ነቶም ካህናት ጠይቆም” በሎ። እቶም ካህናት ከዓ “ኣይፋሉን” ኢሎም መለሱሉ።
13 # ዘሑ. 19፡11-22። ሽዑ ሓጌ “ሬሳ ብምንካእ ዝረኸሰ ሰብ ካብዚኣቶም እንተ ነኽአኸ ይረክስዶ?” ኢሉ ጠየቖም። እቶም ካህናት ድማ “እወ ይረክስ” ኢሎም መለሱሉ።
14ሽዑ ሓጌ “እዝ ህዝብን እዝ ወገን እዙይን ኣብ ቅድመይ ከምኡ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኵሉ ስራሕ ኣእዳዎም ከምኡ እዩ፤ እቲ ንኣይ ኣብኡ ዘቕርቡለይውን ርኹስ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።
እግዚኣብሄር ዘተስፈዎ በረኸት
15“እምበኣር ካብ ሎሚ ጀሚርኩም፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ቅድሚ ምንብባሩ ዝነበረ ዅነታት ኣስተውዕሉ። 16ሓደ ሰብ ዕስራ መስፈሪ ናብ ዝርከቦ ምህርቲ እኽሊ ምስ መፀ፥ ዓሰርተ መስፈሪ ጥራሕ ረኸበ፤ ሓምሳ ዕትሮ ወይኒ ንምቕዳሕ ናብ መፅመቚ እንተ ኸደ፥ ዝተረኽበ ዕስራ ጥራሕ እዩ። 17ንዅሉ ስራሕ ኣእዳውኩም ብሃጕን ብሕሞድያን ብበረድን ወቓዕክዎ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፤ ይብል እግዚኣብሄር። 18ካብ ሎሚ ታሽዓይ ወርሒ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ጀሚሩ፥ መሰረት ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝተመስረተሉ ዘሎ ዘመን ኣስተውዕሉ። 19እኽልስ ገናዶ ኣብ ቆፎ ኣሎ እዩ? ተኽሊ ወይንን ኦም በለስን ሮማንን ኣውሊዕን፥ ክሳዕ ሎሚ ኣይፈረየን፤ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚረ ግና ኽባርኸኩም እየ።”
እግዚኣብሄር ንዘሩባቤል ዝሃቦ ተስፋ
20ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ንኻልኣይ ጊዜ ናብ ሓጌ መፀ። 21“ንዘሩባቤል ገዛኢ ይሁዳ ኸምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ኣነ ሰማይን ምድርን ከናውፅ እየ፤ 22ዙፋን መንግስታት ክገላብጥ እየ፤ ሓይሊ መንግስታት ኣህዛብ ከጥፍእ እየ፤ ሰረገላታትን ዝቕመጥዎምንውን ክገላብጥ እየ። ኣፍራስን ዝቕመጥወንን ከዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ብሰይፊ ሓዉ ተወቒዑ ክወድቕ እዩ። 23ኦ ባርያይ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኽወስደካ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣነ ሓርየካ እየ እሞ፥ ከም ቀለበት ማሕተም ክገብረካ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”

Currently Selected:

ሓጌ 2: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in