ሓጌ 1:8-9
ሓጌ 1:8-9 ትመ15
ናብ እምባታት ደይቡ፤ ዕንፀይቲ ኣምፅኡ፤ ነቲ ቤትውን ስርሕዎ። ኣነ ብእኡ ኽሕጐስ እየ፤ ክምስገነሉውን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። “ንስኻትኩም ብዙሕ ተፀበኹም፤ እንሆ ኸዓ ውሑድ ኣእተኹም። ናብ ቤት ምስ ኣእተኹምዎ ኸዓ፥ ኣነ ኡፍ በልኩሉ። እዙይ ስለ ምንታይ እዩ? ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ነፍሲ ወከፍኩም ናብ ገገዛኹም እናጐየኹም፥ ቤተይ ዑና ኾይኑ ስለ ዝተረፈ እዩ።