YouVersion Logo
Search Icon

እንባቆም 2

2
እግዚኣብሄር ንእንባቆም ዝሃቦ መልሲ
1እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝዛረበንን፥ ብዛዕባ እቲ ኽትዐይ ከዓ፥ እንታይ ከም ዝምልሰሉን ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ኣብቲ መሐለውየይ ደው ክብል፥ ኣብ ልዕሊ እምባውን ክድይብ እየ።
2እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መለሰለይ፦ “እቲ ዘንብቦ ምእንቲ ኽቕልጥፍ፥ ነቲ ራእይ ፀሓፎ፤ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረፆ። 3#ዕብ. 10፡37። እቲ ራእይ ገና ንውሱን ጊዜ እዩ፤ ናብ ፍፃመኡውን ይቕልጥፍ ኣሎ፤ ኣይሕሱን ከዓ እዩ። እንተ ደንጐየውን ብርግፅ ክመፅእ እዩ፤ ኣይድንጕን ድማ እዩ እሞ፥ እንተ ደንጐየ እኳ ተፀበዮ።” 4#ሮሜ 1፡17፥ ገላ. 3፡11፥ ዕብ. 10፡38። እንሆ ነፍሱ ተዓብያ እያ፤ ኣብ ውሽጡውን ቅንዕቲ ኣይኮነትን፤ ፃድቕ ግና ብእምነቱ ብህይወት ይነብር።
ጥፍኣት ክፉኣት ሰባት
5ንሱ መታለልን ኵሩዕን ሰብ እዩ፤ ኣብ ስፍራኡውን ኣይቕመጥን፤ ስስዐኡ ኸም ሲኦል የግፍሕ፤ ከም ሞትውን ኣይፀግብን። ንዅላቶም ኣህዛብ ናብ ባዕሉ ይእክቦም፤ ንዅሎም ህዝብታትውን ናብ ባዕሉ ይእክቦም። 6እዚኣቶም ኵላቶም ነቲ ዘይናቱ ንባዕሉ ዝእክብ፥ መትሓጃውን ንባዕሉ ዘብዝሕ ወይለኡ! ኽሳዕ መኣዝከ እዩ? እናበሉ ምስላ ኣይምስሉሉንዶ? ተረትከ ኣይትርቱሉንዶ?
7እቶም ዝነኽሱኻ ድንገትዶ ኣይለዓሉኻን? እቶም ዘጨንቑኻ ኽነቕሑ እዮም፤ ነኣኣቶምውን ዘመተኦም ክትከውን ኢኻ። 8ንደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፥ በታ ምድርን በታ ኸተማን ብቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኵላቶምን፥ ስለ ዝፈፀምካዮ ግፍዒ፥ ንስኻ ንብዙሓት ኣህዛብ ዘሚትካ ኢኻሞ፥ ኵሎም እቶም ካብ ኣህዛብ ዝተረፉ ክዘምቱኻ እዮም።
9ካብ ክፉእ ንኽድሕን፥ ንቤቱ ኣብ በሪኽ ቦታ ንኽገብር፥ ንገዛኡ ዘይግባእ ትርፊ ንዝእክብ ወይለኡ! 10ንብዙሓት ህዝብታት ኣጥፊእኻ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ገዛኻ ውርደት መኸርካ፤ ኣብ ልዕሊ ነፍስኻውን ሓጢኣት ገበርካ። 11እምኒውን ካብ ውሽጢ መንደቕ ከእዊ፥ ዕንፀይትውን ካብ ውሽጢ ውቕሮ ኽምልሰሉ እዩ። 12ንኸተማ ብደም ምፍሳስ ንዝሰርሕ ንሃገር ከዓ ብሓጢኣት ንዝምስርታ ወይለኡ! 13እንሆ ህዝብታት ስለ ሓዊ ንኽፅዕሩ፥ ኣህዛብውን ንኸንቱ ንኽደኽሙ፥ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝኾነዶ ኣይኮነን? 14#ኢሳ. 11፡9። ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዝኸድኖ፥ ምድሪ እውን ክብሪ እግዚኣብሄር ብምፍላጥ ክትመልእ እያ።
15ሕፍረተ ስጋኡ ንምርኣይ፥ ንብፃዩ መስተ ዘስቲ፥ ክፉእውን ዝውስኸሉ፥ ንዘስክሮውን ወይለኡ! 16ክንዲ ኽብሪ፥ ሕፍረት መሊኡካ ኣሎ፤ ንስኻውን ሰቲኻ ሰንደልደል በል፤ እቲ ፅዋዕ የማን እግዚኣብሄር ክምለሰካ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኽብርኻውን ሕፍረት ክኸውን እዩ። 17ደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፥ ኣብ ልዕሊ እታ ምድርን፥ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ዝፈፀምካዮ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዝሰራሕኻዮ ግፍዒ፥ ክኸድነካ እዩ፤ ሓደጋ ኣራዊትውን ከደንግፀካ እዩ።
18እቲ ቐራፂ ዝቐርፆ ቕሩፅ ምስሊ፥ ንምንታይ ይጠቅም? እቲ ሰራሒ፥ በሃም ጣዖት ገይሩ ብዝሰርሖ ዝእመንከ፥ እቲ መኺኹ ዝተሰርሐ፥ ሓሰት ዝምህር ምስሊኸ እንታይ ይጠቅም? 19እቲ ንዕንፀይቲ “ንቓሕ” ንበሃም እምኒ ኸዓ “ተስእ” ዝብሎ ወይለኡ! ብሓቂዶ እዙይ ይምህር እዩ? እንሆ ብወርቅን ብብሩርን ተለቢጡ እዩ፤ ምንም እስትንፋስ የብሉን። 20እግዚኣብሄር ግና፥ ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ኣሎ፤ ኵላ ምድሪ እውን ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል።

Currently Selected:

እንባቆም 2: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in