YouVersion Logo
Search Icon

ዘፍጥረት 50

50
ያእቆብ ከም ዝተቐበረ
1ዮሴፍ ኣብ ልዕሊ ገፅ ኣቦኡ ወዲቑ እናበኸየ ሰዓሞ። 2ዮሴፍ ከዓ ነቶም ሰብ መድሓኒት ሓሻኽሩ፥ ነቦኡ ብምዑዝ ቅብኢ ኽደርዝዎ ኣዘዞም። እቶም ሓኻይም ድማ ብምዑዝ ቅብኢ ደረዝዎ። 3ከምቲ ልሙድ ኣርብዓ መዓልቲ ደረዝዎ። ግብፃውያን ድማ ሰብዓ መዓልቲ በኸዩሉ።
4መዓልቲታት ሓዘን ምስ ተወድአ ኸዓ፥ ዮሴፍ ንቤተ ሰብ ፈርዖን፦ “ኣብ ቅድሜኹም ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻትኩም ንፈርዖን፦ 5#ዘፍ. 47፡29-31። ኣቦይ፥ እንሆ፥ ‘ኣነ እመውት ኣለኹ። ኣብታ ምድሪ ከነዓን ንኣይ ኢለ ዝዀዓትክዋ መቓብረይ ኣብኣ ቕበረኒ’ ኢሉ ኣምሒሉኒ እዩ። ሕዚ ኸዓ ኸይደ ነቦይ ቀቢረ ኽምለስ ፍቐደለይ ኢልኩም ንገሩለይ” በሎም።
6ፈርዖን ድማ፥ “ኺድ እሞ ኸምቲ ዘምሓለካ፥ ነቦኻ ቕበሮ” በሎ።
7ዮሴፍ ከዓ ነቦኡ ኽቐብሮ ኸደ። ኵላቶም መኳንንቲ ፈርዖንን ሹመኛታት ቤተ መንግስቱን፥ ኵላቶም ዓበይቲ ምድሪ ግብፅን ድማ ምስኡ ኸዱ። 8ኵላቶም ስድራ ዮሴፍን ኣሕዋቱን፥ ስድራ ኣቦኡንውን ምስኡ ኸዱ። ኣብ ምድሪ ጌሴም ቈልዑቶምን ኣባጊዖምን ከፍቶምን ጥራሕ ሓደጉ። 9ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ድማ ምስኡ ኸዱ፤ የመና ብዙሕ ህዝቢ እውን ነበረ።
10ናብታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ዓውዲ ኣጣድ ከዓ በፅሑ። ኣብኣ ድማ ንያእቆብ መሪር ብኽያት በኸዩሉ። ዮሴፍ ከዓ ነቦኡ ሸውዓተ መዓልቲ መልቀስ ገበረሉ። 11እቶም ኣብታ ምድሪ ዝቕመጡ ከነዓናውያን ድማ፥ ነቲ ኣብ ዓውዲ ኣጣድ ዝኾነ መልቀስ ምስ ረአዩ፥ “እዙይ ዓብዪ መልቀስ ግብፃውያን እዩ” በሉ። ስለዙይ ከዓ “ኣቤል ሚስራይም” #50፡11 ኣቤል ሚስራይም፦ “መልቀስ ግብፃውያን” ማለት እዩ። ኢሎም ሰመይዋ። ንሳ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ እያ።
12ደቂ ያእቆብ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞም ገበሩሉ። 13#ግ.ሓ. 7፡16። ንሳቶም ነቦኦም ፆይሮም ናብ ምድሪ ከነዓን ወሰድዎ፤ ኣብታ ኣብ መንፅር መምሬ ዘላ፥ ኣብርሃም ንርስቲ መቓብር ኢሉ ኻብ ኤፍሮን ኬጢያዊ ምስታ ግራት ዝዓደጋ፥ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ ቐበርዎ። 14ዮሴፍ ነቦኡ ምስ ቀበረ፥ ምስ ኣሕዋቱን ምስቶም ነቦኡ ኽቐብሩ ምስኡ ዝኸዱ ዅላቶምን ናብ ግብፂ ተመለሰ።
ዮሴፍ ነሕዋቱ ኸም ዘህድኦም
15ኣሕዋት ዮሴፍ ኣቦኣቶም ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ፥ “ምናልባሽ ዮሴፍ ተቐይሙና ኸይኸውን እሞ ኸም ኢድና ደኣ ኸይፈድየና!” ተበሃሃሉ። 16ንዮሴፍ ድማ ኸምዙይ ኢሎም ለኣኹሉ፦ “ኣቦና ቕድሚ ሞቱ ኸምዙይ ኢሉ ኣዚዙና ነይሩ። 17‘እቲ ኣሕዋትካ ዝበደሉኻ ይቕረታ ኸም እትገብረሎም ሕድርኻ፥ በልዎ’ ኢሉና ነይሩ። ሕዚ ኸዓ ባሮት ኣምላኽ ኣቦኻ ናይ ዝኾንና በደል ይቕረ ኽትብል፥ ንልምነካ ኣለና” በልዎ። ዮሴፍ ከዓ ምስ ተዛረብዎ በኸየ።
18እቶም ኣሕዋቱ ድማ ኸይዶም ኣብ ቅድሚኡ ፍግም ኢሎም ሰገዱ፤ “እንሆ ንሕና ሓሻኽርካ ኢና” በልዎ። 19ዮሴፍ ድማ፥ “ኣይትፍርሑ፤ ኣነዶ ኣምላኽ እየ? 20ንስኻትኩም ንኽፉአይ ሓሰብኩም፤ እግዚኣብሄር ግና፥ ከምቲ ሎሚ ኾይኑ ዘሎ ምእንቲ ኽገብርን፥ ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኸድሕንን ንፅቡቕ ገበሮ። 21ሕዚ ኸዓ ኣይትፍርሑ፤ ኣነ ንኣኻትኩምን ንቘልዑኹምን ክቕልበኩም እየ” በሎም። ንልቦም ዘረጋግዕ ቓላት ብምዝራብ ከዓ ኣፀናንዖም።
ሞት ዮሴፍ
22ዮሴፍ ምስ ኵሎም ቤተ ሰብ ኣቦኡ ኣብ ግብፂ ተቐመጠ። ዮሴፍ ክመውት እንተሎ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ገይሩ ነበረ። 23ዮሴፍ ክሳዕ ሳልሳይ ትውልዲ፥ ደቂ ኤፍሬም ረአየ። ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ኣብ እንዳ ዮሴፍ ተወሊዶም ኣብኡ ዓበዩ። 24ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ፥ “ኣነ ኽመውት እየ። እግዚኣብሄር ግና ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ፤ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ኽመልሰኩም እዩ” በሎም። 25#ኢያሱ 24፡32፥ ዕብ. 12፡22። ዮሴፍ ድማ ንደቂ ያእቆብ፥ “እግዚኣብሄር ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ እሞ፥ ነዕፅምተይ ካብዙይ ከም እትወስድዎ ግበሩ” ኢሉ ኣምሓሎም። 26ዮሴፍ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። ብምዑዝ ቅብኢ ድማ ደረዝዎ፥ ኣብ ሳፁን ገይሮም ከዓ ኣብ ግብፂ ኣንበርዎ።

Currently Selected:

ዘፍጥረት 50: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in