ዘፍጥረት 47
47
1ዮሴፍ ናብ ፈርዖን ኣትዩ “ኣቦይን ኣሕዋተይን ጤለ በጊዖምን ከፍቶምን ኵሉ ዘለዎምን ሒዞም፥ ካብ ምድሪ ከነዓን መፂኦም፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ጌሴም ኣለዉ” ኢሉ ነገሮ። 2ካብቶም ኣሕዋቱ ድማ ሓሙሽተ ሰብኣይ መሪፁ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣቕረቦም።
3ፈርዖን ከዓ ነሕዋት ዮሴፍ “ስራሕኹም እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ ንፈርዖን “ንሕና ሓሻኽርካ ስራሕና ኸምቲ ናይ ኣቦታትና መርባሕቲ እንስሳት ኢና” ኢሎም መለሱሉ። 4ኣስዒቦም ከዓ ንፈርዖን “ኣብ ምድሪ ከነዓን ጥሜት የመና ስለ ዝበርትዐ፥ እንስሳት ሓሻኽርካ ዝዋፈራሉ የለን። ስለዙይ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ብስደት መፂእና ኣለና፤ ሕዚ ኸዓ ሓሻኽርካ ኣብ ምድሪ ጌሴም ክንቅመጥ ንልምነካ ኣለና” በልዎ። 5ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ “ኣቦኻን ኣሕዋትካን እንሆ መፂኦምልካ ኣለዉ፤ 6ምድሪ ግብፂ ኸዓ ኣብ ኢድካ እያ። ነቦኻን ነሕዋትካን ኣብታ ዝበለፀት ምድሪ ኣቐምጦም። ኣብ ምድሪ ጌሴም ይቀመጡ። ካብኣቶም እትፈልጦም ክኢላታት ሰባት እንተ ሃልዮምኻ፥ ኣብ ከፍተይ ዋናታት ግበሮም” በሎ።
7ሽዑ ዮሴፍ ነቦኡ ያእቆብ ኣምፂኡ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣቕረቦ። ያእቆብ ድማ ንፈርዖን መረቖ። 8ፈርዖን ከዓ ንያእቆብ “ዕድሜኻ ኽንደይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። 9ያእቆብ ድማ “እተን ብስደት ዘሕለፍክወን ሚእትን ሰላሳን ዓመት እየን። ንሳተን ውሑዳትን መረርትን ነበራ። ክንዲ እተን ኣቦታተይ ብስደት ዘሕለፍወን ዘመናት ኣይኾናን እየን” በሎ። 10ያእቆብ ድማ ንፈርዖን መሪቑ ኻብኡ ወፀ። 11ዮሴፍ ከዓ ነቦኡን ነሕዋቱን መሬት ኣካፈሎም፤ ከምቲ ፈርዖን ዝኣዘዞውን፥ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኣብታ ዝበለፀት ምድሪ፥ ኣብ ምድሪ ራምሴ ርስቲ ሃቦም። 12ዮሴፍ ነቦኡን ነሕዋቱን ንዅሉ ቤተ ሰብ ኣቦኡን ይሓልየሎም ነበረ። ከከም ብዝሒ ቤተ ሰቦምውን እኽሊ እናሰፈረ ይህቦም ነበረ።
ዘመን ጥሜትን ኣመራርሓ ዮሴፍን
13ኣብ ኵላ ምድሪ እኽሊ ስለ ዘይነበረ እቲ ጥሜት የመና በርትዐ። ካብ ጥሜት ዝተልዓለውን ኣብ ምድሪ ግብፅን ኣብ ምድሪ ከነዓንን ዝነብሩ ህዝቢ ብጥሜት ሰንሰኑ። 14ዮሴፍ ድማ ኻብ ምድሪ ግብፅን ካብ ምድሪ ከነዓንን፥ እቲ ብሸመታ እኽሊ ዝተረኽበ ገንዘብ ኣከቦ፤ ናብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖን ድማ ኣእተዎ። 15እቲ ኣብ ምድሪ ግብፅን ኣብ ምድሪ ከነዓንን ዝነበረ ገንዘብ ምስ ተወድአ ድማ፥ ኵሎም ግብፃውያን ናብ ዮሴፍ መፂኦም፥ “ስለ ምንታይ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ እንመውት? ገንዘብና ተወዲኡ እዩ እሞ እኽሊ ሃበና” በልዎ።
16ዮሴፍ ከዓ “ገንዘብኩም እንተ ደኣ ተወዲኡ ኾይኑ፥ ጥሪትኩም ኣምፅኡ፤ ክንዲ ጥሪትኩም ድማ እኽሊ ኽህበኩም እየ” በሎም። 17ንሳቶም ከዓ ጥሪቶም ናብ ዮሴፍ ኣምፅኡ። ዮሴፍ ድማ ኽንዲ ኣፍራስን ኣባጊዕን ኣጣልን ከፍትን ኣእዱግን እኽሊ ሃቦም። ስለዙይ ክንዲ ዅለን ጥሪቶም እኽሊ እናሃበ እታ ዓመት እቲኣ ኣሕለፎም።
18እታ ዓመት እቲኣ ምስ ሓለፈት ከዓ፥ በታ ኻልአይቲ ዓመት ናብ ዮሴፍ መፂኦም፥ “ገንዘብ ከም ዝተወድአ፥ ንኣኻ ንጐይታና ኣይንሓብአካን ኢና፤ እተን መጓሰታት ጥሪት ድማ ምሳኻ ኣለዋ። በይዛኻ እንትርፊ ነፍስናን ምድርናን ካልእ ኣይተረፈናን። 19ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ስለ ምንታይ ንመውት? ምድርናኸ ስለ ምንታይ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ እትጠፍእ? ንኣናን ንምድርናን ብእኽሊ ዓድገና። ንሕናን ምድርናን ድማ ባሮት ፈርዖን ንኹን። ንሕና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ እታ መሬት ከዓ ኸይትባድምስ ዘርኢ ሃበና” በልዎ።
20ግብፃውያን ጥሜት ስለ ዝበርትዖም፥ ነፍሲ ወከፎም ገግራቶም ሸጡ፤ ዮሴፍ ከዓ ዅላ ምድሪ ግብፂ፥ ንፈርዖን ክትከውን ዓደጋ፤ እታ ምድሪ ድማ ናይ ፈርዖን ኮነት። 21ንህዝቢ ግብፂ ኸዓ፥ ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ፥ ናይ ፈርዖን ባሮት ገበሮም። #47፡21 ናይ ፈርዖን ባሮት ገበሮም፦ ገሊኣቶም ብራናታት “ናብ ከተማታት ኣግዓዞም” ይብሉ። 22እቶም ካህናት ግና ኻብ ፈርዖን ውሱን ድርጎ ስለ ዝነበሮም፥ መሬቶም ኣይሸጡን። ስለዙይ ዮሴፍ ንመሬት ካህናት ጥራሕ እዩ ዘይዓደገ። 23ዮሴፍ ከዓ ነቶም ህዝቢ “እንሆ፥ ሎሚ ንኣኻትኩምን ንምድሪኹምን ንፈርዖን ዓዲገኩም እየ። ዘርኢ እኒሀልኩም፤ ነታ ምድሪ እውን ዝርእዋ። 24ጊዜ ቐውዒ ምስ ኮነ ሓምሻይ ኣፍ ንፈርዖን ትህብዎ፤ እቲ ኣርባዕተ ኣፍ ድማ ንግራትኩም ዘርኢ፥ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ንቤተ ሰብኩምን ቀለብ ይኹን” በሎም።
25ንሳቶም ድማ “ንስኻ ኣድሓንካና፤ ኣብ ቅድሜኻ ደኣ እንኳዕ ሞገስ ረኸብና እምበር፥ ባሮት ፈርዖን ንኸውን” በልዎ። 26ዮሴፍ ከዓ “ኣብ ምድሪ ግብፂ ሓምሻይ ኣፍ ንፈርዖን ይኹን” ኢሉ ሓገገ። እዝ ሕጊ እዙይ ክሳዕ ሎሚ ቖይሙ ኣሎ። ምድሪ ካህናት ጥራሕ እያ ናይ ፈርዖን ዘይኮነት።
መወዳእታ ምሕፅንታ ያእቆብ
27እስራኤል ድማ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኣብ ምድሪ ጌሴም ተቐመጠ። ርስቶምውን ኮነት፤ ፈረዩ፤ የመናውን በዝሑ። 28ያእቆብ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ተቐመጠ። ዕድሚኡ ድማ ሚእትን ኣርብዓን ሸውዓተን ዓመት ኮነ። 29ክመውት ምስ ቀረበ ንወዱ ዮሴፍ ፀዊዑ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር፤ #47፡29 ኣብ ምዕራፍ 24፡2 ዘሎ ሕዳግ ረአ። ሕያዋይነትካን ተኣማንነትካን ክፈልጥ ቃል እተወለይ። ኣብ ምድሪ ግብፂ ኣይትቕበረኒ። 30ምስ ሞትኩ ኻብ ግብፂ ኣውፂእኻ፥ ኣብ መቓብር ኣቦታተይ ቅበረኒ” በሎ። ዮሴፍ ከዓ “ከም ዝበልካኒ ኽገብር እየ” በሎ። #ዘፍ. 49፡29-32። 31ያእቆብ ድማ “መሓለለይ” በሎ። ዮሴፍውን መሓለሉ። ያእቆብ ኣብ መተርኣሱ #47፡31 ኣብ መተርኣሱ፦ ገሊኡ ብራናታት “ኣብ ርእሲ በትሩ” ይብል። ሰጊዱ ኣመስገነ።
Currently Selected:
ዘፍጥረት 47: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: