YouVersion Logo
Search Icon

ዘፍጥረት 43

43
ኣሕዋት ዮሴፍ ንብንያም ሒዞም ካልኣይ ጊዜ ናብ ግብፂ ኸም ዝወረዱ
1እቲ ጥሜት ኣብ ከነዓን በርትዐ። 2እቲ ኻብ ግብፂ ዘምፅእዎ እኽሊ በሊዖም ምስ ወድኡ ድማ፥ ኣቦኣቶም ያእቆብ፥ “ተመሊስኩም ቁሩብ እኽሊ ሸምቱልና” በሎም።
3ይሁዳ ኸዓ “እቲ ሰብኣይ፥ ‘ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘይመፂኡ ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም’ ኢሉ ኣጠንቂቑና እዩ። 4ንሓውና ምሳና ትሰዶ እንተ ዄንካ፥ ወሪድና እኽሊ ኽንሽምተልካ ኢና። 5ዘይትሰዶ እንተ ዄንካ ግና፥ እቲ ሰብኣይ፥ ‘ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘይመፂኡ፥ ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም’ ኢሉና እዩ እሞ፥ ኣይንወርድን ኢና” በሎ።
6እስራኤል ከዓ፥ “ነቲ ሰብኣይ ሓደ ሓው ኣለና ኢልኩም፥ ብምንጋር ስለ ምንታይ ኣኽፋእኹምለይ?” በለ።
7ንሳቶም ድማ “እቲ ሰብኣይ ብዛዕባናን ብዛዕባ ወለዶናን፥ ‘ኣቦኻትኩም ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ? ካልእ ሓውከ ኣለኩምዶ?’ ኢሉ ኣጥቢቑ ጠየቐና። ንሕና ኸዓ ኸምቲ ጥያቐኡ መለስናሉ። ንሓውኩም ኣምፅእዎ ኸም ዝብለናዶ ፈሊጥና ኔርና?” በልዎ።
8ይሁዳ ድማ ነቦኡ እስራኤል “ተሲእና ኽንከይድስ፥ ንብንያም ምሳይ ስደዶ። ሽዑ ኸዓ ንሕናን ንስኻን ህፃናትናን ካብ ጥሜት ክንድሕን ኢና። 9ኣነ እወሓሶ፥ ካባይ ድለዮ። ናባኻ ኣምፂአ ኣብ ቅድሜኻ ደው እንተ ዘየቢለዮ ምሉእ ህይወተይ ኣብ ቅድሜኻ ሓጢኣተኛ እኹን። 10ክሳዕ ሕዚ ደንጕና እንተ ዘይንኸውንስ ድሮኳ ኻልኣይ ጊዜ ተመሊስና ምሃለና ኔርና” በሎ።
11ሽዑ ኣቦኣቶም እስራኤል “ከምዙይ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ከምኡ ግበሩ፦ ካብ ፍረ እዛ ምድሪ ፀፅቡቑ ኣብ ለቛቱኹም ውሰዱ፥ ነቲ ሰብኣይ ዝኸውን ገፀ በረከት፥ በለሳን፥ ቁሩብ ቀመም፥ ቁሩብ መዓር፥ ሽቱን ከርበን ካዕካዕን ለውዝን ተማልኡሉ። 12ገንዘብ ድማ ዕፅፊ ጌርኩም ተማልኡ፤ እቲ ኣብ ኣፍ ለቛቱኹም ዝተመለሰ ገንዘብውን፥ ምናልባሽ ብጌጋ ኸይኸውን ተማልእዎ። 13ንሓውኩምውን ውሰድዎ፤ ቀልጢፍኩም ከዓ ናብቲ ሰብኣይ ተመለሱ። 14ነቲ ሓደ ሓውኩምን ንብንያምን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽሰዶም፥ እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣይ ሞገስ ይሃብኩም። ኣነ ውሉድ እንተ ሰኣንኩ፥ እስኣን” በሎም።
15ንሳቶም ድማ ገፀ በረከት ሒዞም፥ ዕፅፊ ገንዘብ ተማሊኦም፥ ንብንያምውን ሒዞም፥ ናብ ግብፂ ወሪዶም፥ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ደው በሉ። 16ዮሴፍ ከዓ ንብንያም ምስኣቶም ምስ ረአዮ፥ ንኣዛዚ ገዛኡ፥ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ቀትሪ ምሳይ ክመስሑ እዮም እሞ፥ ናብ ገዛይ ኣእትዎም፤ ሕሩድ ሓሪድካውን ኣሰናዱ” በሎ። 17እቲ ኣዛዚ ቤት ድማ ኸምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ገበረ፤ ነቶም ሰባትውን ናብ ገዛ ዮሴፍ ኣእተዎም።
18ንሳቶም ድማ ናብ ገዛ ዮሴፍ ስለ ዘእተዎም ፈርሑ። “ናብዙይ ኣእትዩና ዘሎ፥ ብምኽንያት እቲ ብቐዳማይ ኣብ ለቛቱና ዝተመለሰ ገንዘብ እዩ፤ ሕዚ ምኽንያት ገይሩ ጕድኣት ከብፅሐልና፥ ነእዱግና ኽወስድ፥ ንኣና ኸዓ ባሮቱ ኽገብረና እዩ” ኢሎም ሓሰቡ። 19ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ እቲ ገዛ፥ ናብቲ ኣዛዚ ቤት ዮሴፍ ቀሪቦም፦ 20“ኦ ጐይታና! ብቐዳማይ እኽሊ ኽንሽምት መፂእና ኔርና። 21ኣብቲ ዝሓደርናሉ ምስ በፃሕና ለቛቱና ፈቲሕና እንተ ረአና፥ ገንዘብ ነፍሲ ወከፍና ኸከም ሚዛኑ ኣብ ኣፍ ለቘታኡ ነበረ፤ 22እቲ ገንዘብ ናብ ለቛቱና መን ከም ዘእተዎ ኣይፈለጥናን፥ እንሆ መሊስናዮ ኣለና። ካልእ ገንዘብውን መሸመቲ እኽሊ ዝኸውን ኣምፂእና ኣለና” በልዎ።
23ንሱ ድማ “ኣይዞኹም ኣይትፍርሑ። ኣብ ለቛቱኹም ገንዘብ ዝሃበኩም ኣምላኽኩምን ኣምላኽ ኣቦታትኩምን እዩ፤ ገንዘብኩምስ በፂሑኒ እዩ” በሎም። ንስምኦንውን ናብኣቶም ኣምፅኦ።
24እቲ ሰብኣይ ነቶም ሰባት ናብ እንዳ ዮሴፍ ኣእትዩ፥ ኣእጋሮም ክሕፀቡ ማይ ሃቦም፤ ነእዱጎም ድማ ድርቋ ሃበን። 25ኣብኡ ኸም ዝመስሑ ሰሚዖም ነበሩ እሞ፥ ዮሴፍ ቀትሪ ምስ መፀ ምእንቲ ኸቕርቡሉ ነቲ ገፀ በረከት ኣዳለውዎ።
26ዮሴፍ ናብ ገዛ ምስ መፀ፥ ነቲ ዘምፅእዎ ገፀ በረከት ኣቕረቡሉ። ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ከዓ ሰገዱሉ። 27ንሱ ድማ ብዛዕባ ጥዕናኦም ጠየቖም፤ “እቲ ብዛዕባኡ ዝተዛረብኩምኒ ሽማግለ ኣቦኻትኩምከ ደሓንዶ ኣሎ? ገናዶ ብህይወት ኣሎ?” በሎም።
28ንሳቶም ድማ “ሓሽከርካ ኣቦና ደሓን እዩ፤ ብህይወት ኣሎ” በልዎ። ድንን ኢሎም ድማ ሰገዱሉ። 29ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ ድማ ንወዲ እኖኡ ንብንያም ረአዮ፥ “እዙይ እቲ ብዛዕባኡ ዝተዛረብኩምኒ ንእሽተይ ሓውኩም ድዩ?” በሎም። ንእኡ ኸዓ “ወደይ፥ እግዚኣብሄር ይባርኽካ” በሎ። 30ዮሴፍ ድማ ንሓዉ ሪኡ ኸብዱ ምኽኣል ኣብዩዎ ዝበኽየሉ ስፍራ ደለየ፤ ናብ ሕልፍኝኡ ኣትዩ ኸዓ በኸየ። 31ገፁ ተሓፂቡውን ወፀ። ንባዕሉ ኣረጋጊኡ ድማ “እንጀራ ኣቕርቡ” በለ። 32ሽዑ ንእኡ ንበይኑ፥ ነሕዋቱ ንበይኖም፥ ነቶም ምስኡ ዝበልዑ ግብፃውያን ከዓ ንበይኖም ኣቕረቡሎም። ንግብፃውያን ምስ ዕብራውያን እንጀራ ምብላዕ ነውሪ እዩ እሞ፥ ምስኣቶም ክበልዑ ኣይከኣሉን። 33እቶም ኣሕዋት ካብ በዅሪ ኽሳዕ እቲ ምንኣስ ኵሎም፥ ከከም ዕድመኣቶም ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ኣብ ማእዲ ተቐመጡ፥ ኣቀማምጣኣቶም ሪኦም ከዓ ንስንሳቶም ብምድናቕ ተጠማመቱ። 34ካብቲ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ዝነበረ ምግቢ ኸዓ ገግደኦም ኣቕረቡሎም፤ ንብንያም ድማ ሕልፊ ዅሎም ኣሕዋቱ ሓሙሽተ ኢድ ኣቕረቡሉ። ስለዙይውን ሰትዮም ምስኡ ተሓጐሱ።

Currently Selected:

ዘፍጥረት 43: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in