ዘፍጥረት 34
34
ዲና ኸም ዝተዓመፀት
1እታ ኻብ ያእቆብ ዝተወለደት ጓል ልያ ዲና ነጓላት እቲ ሃገር ክትርኢ ወፀት። 2ሴኬም ወዲ ኤሞር፥ እቲ ኤውያዊ ገዛኢ እቲ ሃገር ድማ ረአያ። ወሰዳ እሞ ምስኣ ደቀሰ፤ ኣነወራውን። 3ልቡ ድማ ብፍቕሪ ዲና ጓል ያእቆብ ተማረኸ እሞ ፈተዋ፤ ንልባ ብዘሐጕስ ነገርውን ተዛረባ። 4ሴኬም ድማ ነቦኡ ኤሞር “ነዛ ጓል እዚኣ ኣመርዕወኒ” በሎ።
5ያእቆብ ድማ ሴኬም ንጓሉ ዲና ኸም ዘነወራ ሰምዐ፤ ደቁ ኸዓ ምስ ጥሪቱ ኣብ በረኻ ነበሩ እሞ፥ ደቁ ኽሳዕ ዝኣትዉ ስቕ በለ። 6ኤሞር ኣቦ ሴኬም ከዓ ምስኡ ኽዛረብ ናብ ያእቆብ ከደ። 7ደቂ ያእቆብ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ካብ በረኻ ኣተዉ። ሴኬም ንጓል ያእቆብ ብምድፋሩ ኣብ እስራኤል ኽግበር ዘይግባእ ነውሪ ስለ ዝገበረ፥ የመና ብሕርቃን ነደዱ። 8ኤሞር ድማ “ወደይ ሴኬም ብፍቕሪ ጓልኩም ልቡ ተማሪኹ እዩ እሞ፥ በይዛኻትኩም ሰበይቱ ኽትከውን ሃብዎ። 9ምሳና ተዋሰቡ፤ ኣዋልድኩም ሃቡና፤ ንኣኻትኩምውን ኣዋልድና ውሰዱ። 10ምሳና ንበሩ፤ እኒሃ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሜኹም ኣላ፤ ኣብኣ ተቐመጡ፤ ንገዱ፤ ርስትውን ትኹንኩም” በሎም።
11ሴኬምውን ነቦኣን ነሕዋታን “ኣብ ቅድሜኹም ደኣ ሞገስ እርከብ እምበር፥ ዝበልኩምኒ ኽህብ እየ፤ 12ገዝምን ውህብቶን ከም ድልየትኩም ኣብዚሕኹም ኣዝዙኒ። ጥራሕ ነታ ጓል ደኣ ሰበይተይ ክትከውን ሃቡኒ እምበር፥ ዝኣዘዝኩምኒ ኽህብ እየ” በሎም።
13ደቂ ያእቆብ ከዓ ሴኬም ንሓፍቶም ዲና ስለ ዘነወራ፥ ንእኡን ነቦኡ ኤሞርን ብተንኰል መለሱሎም። 14ከምዙይ ድማ በልዎም፦ “ሓፍትና ንዘይተገረዘ ሰብኣይ ክንህብ የነውረና እዩ እሞ፥ ነዝ ነገር እዙይ ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና። 15ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ብምግራዝ ከማና እንተ ኾይንኩም ጥራሕ ኢና ሕራይ እንብለኩም፤ 16ሽዑ ኣጓላትና ንህበኩም፤ ኣጓላትኩም ከዓ ንወስድ፤ ምሳኻትኩም ንነብር፤ ሓደ ህዝቢ እውን ንኸውን። 17ሕራይ ኢልኩም እንተ ዘይተገሪዝኩም ግና፥ ጓልና ሒዝና ንኸይድ።”
18እዝ ዘረባዙይ ንኤሞርን ንሴኬም ወዱን ደስ ኣበሎም። 19እቲ ጐበዝ ድማ ንጓል ያእቆብ ፈትይዋ ስለ ዝነበረ፥ እዝ ነገር እዙይ ንምግባር ኣይደንጐየን። ኣብ እንዳ ኣቦኡ ኸዓ ኻብ ኵሎም ዝኸበረ ነበረ።
20ኤሞርን ወዱ ሴኬምን ናብ ባይቶ ኸይዶም፥ ንሰብ እታ ኸተማኣቶም ከምዙይ ኢሎም ተዛረብዎም፦ 21“እዞም ሰባት እዚኣቶም ምሳና ብሰላም እዮም ዝነብሩ፤ እዛ ምድሪ ድማ እኒሃ፥ ንኣኣቶም እትኣክል ገፋሕ እያ እሞ፥ ኣብዛ ምድሪ ይቀመጡን ይንገዱን። 22እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ምሳና ዝቕመጡ፥ ምሳና ድማ ሓደ ህዝቢ ክኾኑ ሕራይ ዝብሉና፥ ከምቲ ንሳቶም ግሩዛት ዝኾኑ፥ ንሕናውን ኵሉ ተባዕታይና እንተ ተገረዘ እዩ። 23ኵሉ ጥሪቶምን ገንዘቦምን እንስሳኦምንከ ናትናዶ ኣይኮነን? ጥራሕ ሕራይ ደኣ ንበሎም እምበር፥ ምሳና ኽነብሩ እዮም” ድማ በልዎም። 24እቶም ኣብ ባይቶ ተኣኪቦም ዝነበሩ ዅላቶም ከዓ፥ ነቲ ኤሞርን ወዱ ሴኬምን ዝበልዎ ሓሳብ ተቐበልዎ፤ ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ድማ ተገረዘ።
25ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽቕንዘዉ እንተለዉ፥ ክልተ ደቂ ያእቆብ፥ ኣሕዋት ዲና ስምኦንን ሌዊን፥ ሰሰይፎም ሒዞም እንተይተሓስበ፥ ነታ ኸተማ ሓደጋ ኣውደቑላ፤ ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ኸዓ ቐተሉ። 26ንኤሞርን ንወዱ ሴኬምን ከዓ ብስሕለት ሰይፊ ቐቲሎም፥ ንሓፍቶም ዲና ኻብ ቤት ሴኬም ሒዞምዋ ወፁ። 27ሴኬም ንሓፍቶም ስለ ዘነወራ፥ ደቂ ያእቆብ ናብቲ እቶም ቅቱላት ዘለውዎ መፂኦም፥ ነታ ኸተማ ዘመትዋ። 28ኣባጊዖምን ኣእዱጎምን፥ ኣላሕሞምን፥ ኵሉ ኣብ ከተማ ዝነበረን ኣብ በረኻ ዝነበረን ድማ ወሰዱ። 29ኵሉ ጥሪታቶምን ኵሎም ህፃውንቶምን ኣንስቶምን ማረኹ፤ ኣብ ቤት ንዝተረኽበ ዅሉ ድማ ዘመቱ።
30ያእቆብ ከዓ ንስምኦንን ንሌዊን “በዞም ኣብዛ ሃገር ዝነብሩ ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ከም ዝፅላእ ብምግባርኩም ኣጨነቕኩምለይ። ኣነ ብቝፅሪ ውሑድ እየ፤ ንሳቶም ተኣኪቦም እንተ ወግኡኒ ኸዓ ኣነን ቤተይን ክንጠፍእ ኢና” በሎም።
31ንሳቶም ከዓ፥ “ስለ ምንታይ ደኣ ንሓፍትና ኸም ኣመንዝራ ዝቘፅራ?” በሉ።
Currently Selected:
ዘፍጥረት 34: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: