ገላትያ 4
4
ደቂ እግዚኣብሄር
1ኣነ ዝብሎ እዙይ እዩ፦ እቲ ወራሲ ኣብ ጊዜ ህፃንነቱ፥ ናይ ኵሉ ጐይታ እንተ ኾነ እኳ፥ ካብ ባርያ ኣይፍለን። 2ክሳዕ እቲ ኣቦኡ ዝወሰነሉ ጊዜ፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሓለውትን መገብትን እዩ። 3#ገላ. 3፡23፥ ቈላ. 2፡20። ከምኡውን ንሕና ህፃናት እንተለና፥ ኣብ ትሕቲ ኣተሓሳስባ ዓለም ባሮት ኴንና ነበርና። 4-5#ሉቃ. 2፡21-24፥27፥ ዮሓ. 1፡14፥ ገላ. 3፡13፥ ዕብ. 2፡14። ጊዜኡ ምስ በፅሐ ግና፥ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ኽቢዘው፥ ንሕናውን ናይ ውሉድነት ስልጣን ምእንቲ ኽንረክብ፥ ንወዱ ለኣኾ፤ ካብ ሰበይቲ እውን ተወለደ፤ ንሕጊ እውን ተኣዛዚ ኾነ። #4፡4-5 ንወዱ ለኣኾ፤ ካብ ሰበይቲ እውን ተወለደ፤ ንሕጊ እውን ተኣዛዚ ኾነ፦ ግሪክ “ካብ ሰበይቲ ንዝተወለደ፥ ትሕቲ ሕጊ እውን ንዝተወለደ ለኣኾ” ይብል። 6#ሮሜ 8፡15። ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ከዓ፥ ነቲ “ኣባ፥ ኣቦ” ኢሉ ዝፅውዕ መንፈስ ወዱ፥ ናብ ልብኹም ለኣኾ። #4፡6 ኣብ ግእዝ “እዙይውን፦ ኣባ፥ ኣቦ ኢልኩም እትፅውዕዎ እዩ” ዝብል ይርከብ። 7#ሮሜ 8፡17። ደጊም ውሉድ እምበር ባርያ ኣይኮንካን። ውሉድ ካብ ኮንካ ድማ፥ ብክርስቶስ ናይ እግዚኣብሄር ወራሲ ኢኻ።
ሓልዮት ጳውሎስ ብዛዕባ ሰብ ገላትያ
8 #
1 ቆሮ. 12፡2፥ ኤፌ. 2፡12። ቀደም ንእግዚኣብሄር ከይፈለጥኩምዎ እንተለኹም፥ ነቶም ብባህርዮም ኣማልኽቲ ዘይኮኑ፥ ብባርነት ትግዝኡ ነበርኩም። 9#ዮሓ. 17፡3፥ ገላ. 4፡3። ሕዚ ግና ንእግዚኣብሄር ምስ ፈለጥኩምዎ፥ ብሕልፊ እኳ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ምስ ፈለጠኩም፥ ከመይ ኢልኩም ድኣ፥ ናብቲ ድኹምን ዘይጠቅምን ስርዓት ዓለም ትምለሱ ኣለኹም? መሊስኩምዶ ንኣኣቶም ባርያ ዄንኩም ክትግዝኡ ትደልዩ ኣለኹም? 10#ሮሜ 14፡5፥ ቈላ. 2፡16። ንስኻትኩም፥ ፍሉያት መዓልቲታትን ኣዋርሕን ዘመናትን ዓመታትን ተኽብሩ ኣለኹም። 11#1 ተሰ. 3፡5። ኣባኻትኩም ንኸንቱ ደኺመ ኸይከውን እፈርሕ ኣለኹ።
12ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝመሰልኩ፥ ንስኻትኩምውን ንኣይ ክትመስሉ እልምነኩም ኣለኹ፤ ሓንቲ እኳ ኣይበደልኩምንን። 13ብመጀመርታ ጊዜ ወንጌል ዝሰበኽኩልኩም፥ ካብ ድኻም ስጋ ዝተልዓለ ኸም ዝነበረ ትፈልጡ ኢኹም። 14#ማቴ. 10፡40። እቲ ሕማመይ ንኣኻትኩም ፈተና እኳ እንተ ነበረ፥ ኣይነዓቕኩምንን፤ ወይ ኣይተፀየፍኩምንን። እኳ ደኣ፥ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ከም ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር። 15እቲ ምሕጓስኩም ደኣ ኣበይ ኣሎ? ዝከኣል ነይሩ እንተ ዝኸውን፥ ዓይንኹም እኳ እንተይተረፈ፥ ኣውፂእኹም ምሃብኩምኒ ኔርኩም ኢለ፥ ባዕለይ እምስክረልኩም ኣለኹ። 16እሞኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ፥ ፀላኢ ኾይነኩም እየ?
17 #
ግ.ሓ. 20፡30። ኣበርቲዖም ይደልዩኹም ኣለዉ፤ ግና ንፅቡቕ ኣይኮነን፤ ንኣኣቶም ምእንቲ ኽትደልዩ፥ ክፈልዩኹም ኢሎም እዮም እምበር። 18ንፅቡቕ ደኣ ይኹን እምበር፥ ንሰብ ምሕላይ ሰናይ እዩ፤ እዙይ ግና ኣነ ምሳኻትኩም እንተለኹ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኵልሻዕ ክኸውን ኣለዎ። 19#1 ቆሮ. 4፡15። ኣቱም ደቀይ፥ ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝቕረፅ፥ መሊሰ ንኣኻትኩም፥ ከም ሕማም ሕርሲ እፀዓር ኣለኹ። 20እቲ ብዛዕባኻትኩም ዝብሎ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ምሳኻትኩም እንተ ዝህሉ ፅቡቕ ነይሩ፤ ሕዚ ግና ዝብሎ ጠፊኡኒ ኣሎ።
ምሳሌ ኣጋርን ሳራን
21ኣቱም ትሕቲ ሕጊ ንንበር እትብሉ ዘለኹም፥ ንሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኹም? እስኪ ንገሩኒ። 22#ዘፍ. 16፡15፥ 21፡2። ኣብርሃም ክልተ ኣወዳት፥ ሓደ ኻብታ ባርያ፥ ሓደ ኸዓ ኻብታ እመቤት ከም ዝወለደ ተፅሒፉ እዩ። 23#ሮሜ 9፡7-9። ወዲ እታ ገረድ፥ ከም ናይ ስጋዊ ልማድ ተወለደ፤ ወዲ እታ እመቤት ግና፥ በቲ ተውሂቡ ዝነበረ ተስፋ ተወለደ። 24እዙይ ምሳሌ እዩ፤ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን፥ ክልተ ኺዳን እየን ዘመልክታ። ብኣጋር ዝተመሰለት፥ እታ ንባርነት እትወልድ፥ ናይ ደብረ ሲና ኺዳን እያ። 25ኣጋር ከዓ ኣብ ሃገር ዓረብ ዘላ፥ ደብረ ሲና እያ እተመልክት። ንሳ ምሳሌ ናይታ ሕዚ ምስ ደቃ፥ ኣብ ባርነት ዘላ ኢየሩሳሌም እያ። 26#ራእይ 21፡2። እታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ግና፥ ብነፃነት እትነብር እያ፤ ንሳ ኸዓ እኖና እያ።
27 #
ኢሳ. 54፡1። “ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፥ ደስ ይበልኪ፤
ኣቲ ንምውላድ ዘይፀዓርኪ ዕልል በሊ፤
ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋስ፥
ደቂ እታ ንበይና ዘላ ይበዝሑ”
ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ እሞ። 28ኣሕዋተይ፥ ንሕና ኸም ይስሓቅ ደቂ ተስፋ ኢና። 29#ዘፍ. 21፡9፥ ዮሓ. 15፡19። ግና ኸምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ስጋ ዝተወለደ፥ ነቲ ብናይ መንፈስ ዝተወለደ ዘሳጐጎ፥ ሕዚ እውን ከምኡ እዩ። 30#ዘፍ. 21፡10። እቲ ፅሑፍ ግና “ወዲ እታ ባርያ፥ ምስ ወዲ እታ እመቤት ኣይወርስን እዩ እሞ፥ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ” ይብል። 31#ዮሓ. 8፡35። ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ንሕና ደቂ እታ እመቤት እምበር፥ ደቂ እታ ባርያ ኣይኮንናን። #4፡31 ኣብ ግእዝ “ክርስቶስ ሓራ ስለ ዘውፅአና” ዝብል ይርከብ።
Currently Selected:
ገላትያ 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in