YouVersion Logo
Search Icon

ገላትያ 2

2
ሃዋርያት ንጳውሎስ ከም ሃዋርያ ኸም ዝተቐበልዎ
1ድሕሪ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት፥ ምስ በርናባስ ንቲቶ ሒዘ፥ መሊሰ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብኩ። 2#ቈላ. 1፡21፥ 2፡13፥ 1 ጴጥ. 1፡14። እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ብራእይ ስለ ዝገለፀለይ እየ ዝደየብኩ። ምናልባሽ ንኸንቱ እጐዪ ኸይህሉ፥ ወይ ድማ ንኸንቱ ጐይየ ኸይከውን ኢለ፥ ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ዝነበርኩ ወንጌል፥ ነቶም መራሕቲ ንበይናቶም ገለፅኩሎም። 3#ሮሜ 2፡8፥ ቈላ. 3፡6-7፥ ቲቶ 3፡3። እቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶ፥ ግሪካዊ እኳ እንተ ነበረ፥ ክግረዝ ኣይተገደደን። #2፡3 ኣይተገደደን፦ ግእዝ “ኣየገደድክዎን” ይብል። 4እዙይ ከዓ እቶም ኣሕዋት መሲሎም፥ ኣብ ማእኸልና ሸሊኾም ዝኣትዉ ሰለልቲ፥ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሓርነት ኣጥፊኦም፥ ባሮት ከይገብሩና እዩ። 5#ቲቶ 3፡4-5፥ 1 ጴጥ. 1፡3፥ ሮሜ 5፡8። እቲ ናይ ወንጌል ሓቂ፥ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽፀንዕ፥ ንኣኣቶም ንሓንቲ ሰዓት እኳ ኣይተገዛእናሎምን።
6እቶም ዋናታት ዝበሃሉ፥ እንታዎት ከም ዝነበሩ ግዲ የብለይን፤ ኣምላኽ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ፥ ንሳቶም ሓንቲ ነገር እኳ ኣይወሰኹለይን። 7#ኤፌ. 1፡3፥20። እኳ ደኣ ኸምቲ ጴጥሮስ ንግሩዛት ወንጌል ክሰብኽ፥ ሓደራ ዝተውሃቦ፥ ኣነ ኸዓ ነቶም ዘይግሩዛት ኣህዛብ ወንጌል ክሰብኽ፥ ሓደራ ኸም ዝተውሃብኩ ፈለጡ። 8#ገላ. 2፡16፥ 2 ጢሞ. 1፡9። ከምቲ ንኣይሁድ ሃዋርያ ክኸውን ንጴጥሮስ ዝሰርሐ፥ #2፡8 ዝሰርሐ፦ ግእዝ “ዝረድአ” ይብል። ንኣይውን ሃዋርያ ኣህዛብ ክኸውን ሰሪሑ #2፡8 ሰሪሑ፦ ግእዝ “ረዲኡ” ይብል። እዩ እሞ። 9እቶም ኣዕማድ ተብሂሎም ዝፅውዑ ያእቆብን ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ፥ ነቲ ተውሂቡኒ ዝነበረ ፀጋ ምስ ረአዩ፥ ንኣይን ንበርናባስን የማናይ ኢዶም ሃቡና። ንሕና ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፥ ንሳቶም ከዓ ናብቶም ኣይሁድ ክኸዱ ተሰማማዕና። 10#ግ.ሓ. 11፡29-30፥ ሮሜ 15፡25፥ 2 ቆሮ. 9፡1-2። ጥራሕ ንድኻታት ክንዝክሮም ሓደራ በሉና፤ እዙይ ከዓ ባዕለይ ዝተግሀሉ ነገር እዩ።
ጳውሎስ ኣብ ኣንፆኪያ ንጴጥሮስ ከም ዝተቓወሞ
11 # ግ.ሓ. 15፡35። ጴጥሮስ ናብ ኣንፆኪያ ምስ መፀ ግና፥ ተጋግዩ ስለ ዝነበረ ኽውቀስ ይግብኦ ነበረ፤ ኣነውን ገፅ ንገፅ ተቓወምክዎ። 12#ማር. 2፡16፥ ግ.ሓ. 10፡28፥ 11፡3። ሰባት ካብ ያእቆብ ተልኢኾም ቅድሚ ምምፅኦም፥ ምስቶም ኻብ ወገን ኣህዛብ ዝኾኑ ኣሕዋት ይበልዕ ነበረ። ንሳቶም ምስ መፁ ግና፥ “ነቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ክግረዙ ኣለዎም” ዝብሉ ኣሕዋት ፈሪሑ፥ ካብኣቶም ተፈለየ። 13እቶም ዝተረፉ ኻብ ወገን ኣይሁድ ዝኾኑ ኣሕዋትውን፥ ከም ጴጥሮስ ግብዛት ኮኑ፤ በርናባስ እኳ እንተይተረፈ፥ በቲ ግብዝናኦም ተስሓበ። 14#ግ.ሓ. 15፡10። ከምቲ ናይ ወንጌል ሓቂ፥ ብቕኑዕ መንገዲ ኸም ዘይተመላለሱ ምስ ረአኹ ግና፥ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም፦ “ንስኻ ኣይሁዳዊ እንተለኻ፥ ከም ኣይሁድ ዘይኮነስ፥ ከም ኣህዛብ ካብ እትነብር፥ ከመይ ኢልካ ደኣ፥ ነቶም ኣህዛብ ከም ኣይሁድ ክነብሩ፥ ግዲ ትብሎም ኣለኻ?” በልክዎ።
ኣይሁድ ኮኑ ኣህዛብ ብእምነት ከም ዝድሕኑ
15 # ሮሜ 3፡1-2። ንሕና ዓሌትና ኣይሁድ ኢና፤ ካብቶም ሓጥኣን ኣህዛብውን ኣይኮንናን። 16#መዝ. 143፡2፥ ግ.ሓ. 15፡11፥ ሮሜ 3፡2፥ ፊልጵ. 3፡9። ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እምበር፥ ሕጊ ብምፍፃም ከም ዘይፀድቕ ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ንሕናውን ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ንክርስቶስ ብምእማን ምእንቲ ኽንፀድቕ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመንና፤ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ ሰብ የለንሞ። 17#ሮሜ 6፡2፥ 1 ዮሓ. 3፡5። ንሕና ብክርስቶስ ክንፀድቕ እንደሊ፥ ሓጢኣተኛታት ኴንና እንተ ተረኺብና፥ እምበኣር ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት እዩ? ብፍፁም ኣይኮነን! 18ነቲ ዘፍረስክዎ ደጊመ ዝሃንፆ እንተ ደኣ ኾይነ፥ ንባዕለይ ሕጊ ጠሓሳይ ምዃነይ ኣረጋግፅ ኣለኹ። 19#ሮሜ 6፡4-11፥ 7፡4። ንእግዚኣብሄር ህያው ኮይነ ምእንቲ ኽነብር፥ በቲ ሕጊ፥ ንሕጊ ሞይተ ኣለኹሞ። #2፡19 ግእዝ “ኣነስ በቲ ኻልኣይ ሕጊ ኾይነ፥ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ካብቲ ቐዳማይ ሕጊ ተፈለኹ” ይብል። 20#ሮሜ 14፡8፥ 2 ቆሮ. 10፡3፥ ገላ. 1፡4። ኣነ ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ ኣለኹ፤ ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ፤ እዝ ሕዚ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፥ በቲ ዘፍቀረኒ፥ ምእንታይ ከዓ ንባዕሉ ቤዛ ዝሃበ ወዲ እግዚኣብሄር ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ። 21#ሮሜ 11፡6። ኣነስ ንፀጋ እግዚኣብሄር ኣየቃልልን፤ ፅድቂ፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝርከብ እንተ ኾይኑ፥ እምበኣር ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ ማለት እዩ።

Currently Selected:

ገላትያ 2: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in