YouVersion Logo
Search Icon

እዝራ 7

7
እዝራ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፀ
1ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ብመንግስቲ ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ፥ እዝራ ወዲ ሰራያ፥ ወዲ ኣዛርያስ፥ ወዲ ኬልቂያስ፥ 2ወዲ ሰሎም፥ ወዲ ሳዶቅ፥ ወዲ ኣኪጦብ፥ 3ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ኣዛርያስ፥ ወዲ መራዮት፥ 4ወዲ ዘራእያ፥ ወዲ ኦዚ፥ ወዲ ቡቂ፥ 5ወዲ ኣቢሱ፥ ወዲ ፊንሃስ፥ ወዲ ኣልዓዛር፥ ወዲ ኣሮን ሊቀ ካህናት፥ 6እዝ እዝራ ካብ ባቢሎን ደየበ። ንሱ ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝሃቦ ሕጊ ሙሴ ፈጣን ፀሓፊ ነበረ። ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ምስኡ ነበረት እሞ፥ ዝደለዮ ዅሉ ንጉስ ሃቦ። 7ካብ ደቂ እስራኤልን ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ካብ መዘምራንን ካብ ኣጋፈርትን ካብ ናታኒምን ከዓ ብሻውዐይቲ ዓመቱ ንንጉስ ኣርጤክስስ ምስኡ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ። 8ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ንጉስ፥ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ ናብ ኢየሩሳሌም በፅሐ። 9ካብ ቀዳመይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ኻብ ባቢሎን ክድይቡ ጀመሩ፤ እታ ሕያወይቲ ኢድ እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረት፥ በታ ሓምሸይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናብ ኢየሩሳሌም መፀ። 10እዝራ ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን፥ ስርዓትን ፍርድን ከዓ ኣብ እስራኤል ክምህርን ልቡ ኣዳለወ።
ንጉስ ኣርጤክስስ ንእዝራ ዝሃቦ መልእኽቲ
11ንጉስ ኣርጤክስስ ብዛዕባኡ እዝራ፥ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝተውሃበ ትእዛዛትን ሕግጋትን ዝፅሕፍ ፀሓፊ፥ ዝሃቦ ፅሑፍ እቲ ቅዳሕ እዙይ እዩ፦
12“ካብ ንጉሰ ነገስት ኣርጤክስስ፥ ንፀሓፊ ኣምላኽ ሰማይ ንኻህን እዝራ፥ ምሉእ ሰላም ይኹን።
13“ካብ ህዝቢ እስራኤልን ካብ ካህናቶምን ካብ ሌዋውያንን ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ዝደሊ ኣብ መንግስተይ ዘሎ ዅሉ፥ ምሳኻ ይኺድ፥ ኢለ ኣዚዘ ኣለኹ። 14-16በቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሕጊ ኣምላኽካ፥ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ክትምርምር፥ እቲ ንጉስን መማኽርቱን ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን፥ ነቲ ኣብ ብዘላ ሃገር ባቢሎን ዝረኸብካዮ ዅሉ ብሩርን ወርቅን ድማ፥ ምስቲ ኻብ ህዝብን ካብ ካህናትን ብፍታው እተወፈየ ውህብቶ፥ ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኾም ፈትዮም ዘቕረብዎ ኽትወስድ፥ ካብ ንጉስን ካብቶም ሸውዓተ መማኽርቱን ተላኢኽካ ኢኻ። 17ሕዚ ድማ በዝ ገንዘብ እዙይ ጌርኩም ዝራብዓትን ማጓሉን ጥቦታትን ምስቲ መስዋእቲ ብልዖምን መስዋእቲ መስተኦምን ተጊህኻ ዓድግ እሞ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ መሰውኢ ቤት ኣምላኽኩም ኣቕርቦም።
18“በቲ ዝተረፈ ብሩርን ወርቅን ከዓ ንኣኻን ነሕዋትካን ቅኑዕ መሲሉ እተርኣየኩም፥ ከም ፍቓድ ኣምላኽኩም ግበርዎ። 19እቲ ንምግልጋል ቤት እግዚኣብሄር ዝተውሃበካ ኣቑሑ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኢየሩሳሌም ሃብ። 20ንቤት ኣምላኽካ ዘድሊ ኽትህብ ዝግብአካ ኻልእ ነገር ከዓ፥ ካብ ቤት መዝገብ ንጉስ ኣውፂእኻ ሃብ።
21-22“ኣነ ንጉስ ኣርጤክስስ ድማ ነቶም ሰገር ንየው ሩባ ዘለዉ ዅሎም ተሓዝቲ መዛግብቲ ኣዚዘ ኣለኹ፤ እቲ ፀሓፊ ሕጊ ኣምላኽ ሰማይ ካህን እዝራ ኻባኻትኩም ዝደልዮ ዅሉ ኽሳዕ ሚእቲ መክሊት #7፡21-22 ሓደ መክሊት፦ “42 ኪሎ” ኣቢሉ ይኸውን። ብሩርን፥ ክሳዕ ሚእቲ ቆሮስ #7፡21-22 ሓደ መስፈሪ ቆሮስ፦ “400 ኪሎ” ኣቢሉ ይኸውን። ስርናይን፥ ክሳዕ ሚእቲ ባዶስ #7፡21-22 ሓደ ባዶስ፦ “40 ሊትሮ” ኣቢሉ ይኸውን። ወይንን፥ ክሳዕ ሚእቲ ባዶስ ዘይትን፥ ጨው ከዓ ብዘይ ስፍሪ ሃብዎ። 23እቲ ዅሉ ኣምላኽ ሰማይ ዝኣዘዞ፥ ንቤት ኣምላኽ ሰማይ ብጥንቃቐ ይወሃብ። ስለ ምንታይከ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንጉስን ኣብ ልዕሊ ደቁን ቊጥዓ ዝመፅእ? 24ንዅላቶም ካህናትን ሌዋውያንን ዘመርትን ኣጋፈርትን ናታኒምን ነዝ ቤት ኣምላኽ ዘገልግሉን ድማ፥ ዝኾነ ግብርን ፈሰስን ቀረፅን ክወድቆም ከም ዘይግባእ ነፍልጠኩም ኣለና። 25ንስኻ እዝራ ድማ፥ ከም መጠን እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ጥበብ ኣምላኽካ ነቲ ሰገር ንየው ሩባ ዘሎ ዅሉ ህዝቢ ዝዳንዩ፥ እቶም ሕጊ ኣምላኽካ ዝፈልጡ ዅላቶም ፈረድትን ዳኛታትን ሹመሎም። ነቲ ሕጊ ዘይፈልጥ እንተ ሃልዩ ኸዓ መሃርዎ። 26ንሕጊ ኣምላኽካን ሕጊ ንጉስን ዘይፍፅም ከዓ ንሞት ወይ ንስደት ወይ ንዕዳ ብገንዘብ፥ ወይ ንማእሰርቲ ብቕልጡፍ ይፈረዶ።”
እዝራ ንእግዚኣብሄር ከም ዘመስገነ
27-28“ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ከኽብር ኢሉ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ኣብ ልቢ ንጉስ ዝገበረ፥ ንኣይ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን መማኽርቱን ኣብ ኵላቶም ሓያላት ኣሕሉቕ ንጉስን ምሕረት ዝገበረለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ይመስገን። ኣነ ኸዓ በታ ኣብ ልዕለይ ዘላ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ በርታዕኹ፤ ካብ እስራኤል ድማ ምሳይ ክድይቡ ኣሕሉቕ ኣከብኩ።”

Currently Selected:

እዝራ 7: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in