YouVersion Logo
Search Icon

እዝራ 6

6
ትእዛዝ ንጉስ ቂሮስ ከም ዝተረኽበ
1ሽዑ ንጉስ ዳርዮስ እቶም ኣብ ባቢሎን ቤተ መዛግብቲ ዘለዉ መፃሕፍቲ ንኽምርመሩ ኣዘዘ። 2ኣብ ኣሕምታ ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ሜዶን ዘሎ ኣዳራሽ፥ እዝ ነገር እዙይ ንመዘከርታ ዝተፅሓፎ ሓደ ዝተጠቕለለ ፅሑፍ ተረኽበ፦
3ብቐዳመይቲ ዘመን መንግስቲ ንጉስ ቂሮስ፥ ስለ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም እትስራሕ ቤት እግዚኣብሄር፥ ንጉስ ቂሮስ ዝሃቦ ትእዛዝ እዙይ እዩ፦ “እቲ ቤተ መቕደስ መስዋእቲ ዝስውኡሉ ቦታ እንደገና ይሰራሕ፤ መሰረቱውን ፅኑዕ ይኹን። ቁመቱ ስሳ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ስሳ እመት፥ 4ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ኣእማን ሰለስተ መስርዕ፥ ሓደ መስርዕ ድማ ሓድሽ ዕንፀይቲ ይኹን። መስርሒኡ ኸዓ ኻብ ቤተ መንግስቲ ግምጃ ቤት ይከፈል። 5እቲ ናቡከደነፆር ካብ መቕደስ ኢየሩሳሌም ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምፅኦ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ወርቅን ብሩርን ከዓ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ናብ ዘሎ ቦታኡ ናብ ቤተ መቕደስ ይመለስ፤ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ይቀመጥ።”
ዳርዮስ እቲ ስራሒ ቤተ መቕደስ ክቕፅል ኣዘዘ፦
6“እምበኣር፥ ኣታ ተንትናይ መስፍን ሰገር ንየው ሩባ፥ ንስኻ ሽታር ቦዝናይ፥ ንስኻትኩም ከዓ ብፆቶም ሰብ ኣፋርሳክ፥ ሰገር ንየው ሩባ ዘለኹም፥ ካብኡ ረሓቑ። 7እቲ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ይሰራሕ ሕደግዎም፤ እቲ ገዛኢ ኣይሁድን እቶም ዓበይቲ ኣይሁድን ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ኣብቲ ናይ ቀደም ቦታኡ ይስርሕዎ።
8“ነቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ክትገብሩሎም ዝግባእ፥ ነዝ ቤት እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሰርሑ፥ እቲ ስራሕውን ምእንቲ ኸይበኵርስ፥ እቲ ዝኽፈል ገንዘብ ካብቲ ኻብ ሰገር ንየው ሩባ ዝወፀ ግብሪ፥ ካብ ገንዘብ ንጉስ ነቶም ሰባት ብቕልጡፍ ክወሃብ ኣዚዘ ኣለኹ። 9-10ንኣምላኽ ሰማይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ኸቕርቡሉን ምእንቲ ህይወት ንጉስን ደቁን ከዓ ኽፅልዩስ፥ ኵሉ ዘድሊ ነገር ንኣምላኽ ሰማይ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝራብዓትን ማጓሉን ጡበታትን ስርናይን ጨውን ወይንን ዘይትን፥ ኵሉ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዘለዉ ኻህናት ዝበሉኹም፥ በብመዓልቱ ኸየብኰርኩም ሃብዎም።
11“ነዝ ትእዛዝ እዙይ ዝለወጠ ሰብ ድማ ናይ ገዛኡ ዓምዲ ተነቒሉ ንሱ ይሰቐለሉ። 12ነዝ ትእዝዝ እዙይ ንምፍራስ ወይ ከዓ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ቤተ መቕደስ ንምጥፋእ ኢዱ ዘልዕል ዝኾነ ንጉስ ወይ ህዝቢ፥ ስሙ ኣብኡ ኽነብር ዝገበረ ኣምላኽ የጥፍኣዮ፤ ኣነ ዳርዮስ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ኣዚዘ ኣለኹ፤ በጥንቃቐ ድማ ይፈፀም።”
13ሽዑ ተንትናይ፥ እቲ መስፍንን ሰገር ንየው ሩባን፥ ሰተርቡዝናይን እቶም ተሓባበርቶምን፥ ንጉስ ዳርዮስ ልኢኹ ስለ ዝኣዘዘ፥ ነቲ ስራሕ ብጥንቃቐ ፈፀምዎ። 14#ሓጌ 1፡1፥ ዘካ. 1፡1። እቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ከዓ፥ ከምቲ ትእዛዝ ኣምላኽ እስራኤልን ከምቲ ትእዛዝ ቂሮስን ዳርዮስን ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስን ብትንቢት ነቢይ ሃጌን ዘካርያስ ወዲ ኣዶን ተደጊፎም ቀኒዑሎም ሰሪሖም ፈፀምዎ። 15እዝ ቤት እዙይ ድማ ብሻድሻይ ዓመት መንግስቲ ዳርዮስ፥ ካብ ወርሒ ኣዳር ብሳልሰይቲ መዓልቲ ተፈፀመ።
16ደቂ እስራኤል፥ ካህናትን ሌዋውያንን ኵሎም እቶም ዝተረፉ ኻልኦት ምሩኻትን ኮይኖም፥ ነቲ ምቕዳስ ቤት እግዚኣብሄር ተሓጒሶም ኣብዓልዎ። 17ንምቕዳስ እታ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ሚእቲ ዝራብዓት፥ ክልተ ሚእቲ ማጓሉ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ጡበታት፥ ከም ቊፅሪ እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ንዅላቶም እስራኤል ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ኣቕረቡ። 18ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ ኸዓ ኻህናት በብስርዓቶም ሌዋውያን በብኽፍሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ከገልግሉ ኣቖሙ።
በዓል ፋሲካ
19 # ዘፀ. 12፡1-20። እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ኸዓ፥ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ፋሲካ ኣኽበሩ። 20ካህናትን ሌዋውያንን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፥ ነፂሆም ነበሩ እሞ ዅላቶም ነፅሁ። እቶም ሌዋውያንውን ነቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ዅላቶምን ነሕዋቶም ካህናትን ንርእሶምን በጊዕ ፋሲካ ሓረዱ። 21እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ደቂ እስራኤልን እቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ክደልዩ ኻብ ርኸሰት ህዝቢ እታ ሃገር ተፈልዮም ናብኣቶም መፂኦም ዝነበሩ ዅላቶም በልዑ። 22እግዚኣብሄር፥ ቤት ኣምላኽ እስራኤል፥ ንምስራሕ ኣእዳዎም ከፅንዕ ኢሉ፥ ንልቢ ንጉስ ኣሶር ናብኣቶም ብምምላሱ ኣሐጒስዎም እዩ እሞ፥ በዓል ቅጫ ሸውዓተ መዓልቲ ብሓጐስ ኣኽበሩ።

Currently Selected:

እዝራ 6: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in