YouVersion Logo
Search Icon

እዝራ 5

5
1እቶም ነቢያት ከዓ፥ ነቢይ ሓጌን ዘካርያስ ወዲ ኣዶን፥ ነቶም ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ኣይሁድ፥ ንኣኣቶም ብስም ኣምላኽ እስራኤል ተነበዩሎም። 2#ሓጌ 1፡12፥ ዘካ. 4፡6-9። ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅን ተሲኦም፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ጀመሩ። ዝሕግዝዎም ነቢያት እግዚኣብሄርውን ምስኣቶም ነበሩ።
3በቲ ጊዜ እቱይ ኣብ ሰገር ማዕዶ ሩባ መስፍን ዝነበረ ተንትናይን ሰተርቡዝናይን እቶም ተሓባበርቶምን ናብኣቶም መፂኦም፦ “ነዝ ቤት እዙይ ክትሰርሕዎ፥ ነዝ መካበብያ እዙይውን ክትሕድሱ መን ኣዘዘኩም?” በልዎም። 4መሊሶም ድማ “ስም እቶም ነዝ ህንፃ እዙይ ዝሃነፁ መን ይበሃሉ?” ኢሎም ጠየቕዎም። 5ዓይኒ ኣምላኾም ግና ኣብቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ነበረት እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ ናብ ዳርዮስ በፂሑ መልሱ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ስራሕ ኣይከልከልዎምን።
6ኣብ ማዕዶ ኤፍራጥስ ገዛኢ ዝነበረ ተንትናይን ሰተርቡዝናይን እቶም ኣብ ማዕዶ ኤፍራጥስ ዝነብሩ ብፆቶም ኣፋርሳካውያንን ናብ ንጉስ ዳርዮስ ዝሰደድዎ ናይ ፅሑፍ፥ ቅዳሕ እዙይ እዩ። 7እቲ ዝለኣኽዎ ፅሑፍውን ከምዙይ ዝብል ነበረ፦ “ንንጉስ ዳርዮስ፥ ሰላም ይኹን። 8ንሕና ናብ ግዝኣት ይሁዳ ናብ ቤት እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ከም ዝኸድና፥ ንጉስ ይፍለጥ። ንሳ ኸዓ ብዓበይቲ ኣእማን ትንደቕ ኣላ። ኣብ መናድቓ ድማ ኣዕፃው ይግበሮ ኣሎ። እዝ ስራሕ እዙይ ብጥንቃቐ ይስራሕ ኣሎ፤ ኣብ ኣእዳዎም ከዓ ይሰልጠሎም ኣሎ።
9“ሽዑ ነቶም ዓበይቲ፤ ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሰርሑ፥ ነዚ መካበብያ እዙይውን ክትሕድሱ፥ መን ኣዘዘኩም፥ ኢልና ጠየቕናዮም። 10ስም እቶም ኣብ ልዕሊኣቶም ዝተሸሙ ሰባት ምእንቲ ኽንፅሕፍሞ ክነፍልጠካ ኢልና፥ ስሞም ጠየቕናዮም።
11“ዝሃቡና መልሲ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ‘ንሕና ባሮት እቲ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኢና። እዝ ሕዚ እንሰርሖ ዘለና ቤት ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ሓደ ዓብዪ ንጉስ እስራኤል ሰሪሑዎ ዝነበረ ቤት ንሰርሕ ኣለና። 12#2 ነገ. 25፡8-12፥ 2 ዜና. 36፡17-20፥ ኤር. 52፡12-15። ኣቦታትና ነቲ ናይ ሰማይ ኣምላኽ ምስ ኣቘጥዕዎ ግና፥ ኣብ ኢድ እቲ ከለዳዊ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፉ ሃቦም። ንሱ ኸዓ ነዝ ቤት እዙይ ኣፍረሰ፤ ነቲ ህዝቢ ድማ ናብ ባቢሎን ኣፍለሶ።
13“ ‘ይኹን እምበር ቂሮስ ንጉስ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፥ እዝ ቤት እግዚኣብሄር እዙይ ንኽስራሕ ኣዘዘ። 14ናቡከደነፆር ካብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤተ መቕደስ ኣውፂኡ፥ ኣብቲ ኣብ ባቢሎን ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ዘቐመጦም ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ወርቅን ብሩርን፥ ንጉስ ቂሮስ ካብ ባቢሎን ቤተ መቕደስ ኣውፅኦ፤ መስፍን ገይርዎ ንዝነበረ ሰሳብሳር ንዝበሃል ድማ ሃቦ። 15ነዝ ኣቑሑ እዙይ ውሰድ እሞ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ መቕደስ ኣንብሮ፤ እቲ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ ቕድም ዝነበሮ ቦታ ይሰራሕ በሎ። 16ሽዑ ሰሳብሳር መፂኡ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት እግዚኣብሄር መስረቶ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕዚ ይስራሕ ኣሎ፤ ገና ድማ ኣይተፈፀመን።’
17“እምበኣር እዝ ነገር እዙይ ንንጉስ ደስ እንተ ደኣ ኣቢልዎስ፥ እዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት እግዚኣብሄር ክስራሕ፥ ካብ ንጉስ ቂሮስ ተኣዚዙ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኣብቲ ኣብ ባቢሎን ዘሎ ቤት መዛግብቲ ንጉስ ይደለ፤ ብዛዕባ እዙይ ከዓ ንጉስ ፍቓዱ ይልኣኸልና።”

Currently Selected:

እዝራ 5: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in