ሕዝቅኤል 9:3-4
ሕዝቅኤል 9:3-4 ትመ15
ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብቲ ዝነበሮ፥ ካብ ልዕሊ ኪሩቤል ተልዓለ፤ ናብቲ ልዳት እታ ቤት ከዓ ኸደ፤ ነቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸደነ፥ ናይ ፀሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቘኡ ዝነበሮ ሰብኣይ ፀውዖ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ብማእኸል ከተማ፥ ብማእኸል ኢየሩሳሌም ሕለፍ እሞ፥ ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእኸላ ዝግበር ዘሎ ርኽሰት፥ ዝጕህዩን ዝትክዙን፥ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም” በሎ።



