ሕዝቅኤል 5
5
1“ንስኻ ድማ፥ ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከም መላፀ ላፃዪ ዝበለ በሊሕ ሰይፊ ውሰድ እሞ፥ ርእስኻን ጭሕምኻን ተላፀየሉ፤ ሚዛን ወሲድካውን ነቲ ፀጕሪ ምቐሎ። 2መዓልቲታት ምኽባብ ምስ ተፈፀመ፥ ነቲ ሲሶኡ ኣብ ማእኸል እታ ኸተማ ብሓዊ ኣንድዶ፤ ነቲ ሲሶኡ ድማ ውሰዶ እሞ፥ ኣብቲ ዙርያኡ ብሰይፊ ውቕዓዮ፤ ነቲ ሓደ ሲሶውን ኣብ ንፋስ ዝረዎ፤ ኣነ ድማ ደድሕሪኣቶም ሰይፊ ኽመዝዝ እየ። 3ካብኡውን ውሑድ ዝቝፅረን ውሰድ እሞ፥ ኣብ ዘፈር ክዳንካ ቛፅረን። 4ካብ እዚኣተን ከዓ መሊስካ ውሰድ፤ ኣብ ማእኸል ሓዊ ድማ ደርብየን፥ ብሓዊውን ኣቃፅለን፤ ድሕሪዙይ ናብ ኵሉ ቤት እስራኤል ሓዊ ኽወፅእ እዩ።”
5እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዚኣስ ኢየሩሳሌም እያ፤ ኣነ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣንበርክዋ፤ ሃገራትውን ኣብ ዙርያኣ ኣለዋ። 6ንፍርደይ ንዒቖም፥ ከም ሕግጋተይ ኣይተመላለሱን እዮም እሞ፥ ንሳ ብሓጢኣታ ካብ ኣህዛብ ገዲዳ ንፍርደይ ተፃረረቶ፤ ካብተን ከቢበንኣ ዘለዋ ሃገራት ገዲዳ ድማ ንሕግጋተይ ኣፍረሰቶ።” 7ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህዝብታት ገዲድኩም ስድታት ስለ ዝኾንኩምን ከም ሕግጋተይ ስለ ዘይተመላለስኩምን፥ ፍርደይ ስለ ዘይገበርኩምን፥ ከም ፍርዲ እቶም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ህዝብታት እኳ ስለ ዘይገበርኩምን” 8ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ እመፀኪ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ህዝብታት ከዓ፥ ኣብ ማእኸልኪ ፍርዲ ኸውፅእ እየ። 9ብሰንኪ ዅሉ ርኽሰትኪ ኸዓ፥ ገይረዮ ዘይፈልጥ፥ ድሕሪዙይውን ከቶ ዘይገብሮ፥ ክገብረኪ እየ። 10ስለዙይ ኣብ ማእኸልኪ ወለዲ ንውሉዶም፥ ውሉድ ድማ ንወለዶም ክበልዑ እዮም፤ ፍርዲ ኣባኺ ኽፍፅም፥ ንዅላቶም ዝተረፉኺውን ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎም እየ።” #ሰቆ. 4፡10።
11ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ህያው እየ፤ ብርግፅ ንመቕደሰይ፥ ብዅሉ ፅዩፍ ነገርክን ብዅሉ ርኽሰትክን ኣርከስክዮ፤ ስለዙይ ኣነ ድማ ኸንእሰኪ፥ ዓይነይ ንኣኺ ኣይርህርህን፤ ኣነውን ኣይሓዝነልክን። 12ሲሶኺ ብፌራ ኽሞቱ፥ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ብጥሜት ክውድኡ እዮም፤ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነቲ ሓደ ሲሶ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎ፥ ደድሕሪኣቶምውን ሰይፈይ ክመዝዝ እየ።
13“ቍጥዓይ ሕነኡ ኽወፅእ፥ ቍጥዓይ ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ክዝሕል እዩ፤ ኣነውን ሕነ ኽፈድዮም እየ፤ ቍጥዓይ ኣብኣቶም ምስ ኣዝሓልኩ፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ብቕንኣተይ ከም እተዛረብኩ ኽፈልጡ እዮም። 14ኣብቶም ከቢቦምኺ ዘለዉ ኣህዛብን፥ ኣብ ዓይኒ እቶም ብእኡ ዝሓልፉ ዅላቶምን ከዓ፥ ምድረ በዳን መፃረፍን ክገብረኪ እየ።
15“ብቝጥዓን ብመዓት ቍጥዓን ምስ ፈረድኩኺ፥ እዙይ ኣብቶም ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ህዝብታት፥ ንመፃረፍን ንመላገፅን ንመለበምን ንመሰክሕን ክኸውን እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ። 16ንጥፍኣቶም ዝኸውን፥ ናይ ጥሜት ክፉእ ፍላፃ፥ ኣብ ርእሶም ምስ ሰደድኩ፥ ምእንቲ ኸጥፍአኩም ክሰዶ እየ፤ ነቲ ጥሜትኩም ከግድዶ እየ፤ ንምርኩስ እንጀራኹምውን ክሰብሮ እየ። 17ጥሜትን ንደቅኹም ዝቐትሉ ኣራዊትን ክሰደልኩም፥ ፌራን ደምን ከዓ ብማእኸልኪ ኽሓልፍ እዩ፤ ሰይፊ እውን ከተስአልኪ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እዙይ ተዛሪበ ኣለኹ።” #ራእይ 6፡8።
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: