ሕዝቅኤል 47
47
ካብ ቤተ መቕደስ ዝፍልፍል ወሓዚ ማይ
1ንሱ ድማ ናብ ደገ እታ ቤተ መቕደስ መለሰኒ፤ ገፅ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ እዩ ዝርኢ እሞ፥ እንሆ ማያት ካብ ትሕቲ መድረኽ እታ ቤት፥ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ወፀ፤ እቲ ማያት ከዓ ኻብ ታሕቲ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት፥ ነታ መሰውኢ ድማ ብወገን ደቡባ ይወርድ ነበረ። #ዘካ. 14፡8፥ ዮሓ. 7፡38፥ ራእይ 22፡1። 2ድሕሪዙይ ብመንገዲ እታ ሰሜናዊት ደገ ኣውፅአኒ፤ ብመንገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ደገ፥ ናብታ ኣብ ወፃኢ ዘላ ደገ ብወፃኢ ኣዞረኒ፤ እንሆ ኸዓ ማያት ካብቲ የማናይ ወገን ይፍልፍል ነበረ። 3እቲ ሰብኣይ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽወፅእ እንተሎ፥ ዝእምተሉ ገመድ ኣብ ኢዱ ነበሮ፤ ብእኡ ኸዓ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ኣሳገረኒ፤ ክሳዕ ክሳድ እግረይውን በፅሐ። 4መሊሱ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ከዓ ኣሳገረኒ፤ እቲ ማያት ድማ ኽሳዕ ኣብራኸይ በፅሐ፤ ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ከዓ ኣሳገረኒ፤ እቲ ማያትውን ክሳዕ ሕቘይ በፅሐ። 5ድሕሪዙይ ሽሕ እመት ኣመተ፤ እቲ ማያት ብዘይ ሓመሳ ዘይስገር ዓሚቝ ውሕጅ ኮይኑ እዩ እሞ፥ ኣነ ኽሳገሮ ዘይከኣለኒ ውሕጅ ኮነ። 6ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ትርኢዶ ኣለኻ?” በለኒ። ሽዑ ወሰደኒ፤ ናብ ወሰን እቲ ውሕጅ ድማ መለሰኒ።
7ምስ ተመለስኩ፥ እንሆ ወሰና ወሰን እቲ ውሕጅ፥ በዙይን በቱይን ብዙሕ ኣእዋም ነበሮ። 8በለኒ ድማ “እዝ ማያት እዙይ፥ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ይውሕዝ ኣሎ፤ ናብ ጐልጐል ክወርድ፥ ናብ ባሕሪ ኸዓ ኽበፅሕ እዩ፤ ናብ ባሕሪ ምስ ኣተወ ድማ እቲ ማያት ክፍወስ እዩ። 9ክኸውን ድማ እዩ፥ ኣብቲ እዝ ውሕጅ እዙይ ዝበፅሖ፥ ኵሉ ዝዋሳወስ ህያው ነፍሲ፥ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ዓሳታት ከዓ ኣዝዮም ክበዝሑ እዮም፤ እዚ ማያት እዙይ ክኣትዎ እዩ እሞ፥ እቲ ማያት ባሕሪ ኽፍወስ እዩ፤ እቲ ውሕጅ ኣብ ዝኣተዎ ድማ፥ ኵሉ ብህይወት ክነብር እዩ። 10ክኸውን ከዓ እዩ፥ ኣስገርቲ ዓሳ ኣብኡ ክቖሙ፥ ካብ ዔይንጋዲ ኽሳዕ ዔይን ኤግላይም፥ መዘርግሒ መርበብ ክኸውን እዩ፤ ዓሳታት፥ ከምቲ ዓሳ ናይ ዓብዪ ባሕሪ፥ #47፡10 ዓብዪ ባሕሪ፦ ሕዚ “ባሕሪ ሜዲትራንያን” ይበሃል። በብዓይነቶም የመና ብዙሓት ኣብኡ ኽህልዉ እዮም። 11ዓዘቕቱን ዕቋሩን ግና፥ ጨው ኮይኑ ኽነብር እዩ እምበር፥ ኣይፍወስን እዩ። 12ወሰና ወሰን እዚ ሩባ በዙይን በቱይን፥ ኵሉ ዓይነት ፈራዪ ኣእዋም ክበቍል እዩ፤ ኣቝፅልቱ ኣይፅምሉን፤ ፍረኡውን ኣይውዳእን እዩ፤ ማያቱ ኻብቲ መቕደስ እዩ ዝፍልፍል እሞ፥ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኽፈሪ፥ ፍረታቱ ንምግቢ፥ ኣቝፅልቱ ድማ ንመድሓኒት ክኸውን እዩ።” #ራእይ 22፡2።
ዶባት እታ ሃገር
13እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትመቕልዎም ምድሪ፥ ወሰናታ እዙይ እዩ፤ ዮሴፍ ክልተ ዕፃ ኽረክብ እዩ። 14እዛ ነቦታትኩም ክህባ እየ፥ ኢለ ኢደይ ዘልዓልኩላ ምድሪ፥ እቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ኽትወርስዋ ኢኹም፤ እዛ ምድሪ እዚኣ ርስትኹም ክትከውን እያ።
15“ወሰናት እታ ምድሪ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ብወገን ሰሜን ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ሒዙ፥ በታ መንገዲ ሔትሎን ኣቢሉ ክሳዕ ፅዳድ፥ 16ኣብ መንጎ ወሰን ደማስቆን ወሰን ሃማትን ዘሎ ሃማት ቤሮታ ሲብራይም፥ እቲ ኣብ ወሰን ሃውራን ዘሎ ሓፃር ሓቲኮን። 17እቲ ወሰን ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ሓፃር ዔናን ወሰን ደማስቆ ክኸውን እዩ፤ ኣብ ሰሜን ድማ ወሰን ሃማት እዩ፤ እዙይ እቲ ወገን ሰሜን እዩ።
18“ብወገን ምብራቕ ድማ፥ ኣብ ማእኸል ሃውራንን ደማስቆን ጊልዓድን ምድሪ እስራኤልን ዮርዳኖስ እዩ፤ ካብ ወሰን ሰሜን ናብቲ ኣብ ምብራቕ ዘሎ ባሕሪ ኽትእምቱ ኢኹም፤ እዙይ እቲ ወገን ምብራቕ እዩ።
19“እቲ ወሰን ደቡብ ከዓ፥ ናብ ደቡብ ኣቢሉ፥ ካብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ፥ በቲ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ እዩ፤ እዙይ እቲ ናብ ደቡብ ዘብል ወሰን ደቡብ እዩ።
20“እቲ ወገን ምዕራብ ድማ፥ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ኻብ ወሰን ደቡብ ክሳዕ መንፅር ሃማት እዩ፤ እዙይ እቲ ወገን ምዕራብ እዩ።
21“ነዛ ምድሪ እዚኣ፥ ከከም ነገድ እስራኤል ንኣኻትኩም ተማቐልዋ። 22ክኸውን ድማ እዩ፥ ንኣኻትኩምን ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን ውሉድ ዝወልዱ ጓኖትን፥ ርስቲ ጌርኩም ብዕፃ ምቐልዋ፤ ንሳቶም ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል፥ ከም ደቂ ዓድኹም ክኾኑልኩም እዮም፤ ርስቲ ኽርስተዩ እዮም። 23ክኸውን ድማ እዩ፥ ነቲ ጓና ኣብታ ዝነብረላ ነገድ፥ ኣብኣ ርስቱ ኽትህብዎ ኢኹም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 47: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in