YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 33

33
እግዚኣብሄር ንሕዝቅኤል ሓላዊ ኸም ዝገበሮ
(ሕዝ. 3፡16-21)
1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንደቂ ህዝብኻ ተዛረቦም፤ በሎምውን፦ ኣነ ሰይፊ ናብ ምድሪ እንተ ኣምፃእኹ፥ ህዝቢ እታ ምድሪ ኸዓ፥ ካብኣቶም ሓደ ሰብኣይ ሓላዊ ክኾኖም እንተ መረፅዎ፥ 3ንሱ ኸዓ ሰይፊ ናብታ ምድሪ ኽመፅእ እንተ ረአየ እሞ፥ መለኸት እንተ ነፍሐ፥ ነቶም ህዝቢ ኸዓ እንተ ኣጠንቀቖም፥ 4ሓደ ነቲ ድምፂ መለኸት ሰሚዑ እንተ ዘይተጠንቀቐ፥ ሰይፊ መፂኡ ኸዓ እንተ ወሰዶ፥ ደሙ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ። 5ድምፂ መለኸት ሰሚዑ ኣይተጠንቀቐን እሞ፥ ደሙ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ፤ እንተ ዝጥንቀቕስ ንነፍሱ መድሓና ነይሩ። 6እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኽመፅእ እንተሎ እንተ ረአየ፥ መለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሐ፥ ነቶም ህዝቢ ኸዓ እንተ ዘየጠንቀቖም፥ ሰይፊ መፂኡውን ንሓደ ኻብኣቶም እንተ ወሰዶ፥ ንሱ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ይውሰድ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ።”
7እምበኣርከስ “ኣታ ወዲ ሰብ” ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ኣቝመካ እየ፤ ነቲ ቓል ካብ ኣፈይ ስማዕ እሞ፥ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም። 8ኣነ ነቲ ሓጥእ “ኣታ ሓጥእ፥ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ” እንተ በልክዎ፥ ንስኻ ኸዓ ነቲ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ ኢልካ፥ ክጥንቀቕ እንተ ዘይተዛሪብካዮ፥ እዝ ሓጥእ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድካ እየ ዝደልዮ። 9ግናኸ ነቲ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ መንገዱ እንተ ዘይተመለሰ፥ ንሱ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፤ ንስኻ ግና ንነፍስኻ ኣድሓንካያ።”
ውልቃዊ ሓጢኣት
10ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቤት እስራኤል፦ “ንስኻትኩምስ፥ ሓጢኣትናን በደልናን ኣብ ርእስና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ብሰንኩ ንደክም ኣለና፤ ከመይ ጌርና ደኣ ብህይወት ክንነብር ኢና፥ ትብሉ ኣለኹም በሎም። 11ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እሞ፥ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ብሞት ሓጥእ ባህ ኣይብለንን እዩ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይከ እትሞቱ? ኻብቲ እኩይ መንገድኹም ተመለሱ፤ ተመለሱ፤ በሎም።
12“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንደቂ ህዝብኻ በሎም፤ ፅድቂ እቲ ፃድቕ በታ ንሱ ዝበደለላ መዓልቲ ኣየድሕኖን እዩ፤ ሓጢኣት እቲ ሓጥእ ከዓ፥ በታ ኻብ ሓጢኣት ዝምለሰላ መዓልቲ ብሓጢኣቱ ኣይሰናኸልን እዩ፤ እቲ ፃድቕውን በታ ዝሓጥአላ መዓልቲ፥ በቲ ፅድቁ ብህይወት ኣይነብርን እዩ። 13ነቲ ፃድቕ ብርግፅ ብህይወት ክትነብር ኢኻ እንተ በልክዎ፥ ንሱ ኸዓ ብፅድቁ ተአሚኑ እንተ ሓጥአ፥ ንሱ ብሰንኪ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ኽመውት እዩ እምበር፥ እቲ ዅሉ ፅድቁ ኣይዝከረሉን እዩ። 14ነቲ ሓጥእ ድማ ብርግፅ ሞት ክትመውት ኢኻ እንተ በልክዎ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ፍትሕን ቅንዕናን እንተ ገበረ፥ 15እቲ ሓጥእ ትሕጃ እንተ መለሰ፥ ዝዘመቶ እንተ ኸሓሰ፥ ግፍዒ እንተይገበረ ብሕግጋት ህይወት እንተ ተመላለሰ፥ ንሱ ርግፅ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ኣይመውትን እዩ። 16እቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱ ኣይዝከረሉን፤ ፍትሕን ቅንዕናን ገይሩ እዩ እሞ፥ ርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ።
17“ግና ደቂ ህዝብኻ ኸዓ መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኮነን ይብሉ ኣለዉ፤ ግናኸ ዘይቅኑዕስ መንገዳቶም እዩ። 18ፃድቕ ካብ ፅድቁ እንተ ተመለሰ፥ ዓመፃ ኸዓ እንተ ገበረ፥ ብሰንካ ኽመውት እዩ። 19ሓጥእውን ካብ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ፍትሕን ቅንዕናን ድማ እንተ ገበረ፥ ብህይወት ክነብር እዩ። 20ንስኻትኩም ግና መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኮነን ትብሉ ኣለኹም፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መንገድኹም ክፈርደኩም እየ።”
ወረ ዕንወት እስራኤል
21ኮነ ድማ፥ ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ነታ ወርሒ ኸዓ ኣብታ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ሓደ ዘምለጠ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም ናባይ መፀ እሞ፥ እታ ኸተማስ ተትሒዛ በለኒ። #2 ነገ. 25፡3-10፥ ኤር. 39፡2-8፥ 52፡4-14። 22እቲ ዘምለጠ እንተይመፀ እንተሎ፥ ኣጋ ምሸት ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ መፂኣ ነበረት። ንፅባሒቱ ንሱ ኽሳዕ ዝመፀኒ ኸዓ ኣፈይ ከፈተለይ። በዝ ከምዙይ ኣፈይ ተኸፍተለይ፤ ድሕሪዙይ ከዓ በሃም ኣይኮንኩን።
ሓጢኣት ህዝቢ እስራኤል
23ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ 24“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ኣብተን ዑናታት እታ ምድሪ እስራኤል ዘለዉ፥ ኣብርሃም ንበይኑ ነበረ፤ ነዛ ምድሪ እዚኣውን ወረሳ። ንሕና ግና ብዙሓት ኢና፤ እታ ምድሪ ድማ ርስቲ ኽትከውን፥ ንኣና ተውሂባ እያ፥ ይብሉ ኣለዉ።
25“ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ ምስ ደም ጌርኩም ትበልዑ ኣለኹም፤ ኣዒንትኹም ድማ ናብ ጣዖታትኩም፥ ቈላሕ ይብላ ኣለዋ። ደም ትኽዕዉ ኣለኹም፤ ምስ ናይ እዙይስ፥ ነታ ምድሪዶ ኽትወርስዋ ኢኹም። 26ኣብ ሰይፍኹም ትፅግዑ፥ ፅያፍ ትገብሩ ኣለኹም፤ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ብፃዩ የርክስ ኣሎ፤ ምስ ናይ እዙይስ ነታ ምድሪዶ ኽትወርስዋ ኢኹም።”
27እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ “ኣነ ህያው እየ፤ እቶም ኣብ ዑናታት ዝነብሩ፥ ብርግፅ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ኸዓ፥ ብልዒ ኣራዊት ክኸውን ክውፍዮ እየ። እቶም ኣብ ዕሩድ እምባታትን ኣብ በዓትታትን ዝነብሩ ድማ ብፌራ ኽሞቱ እዮም። 28ኣነ ነታ ምድሪ እቲኣ፥ ምድረ በዳን መሰክሕን ክገብራ እየ፤ እቲ እትዕበየሉ ሓይላ ፈፂሙ ኽጠፍእ እዩ፤ እምባታት እስራኤል ድማ ዝሓልፈሉ ዘይብሉ ኾይኑ ኽባድም እዩ። 29ብሰንኪ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ ፅያፎም፥ ነታ ምድሪ እቲኣ ምድረ በዳን መሰክሕን ምስ ገበርክዋ፥ ንሳቶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”
ፍረ መልእኽቲ ነቢይ
30“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ደቂ ህዝብኻ ኣብ ጥቓ መንደቕን፥ ኣብ ኣፍ ደገታት ኣባይትን ኮይኖም፥ ብዛዕባኻ ይዛራረቡ ኣለዉ፤ ንስንሳቶም ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ ‘እስኪ ንዑናይ ካብ እግዚኣብሄር ዝወፅእ ቃል፥ እንታይ ከም ዝኾነ ንስማዕ’ ይባሃሃሉ ኣለዉ። 31ከም ኣመፃፅኣ ህዝቢ ድማ ናባኻ ይመፁ፤ ከም ህዝበይ ከዓ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፤ ቃላትካውን ይሰምዑ ኣለዉ፤ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም፤ ብኣፎም ድማ ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ፤ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዝኸይድ። 32እምበኣርከስ ንስኻ ፅቡቕ ድምፂ ኸም ዘለዎ ተፈታዊ መዝሙር፥ ፅቡቕ ገይሩ በገና ዝወቅዕ ሰብ ኮንካዮም፤ ቃልካውን ይሰምዑ ኣለዉ፥ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም። 33እንሆ እዙይ ይመፅእ ኣሎ፤ ምስ መፀ ኸዓ፥ ነቢይ ኣብ ማእኸሎም ከም ዝነበረ ኽፈልጡ እዮም።”

Currently Selected:

ሕዝቅኤል 33: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in