ሕዝቅኤል 21
21
ሰይፊ እግዚኣብሄር
1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢልካ ምለስ፤ ቃልካ ኸዓ ናብቲ ቅዱስ ስፍራታት ተናገር፤ ንምድሪ እስራኤል ከዓ ኣንፃራ ተነበየላ። 3ነታ ሃገር እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገራ፤ እኒሀኹ ኣንፃርኪ እየ፤ ሰይፈይ ከዓ ኻብ ሰገባኡ ኽመዞ፥ ካባኺውን ፃድቃንን ሓጥኣንን ከጥፍእ እየ። 4ንፃድቃንን ሓጥኣንን ካባኺ ኸጥፍኦም እየ እሞ፥ ስለዙይ ንዅሉ ስጋ ኽወቅዕ፥ ካብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን፥ ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኽምዘዝ እዩ። 5ስጋ ዝለበሱ ዅሎም ከዓ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኸም ዝመላሕኩ ኽፈልጡ እዮም፤ ኣይምለስን ድማ እዩ።”
6“ስለዙይ ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቈዝም፤ ሕቘኻ ብምጕባጥ ኣምሪርካ ብመሪር ቃንዛ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ብኸ። 7ክኸውን ከዓ እዩ፥ ‘እንታይ ኴንካ ትቝዝም?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ንስኻ በቲ ዅሉ ዝመፅእ ወረ ልቢ ኽመክኽ፥ ኵለን ኣእዳው ድማ ኽለምሳ እየን፤ ኵሉ መንፈስ ከዓ ኽሕለል፥ ኵሉ ኣብራኽውን ከም ማይ ክፈስስ እዩ፥ በሎም፤ እንሆ ይመፅእ ኣሎ፤ ክፍፀም ድማ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
8ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ 9“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ በልውን፤ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰይፊ! ሰይፊ! በሊሑን ተወልዊሉን ኣሎ፤” በል።
10“ምእንቲ ኽሓርድ በሊሑ፥ ምእንቲ ማሕማሕ ክብል ተወልዊሉ፤ እምበኣርከስ ብእኡዶ ኽንሕጐስ ኢና? በትሪ ወደይ ንዅለን ኣዕፃው ትንዕቐን ኣላ። 11ብኢድ ምእንቲ ኽተሓዝ ክውልወል ሃቦ። እቲ ሰይፊ ናብ ኢድ ቀታሊ ምእንቲ ኽውፈ ተስሓለን ተወልወለን። 12ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዙይ ኣብ ህዝበይን ኣብ ኵሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ክኸውን እዩ እሞ፥ ኣእዊ፤ ዋይ ዋይ ከዓ በል፤ ንሳቶም ምስ ህዝበይ ንኣደዳ ሰይፊ ተውሂቦም እዮም፤ ስለዙይ ሰለፍካ ውቓዕ። 13ፈተና መፀ፤ እታ ዝተንዓቐት በትሪ እኳ ኻብ ዘይትህሉስ እንታይ ደኣ እዩ?” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
14“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ በእዳውካ ኸዓ ኣጣቕዕ፤ ናይቶም ዝተቐትሉ ሰባት ሰይፊ ሰለስተ ጊዜ ይደጋግም፤ ዝኸቦም ናይቲ ዝተቐትለ ዓብዪ ሰብ ሰይፊ እዩ። 15ልቦም ምእንቲ ኽመክኽ ዕንቅፋቶም ከዓ ኽበዝሕስ፥ ዝቐትል ሰይፊ ናብ ኵሉ ኣፍ ደገታቶም ኣቢለ ኣንበርኩ፤ ወዮ! ኸም በርቂ መስመስ ይብል፤ ክሓርዱሉ ኸዓ ተስሒሉ ኣሎ። 16ተዳሊኻ፥ ገፅካ ናብ ዝፈተዎ ንየማን ወይ ንፀጋም ኪድ። 17ኣነ ድማ ኣእዳወይ ከጣቕዕ፥ ሕነ መዓተይውን ከምፅእ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።”
ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን
18መሊሱውን ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ 19“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ዝሓልፈለን ክልተ መንገዲ ንኣኻ ግበር፤ ክልቲአን ካብ ሓደ ምድሪ ይውፅኣ፤ ምልክት ከዓ ግበር፤ ኣብ ርእሲ እታ ናይታ ኸተማ መንገዲ ግበሮ። 20ሰይፊ ናብ ራባት፥ ናይ ደቂ ኣሞን፥ ናብ ይሁዳ ኸዓ ናብታ ዕርድቲ ኢየሩሳሌም ክመፅእስ መንገዲ ኽትገብር ኢኻ። 21እቲ ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኽጥንቍል፥ ኣብታ ቐራና መንገዲ ኣብ ርእሲ ኽልቲአን መንገዲ ደው ኢሉ ኣሎ፤ ፍላፃታት የንበጥብጥ፤ ንጣዖታት ቤቱ ይጥይቕ፤ ንኸብዲውን ይጥምት ኣሎ። 22ኣብኡ መፍረሲ ዕርዲ ኽተክል፥ ንፈኸራ ውግእ ኣፉ ክኸፍት፥ ንሆይታ ውግእ ዓው ኢሉ ኽጭድር፥ ኣብ መንፅር ደገታት ከዓ መፍረሲ ዕርዲ ኸቕውም፥ ሓመድ ኵዒቱውን ዕርዲ ኽነድቕ፥ ኣብ የማነይቱ ናብ ኢየሩሳሌም እተመልክት ዕፃ ነበረት። 23ማሕላ ምሒሎም እናሃለዉስ፥ እዝ ጥንቈላ እዙይ ሓሰት ኮይኑ ኽረኣዮም እዩ፤ ንሱ ግና ምእንቲ ኽትሓዙ ሓጢኣቶም ከዘክር እዩ። 24ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ገበንኩም ተቐሊዑ፥ ሓጢኣትኩም ብዅሉ ግብርኹም ብምርኣዩ፥ ሓጢኣቱ ስለ ዘዘከረኩም ዝኽርኹም ተዘኪሩ እዩ እሞ፥ ስለዙይ ብሓያል ኢድ ክትተሓዙ ኢኹም” ይብል ኣሎ።
25“ኣታ በዝ ሓጢኣትካ ዝፍፀመሉ፥ ጊዜ መዓልትኻ ዝበፅሐ ርኹስ ሓጥእ ሓለቓ እስራኤል፥ 26እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ዘውዲ ቐንጥጥ፤ ኣኽሊል ኣውፅእ፤ እዙይ ከም ዘለዎ ኾይኑ ኣይነብርን እዩ፤ እቲ እተዋረደ ልዕል ይበል፤ እቲ ልዕል ዝበለ ኸዓ ይዋረድ። 27ጥፍኣት! ጥፍኣት! ጥፍኣት ካባይ ክመፃ እዩ፤ እቲ ኣነ ንእኡ ዝህቦ በዓል ፍርዲ ኽሳዕ ዝመፅእ እዙይ ኣይነብርን እዩ።”
ሰይፍን ደቂ ኣሞንን
28-29ንስኻ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ኣሞንን ብዛዕባ ፀርፎምን ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ትንቢት ተናገር፤ በልውን፦ ኣብ ልዕሊ ኽሳድ እቶም በዝ ሓጢኣት ዝፍፀመሉ ጊዜ መዓልቶም ዝበፅሐ ቕቱላት ሓጥኣን ከንብሩኽስ ከንቱነት ክሪኡልኪ ጥንቈላ ሓሰት ከዓ ኽናገሩልኪ እንተለዉ ሰይፊ፥ ሰይፊ፥ ተመሊሑ ኣሎ፤ ክሓርድን ክጐምድን መስመስ ክብልን ተወልዊሉ ኣሎ። #ኤር. 49፡1-6፥ ሕዝ. 25፡1-7፥ ኣሞፅ 1፡3-15፥ ሶፎ. 2፡8-11።
30“ናብ ሰገባኡ ኽተቶ፤ ኣብታ እተፈጠርካላ ቦታ ኣብታ እተወለድካላ ምድሪ ኽፈርደካ እየ። 31ንቝጥዓይ ኣብ ልዕሌኻ ክኽዕዎ፥ ሓዊ ቝጥዓይ ድማ ኡፍ ክብለልካ፥ ናብ ኢድ እቶም ከም ኣራዊት ዝበሉ፥ ምጥፋእ ዝተግባሮም ሰባት ክውፍየካ እየ። 32ብልዒ ሓዊ ኽትከውን ኢኻ፤ ደምካ ኣብ ማእኸል ምድሪ ኽፈስስ እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ እየ እሞ ዝዝክረካ የለን።”
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 21: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in