ሕዝቅኤል 16
16
ጠላሚት ኢየሩሳሌም
1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኢየሩሳሌም ርኽሰታ ኣፍልጣ፤” 3እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኢየሩሳሌም ከምዙይ ይብል ኣሎውን በላ፦ “ዘርእኽን ትውልድኽን ካብ ምድሪ ከነዓናውያን እዩ፤ ኣቦኺ ኣሞራዊ እዩ፤ እኖኺ ኸዓ ኬጢያዊት እያ።
4“በታ እተወለድክላ መዓልቲ እትብቲ ሕምብርትኺ ኣይተኣትበን፤ ምእንቲ ኽትፀርዪውን ብማይ ኣይተሓፀብክን፤ ብጨው ኣይተቐባእኽን፤ ብጨርቂውን ኣይተጠቕለልክን። 5በታ ዝተወለድክላ መዓልቲ፥ ነፍስኺ ስለ ዝተንዓቐ፥ ኣብቲ ጋሕ ዝበለ በረኻ ተደርበኺ፤ ሓደ እኳ እዙይ ክገብረልኪ ኢሉ፥ ራህሪሁ ብለውሃት ቈላሕ ዝበለኪ ዓይኒ የለን።
6“ብኣኺ እንትሓልፍ፥ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ ክትብሊ እንተለኺ ኸዓ ረአኹኺ እሞ፥ ኣቲ ኣብ ደምኪ ዘለኺ ብህይወት ንበሪ በልኩኺ፤ እወ፥ ኣብ ደምኪ ዘለኺ ብህይወት ንበሪ በልኩኺ። 7ከም በቝሊ ገራሁ ኣእላፋት ገይረ ኣብዛሕኹኺ። ንስኺ ድማ ዘለግ በልኪ፤ ዓበኺ፤ የመና ኸዓ መልካዕኺ፤ ኣጥባት ኣውፃእኺ፤ ፀጕርኺውን በቘለ፤ ግናኸ ንስኽስ ጥራሕኽን ዕርቕትን ነበርኪ።
8“ብኣኺ ሓሊፈ ረአኹኺ፤ እንሆ ኸዓ ጊዜኺ፥ እቲ ጊዜ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሐ፥ ዕርቃንኪ ኸወልኩ፤ መሓልኩልኪ፤ ኪዳን ኣተኹልኪ፤ ናተይውን ኮንኪ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9“ብማይ ሓፀብኩኺ፤ ካብ ደምኪ ኣፅረኹኺ፤ ብዘይቲ ድማ ቐባእኩኺ። 10ብወርቀ ዘቦ ዝተጠልፈ ኸደንኩኺ፤ ብቘርበት ኣቆስጣ ሳእኒ ገበርኩልኪ፤ ብሻሽ ኣዕጠቕኩኺ፤ ብሃሪውን ከደንኩኺ። 11ሽልማት ሸለምኩኺ፤ ኣብ ቀላፅምኪ ኣምባር፥ ኣብ ክሳድኪ ኸዓ ሕንጥልጥል ኣሰርኩልኪ። 12ቀለበት ኣብ ኣፍንጫኺ፥ ኵትሻ ኣብ ኣእዛንኪ፥ ዘውዲ ግርማ ድማ ኣብ ርእስኺ ገበርኩልኪ። 13በዝ ኸምዙይ ብወርቅን ብሩርን ተሸለምኪ፤ ሻሽን ሃርን መርገፍን ተወንዘፍኪ፤ ፍቱግ ስርናይን መዓርን ዘይትን በላዕኺ። የመና መልካዕኺ፤ ክሳዕ ንግስቲ ምዃን ከዓ በፃሕኺ። 14በቲ ኣነ ዝሸለምኩኺ ግርማ፥ እቲ መልክዕኺ ፍፁም ኮይኑ እዩ እሞ፥ ወረኺ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ወፀ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15“ንስኺ ግና ብመልክዕኺ ተኣመንኪ፤ ስለ ናእዳ ስምኪ ኢልኪ ኣመንዘርኪ፤ ንዝኾነ ሓላፊ መንገዲ ንእኡ ኽትኮኒ ምንዝርናኺ ኣብዛሕኺ። 16ካብ ክዳውንትኺ ወሲድኪ፥ ብዝንጕርጕር ክዳን ዘጋየፅክዮም መስገዲታት በረኽቲ ስፍራ ንባዕልኺ ሰራሕኺ፤ ኣብኡውን ኣመንዘርኪ፤ ከምዙይ ዝበለስ ኣይተገብረን፤ ደጊምውን ኣይግበርን እዩ። 17እቲ ኣነ ዝሃብኩኺ ፅቡቕ ሽልማት ወርቅን ብሩርን ኣልዒልኪ፥ ምስልታት ሰብኣይ ንኣኺ ገበርኪ፤ ምስኣቶም ድማ ኣመንዘርኪ። 18ክዳን ወርቀ ዘቦኺ ኣልዒልኪ ኸደንክዮም፤ ዘይተይን ዕጣነይን ከዓ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣቕረብኪ። 19ነቲ ኣነ ዝሃብኩኺ እንጀራ፥ እቲ ብእኡ ዝምግበኪ ዝነበርኩ ፍቱግ ሕሩጭ ስርናይን ዘይትን መዓርን፥ ንመዓዛ ሽታ ኣብ ቅድሚኣቶም ቀረብክዮ፤ እዙይ ተገይሩ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
20-21“ነቶም ንኣይ ዝወለድክዮም ኣወዳትክን ኣዋልድክን ከዓ ምእንቲ ኽውሕጥዎም፥ ኣልዒልኪ ሰዋእኽዮም፤ ንደቀይ ሓሪድኪ ብሓዊ ኣሕሊፍኪ ዝወፈኽዮምስ እዝ ምንዝርናኽዶ ውሒዱኪ እዩ? 22ኣብ ኵሉ ርኽሰትክን ምንዝርናኽን እንተለኺ፥ ነቲ ጥራሕኽን ዕርቕትን ኴንኪ፥ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ እትብልሉ ዝነበርኪ ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘከርክን።”
ኢየሩሳሌም ኣብ ምንዝርና ዘሕለፈቶ ዘመን
23“ድሕሪ እዝ ኵሉ ኽፍኣትኪ ወይለኺ! ወይለኺ!” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 24ንስኺ ልዕል ዝበለ ስፍራ ብዅሉ መተሓላለፊ መንገዲውን በሪኽ ስፍራ ሰራሕኺ። 25ኣብ ኵሉ ወሰን መንገዲ ልዕል ዝበለ ስፍራ ገበርኪ፤ ንመልክዕኺ ኣፈንፈንክዮ፤ ንዅሉ ሓላፊ መንገዲ ድማ ኣእጋርኪ ኣርአኺ፤ ምንዝርናኽውን ኣብዛሕኺ። 26ምስቶም ስጋኦም ዝገዘፈ ጐረባብትኺ ግብፃውያን ዘሞኺ፤ ቍጥዓይ ንምልዕዓል ከዓ ዝሙትኪ ኣብዛሕኺ።
27ስለዙይ “እንሆ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጋሕኹ፤ ንምግብኺ ኸዓ ኣጕደልክዎ፤ ንፍቓድ እተን ዝፀልኣኺ በቲ ርኹስ መንገድኺ ዝሓፍራ ዘለዋ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ወፈኹኺ።
28“ኣይፀገብክን እሞ፥ ምስ ደቂ ኣሶራውያን ዘሞኺ፤ ምስኣቶም ድማ ዘሞኺ፤ ኣይፀገብክንውን። 29ምስ እዙይ ከዓ፥ ዝሙትኪ ናብ ምድሪ ከነዓን ክሳዕ ምድሪ ከለዳውያን ኣብዛሕኺ፤ ግናኸ በዙይውን ኣይፀገብክን።”
30-31ኵሉ እዝ ግብሪ እዙይ “እታ ዘይትሓፍር ኣመንዝራ እትገብሪ፥ ኣብ ኵሉ ወሰን መንገድታት ልዕል ዝበለ ስፍራ ኣብ መተሓላለፊ መንገዲውን በሪኽ ስፍራ እትሰርሒ፥ ዋጋ ስለ ዝነዓቕኪ ኸም ካልኦት ኣመንዝራታት ኣይነበርክን፤ ከመይ ዝበለ ብልሽዊ ኾን እዩ እቲ ልብኺ!” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 32“ክንዲ ሰብኣያ ጓኖት እተእቱ ዘማዊት ሰበይቲ ኾንኪ። 33ንዅለን ኣመናዝር ውህብቶ ይወሃበን፤ ንስኺ ግና ንዅሎም ፈተውትኺ ውህብቶ ሃብክዮም። ካብ ኵሉ ወገን መፂኦም፥ ምሳኺ ኽዝምዉ ብውህብቶ ሓባበልክዮም። 34ንምምንዛር ዝስዕበኪ ዘይብልክስ፥ በቲ ምምንዛርኪ ኻልኦት ኣንስቲ ዘይገበራኦ ገበርኪ፤ ንስኺ ክንዲ ናይ ምንዝርናኺ ውህብቶ ምቕባል ምእንቲ ኸተመንዝሪ ውህብቶ ሃብኪ፤ ካልኦት ዘይገበራኦውን ገበርኪ።”
ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም
35ስለዙይ ኣቲ ዘማዊት ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ፤
36እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብምንዝርናኺ ምስ ፈተውትኺ ርኽሰትኪ ስለ እተኽዓወ፥ ነውርኺ ኸዓ ስለ ዝተቐልዐ፥ ብሰንኪ ዅሎም እቶም ፍንፉናት ጣዖታትክን፥ ብሰንኪ እቶም ንኣኣቶም ዝወፈኽዮም ደም ደቅኽን፥ 37ስለዙይ እንሆ፥ ንዅሎም እቶም ዝፈተኽዮምን ንዅሎም እቶም ዝፀላእኽዮምን ክእክቦም እየ፤ ካብ ኵሉ ወገን ንምፅራርኪ ኽእክቦም እየ፤ ኵሉ ዕርቃንኪ ምእንቲ ኽሪኡ፥ ንዕርቃንኪ ኣብ ቅድሚኣቶም ክቐልዖ እየ። 38ኣነውን ከምቲ ዘመውትን መፍሰስቲ ደምን እተፈርዳሉ ገይረ ኽፈርደኪ ናይ ቍጥዓን ናይ ቅንኣትን ደም ከምፅአልኪ እየ። 39ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህበኪ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ልዕል ዝበለ ስፍራኺ ኸፍርሱ በረኽቲ ስፍራኺ ድማ ኽግልብጡ፥ ክዳውንትኺ ኽገፉ፥ ፅቡቕ ሽልማትኪ ኽቕንጥጡ ጥራሕኽን ዕርቕትን ገይሮም ክሓድጉኺ እዮም።
40“ብዙሓት ሰባት ናባኺ ኸምፅኡ እዮም፤ ንሳቶም ከዓ፥ ብእምኒ ኽቐትሉኺ፥ ብሰይፎም ድማ ኽቘራርፁኺ እዮም። 41ነባይትኺ ብሓዊ ኸባርዕዎ፥ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኣንስቲ ኸዓ ኽፈርዱኺ እዮም፤ ኣነውን ምንዝርናኺ ኸሕድገኪ እየ፤ መሊስኪ ድማ ዋጋ ኣይትህብን ኢኺ። 42በዝ ኸምዙይ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀልኪ፥ ቅንኣተይ ከዓ ኽርሕቐልኪ እዩ፤ ክሃድእ፥ ብድሕሪዙይውን ኣይቝጣዕን እየ። 43ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘከርክን እሞ፥ ብዅሉ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ኣቘጢዕኽኒ ኢኺ እሞ፥ እንሆ ኣነውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ርኽሰትኪ፥ እዝ ነውሪ እዙይ ከይትውስኽስ መንገድኺ ኣብ ርእስኺ ኽመልሶ እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
እታ ጓል ከም ኣዲኣ
44“እንሆ እቶም ዝምስሉ ዅላቶም ‘ከምታ እኖ፥ ከምኡውን እታ ጓላ’ ኢሎም ብኣኺ ኽምስሉ እዮም። 45ንስኺ፥ እታ ንሰብኣያን ደቃን ዝፀልአት ጓል እኖኺ ኢኺ። ንስኺ ሓፍቲ እተን ንሰብኡተንን ደቀንን ዝፀልኣ ኣሓትኪ ኢኺ። እኖኺ ኬጢያዊት ኣቦኺ ኸዓ ኣሞራዊ ነበሩ።
46“እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ ፀጋምኪ ዘላ ዓባይ ሓፍትኺ ሰማርያ እያ፤ እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ የማንኪ ዘላ ንእሽተይ ሓፍትኺ ኸዓ ሰዶም እያ። 47ንስኺ ግና ብመንገደን ኣይከድክን፤ ከምቲ ፅዩፍ ነገረን ከዓ ኣይገበርክን። እዙይ ቀሊሉክስ ብዅሉ መንገድኺ ደኣ ኻብኣተን ገደድኪ።
48“ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሰዶም ሓፍትኺ ንሳን ኣዋልድ ደቃን፥ ከምቲ ንስኽን ኣዋልድ ደቅኽን ዝገበርክናኦ ኣይገበራን። 49እንሆ እቲ ሓጢኣት ሰዶም ሓፍትኺ እዙይ ነበረ፤ ትዕቢትን ፅጋብ እንጀራን ምዝላልን ስራሕ ምፍታሕን ትህኺትን ኣብኣን ኣብ ኣዋልድ ደቃን ነበረ፤ ግናኸ ኢድ እቲ ጭኑቕን ድኻን ኣይደገፈትን። 50ዕቡያት ነበራ፤ ኣብ ቅድመይ ከዓ ዘፀይፍ ነገር ገበራ፤ እዙይ ምስ ረአኹ ድማ ኣጥፋእኽወን።
51“ሰማርያስ ፍርቂ ሓጢኣትኪ እኳ ኣይገበረትን። ንስኺ ግና ርኽሰትኪ ኻብኣተን ኣብዛሕኺ፤ ብዅሉ እቲ ዝገበርክዮ ርኽሰትክውን ነሓትኪ ኣፅደቕክየን። 52ንስኺ ኸዓ ነቲ ነሓትኪ ዝፈረድክሉ ነውሪ ተሸከሚ፤ በቲ ኻብኣተን ዝረክስ ዝገበርክዮ ሓጢኣትኪ፥ ንሳተን ካባኺ ይፀድቃ፤ ነሓትኪ ኣፅዲቕክየን ኢኺ እሞ፥ ሕፈሪ ነውርኺውን ፁሪ።”
ሰዶምን ሰማርያን ክሕደሳ እየን
53-54“ነውርኺ ኽትፆሪ፥ በቲ ዅሉ ዝገበርክዮ ኸዓ ኽትሓፍሪ፥ በዝ ኸምዙይ ድማ ኽተፀናንዕየንስ ምርኮኣተን፥ ምርኮ ሰዶምን ኣዋልድ ደቃን፥ ምርኮ ሰማርያን ኣዋልድ ደቃን፥ ምርኮ እቶም ኣብ ማእኸለን ዘለዉ ምሩኻትኪ ኽመልስ እየ። 55ኣሕዋትኪ ሰዶምን ኣዋልድ ደቃን፥ ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ክምለሳ እየን፤ ሰማርያን ኣዋልድ ደቃን፥ ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ክምለሳ እየን። 56-57ከምቲ ብኣዋልድ ደቂ ሶርያን ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎምን፥ በተን ኣብ ኵሉ ወገን ዘነውራኪ ዝነበራ ኣዋልድ ደቂ ፍልስጥኤማውያንን፥ እተፀረፍክሉ ጊዜ ኽፍኣትኪ ኸይተቐልዐ እንተሎ፥ በቲ መዓልቲ ዅርዓትኪ እታ ሓፍትኺ ሰዶም ብኣፍኪ እኳ ኣይተጠቐሰትን። 58-59እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኪዳን ብምፍራስኪ ማሕላ ዝነዓቕኪ ኢኺ፤ ኣነውን ከምቲ ዝገበርክዮ ኽገብረኪ እየ፤ ይብል ኣሎ እሞ፥ ምንዝርናኽን ርኽሰትክን ትፆሪ ኣለኺ” ይብል እግዚኣብሄር።
60“ኣነ ግና ነቲ ብዘመን ንእስነትኪ ምሳኺ ዝኣተኹዎ ኺዳን ክዝክሮ፥ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከዓ ኸፅንዐልኪ እየ። 61ነተን ካባኺ ዝዓብያን ዝንእሳን ኣሕዋትኪ ኽትቅበልየን እንተለኺ ብኺዳንኪ ዘይኮነስ፥ ኣዋልድኪ ክኾና ኽህበኪ እንተለኹ፥ ሽዑ መንገድኺ ኽትዝክርን ክትሓፍርን ኢኺ። 62-63ኵሉ እቲ ዝገበርክዮ ይቕረ ምስ በልኩልኪ ንእኡ ዘኪርኪ ኽትሓንኪ፥ ካብ ምሕናኽ እተልዓለ ኣፍኪ ኸቶ ኸይትኸፍቲ፥ ኪዳነይ ከፅንዐልኪ እየ፤ ንስኺውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
Currently Selected:
ሕዝቅኤል 16: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in