YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 14

14
ኣምልኾ ጣዖት ብእግዚኣብሄር ፅሉእ እዩ
1ብዙሓት ካብቶም ዓበይቲ እስራኤል ከዓ ናባይ መፂኦም፥ ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ። 2ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ 3“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንጣዖታት ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎም ኣለዉ፤ ነቲ ናይ በደሎም መቕሰፍቲ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ገፆም ኣቝሞምዎ ኣለዉ፤ ከመይ ኢለ ደኣ በዚኣቶም ክጥየቕ እየ?”
4-5ስለዙይ ተዛረቦም ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል ጣዖታቱ ኣብ ልቡ ዘሕድር፥ ነቲ ናይ በደሉ መቕሰፍቲ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ገፁ ዘቕውም፥ ናብ ነቢይውን እንትመፅእ፥ ኵላቶም ብሰንኪ ጣዖታቶም ካባይ ዘምቢሎም እዮም እሞ፥ ንቤት እስራኤል ብልቦም ምእንቲ ኽሕዞምስ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም መጠን ብዝሒ ጣዖታቱ ኽመልሰሉ እየ፤ ኢልካ ንገሮም።”
6ስለዙይ “ንቤት እስራኤል በሎም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ተነስሁ፤ ካብ ጣዖታትኩም ተመለሱ፤ ካብ ኵሉ ርኽሰትኩም ከዓ ገፅኩም ምለሱ።
7“ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ዘለዉ መፃእተኛታት ካባይ ዝርሕቕ፥ ንጣዖታቱ ኣብ ልቡ ዘሕድር፥ ነቲ ናይ በደሉ መቕሰፍቲ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ገፁ ዘቕውም፥ ንኣይ ክጥይቐሉ ኢሉውን ናብ ነቢይ ዝመፅእ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ባዕለይ ክመልሰሉ እየ። 8ነዝ ሰብ እዙይ ኣነ ገፀይ ክመልሰሉ፥ ንምልክትን ምሳሌን ከዓ ኽገብሮ፥ ካብ ማእኸል ህዝበይውን ከፅንቶ እየ፤ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
9-11“ቤት እስራኤል፥ ህዝበይ ክኾኑ፥ ኣነውን ኣምላኾም ክኽውን እምበር፥ ድሕሪ ሕዚ ኻባይ ከይዝምብሉ፥ ሕጊ ብምፍራሶም ከዓ ኸይረኽሱስ፥ እቲ ነቢይ እኳ ተጋግዩ ቓል እንተ ተዛረበ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዘታለልኩዎ፤ ኢደይ ናብኡ ኽዝርግሕ እየ እሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ፤ በደሎም ድማ ኽፆሩ እዮም፤ በደል እቲ ነቢይ ማዕረ፥ በደል እቲ ጠያቒኡ ክኸውን እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኖህ፥ ዳንኤል፥ ኢዮብ
12ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ 13“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እታ ምድሪ የመና ጠሊማ፥ ኣባይ ሓጢኣት እንተ ገበረት፥ ኣነ ኸዓ ኢደይ እንተ ዘርጋሕኹላ፥ ነቲ ምርኩስ እንጀራኣ ድማ እንተ ሰበርኩላ፥ ጥሜት ከዓ እንተ ሰደድኩላ፥ ሰብን እንስሳንውን እንተ ኣፅነትኩላ፥ 14እዞም ሰለስተ ሰባት ኖህ፥ ዳንኤልን ኢዮብን ኣብኣ እኳ እንተ ዝነብሩ፥ ንሳቶምስ ብፅድቆም ንነፍሶም ጥራሕ መድሓኑ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15“ብሰንኪ እቶም ኣራዊት ሓደ እኳ ብኣኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዝስእን፥ ምድረ በዳ ገይሮም ክሳዕ ዘጥፍእዋ ኣነ ሕሱማት ኣራዊት ኣብ ማእኸል እታ ሃገር እንተ ሰደድኩ፥ 16እዞም ሰለስተ ሰባት እኳ ኣብኣ እንተ ዝነብሩ፥ ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንሳቶምስ ንርእሶም ጥራሕ ደኣ መድሓኑ እምበር፥ ነወዳት ወይ ነዋልድ ደቆም ኣይመድሓኑን፤ እታ ምድሪ ኸዓ ምባደመት። 17ወይ ንሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ሰይፊ ኣብ ማእኸል እታ ምድሪ ይሕለፍ ኢለ፥ ሰይፊ ናብታ ምድሪ እንተ ኣምፃእኹ እሞ፥ 18እዞም ሰለስተ ሰባት እኳ ኣብኣ እንተ ዝነብሩ፥ ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንሳቶም ንርእሶም ጥራሕ ደኣ መድሓኑ እምበር፥ ነወዳት ወይ ነዋልድ ደቆም ኣይመድሓኑን።
19“ወይ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ፌራ ናብታ ሃገር እቲኣ እንተ ሰደድኩ፥ ቍጥዓይ ከዓ ብደም እንተ ኣፍሰስኩ፥ 20ኖህ፥ ዳንኤልን ኢዮብን እኳ ኣብኣ እንተ ዝነብሩ፥ ንሳቶምስ ብፅድቆም ንነፍሶም ጥራሕ ደኣ መድሓኑ እምበር፥ ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነወዳት ወይ ነዋልድ ደቆም ኣይመድሓኑን።” 21ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ነተን ኣርባዕተ ብርቱዓት ፍርደይ፥ ሰይፍን ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ፌራን ኣብ ኢየሩሳሌም እንተ ሰደድኩውን፥ #ራእይ 6፡8። 22እንሆ ዘምልጡን፥ ኣወዳትን ኣዋልድን ዘምፅኡ ተረፍ ክህልውዋ እዮም። እንሆ ኸዓ፥ ንሳቶም ናባኻትኩም ክመፁ እዮም፤ ንመንገዶምን ግብሮምን ድማ ኽትሪኡ ኢኹም፤ ንስኻትኩምውን በቲ ኣነ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘውረድክዎ መዓትን በቲ ዘውረድኩላ ዅሉን ክትፀናንዑ ኢኹም። 23መንገዶምን ግብሮምን ምስ ረአኹም፥ ንምፅንናዕኹም ክኾኑ እዮም። ኵሉ እቲ ዝገበርክዎ፥ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይገበርክዎ ኽትፈልጡ ኢኹም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

Currently Selected:

ሕዝቅኤል 14: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in