ሕዝቅኤል 12
12
ነቢይ ሕዝቅኤል ከም ስደተኛ
  1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ 2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንስኻ ኣብ ማእኸል ቤት ዓመፅቲ ትነብር ኣለኻ፤ ዓመፅቲ ቤት እዮም እሞ፥ ንምርኣይ ኣዒንቲ ኣለዎም፤ ግና ኣይሪኡን፤ ንምስማዕ ከዓ ኣእዛን ኣለዎም፤ ግና ኣይሰምዑን።” #ኢሳ. 6፡9-10፥ ኤር. 5፡21፥ ማር. 8፡18። 
  3ስለዙይ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከም ስደተኛ ዄንኻ ጓዓዝ ኣዳሉ እሞ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ብመዓልቲ ተልዓል። ዓማፂ ቤት እዮም እሞ፥ ምናልባሽ እንተ ኣስተንተኑ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ካብ ስፍራኻ ናብ ካልእ ስፍራ ገዓዝ። 4ከምቲ ጐዓዝ ስደት፥ ንጐዓዝካ ኣብ ቅድሚኣቶም ብመዓልቲ ኣውፅኣዮ፤ ከምቲ ንስደት ዝወፅእ ሰብ ኴንካ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ምሸት ውፃእ። 5ኣብ ቅድሚኣቶም ነቲ መንደቕ ኣንኵሎ፤ ብእኡ ድማ ኣውፅኣዮ። 6ኣብ ቅድሚኣቶም ኣብ መንኰብካ ፁሮ፤ ምስ ፀልመተ ድማ ኣውፅኣዮ። ንቤት እስራኤል ምልክት ገይረካ እየሞ፥ ነዛ ምድሪ ምእንቲ ኸይትሪኣ ገፅካ ሸፍን።”
  7ኣነ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዘኒ ገበርኩ፤ ንጓዓዘይ፥ ከም ጓዓዝ ስደት ገይረ፥ ብመዓልቲ ኣውፃእኽዎ፤ ምሸት ከዓ ነቲ መንደቕ ብኢደይ ኣንኰልክዎ። ምስ ፀልመተ ድማ፥ ኣብ ማእገረይ ፀይረ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣውፃእኽዎ።
  8ንፅባሒቱ ኸዓ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ 9“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቤት እስራኤል፥ ‘እዛ ዓማፂት ቤትስ፥ እንታይ ደኣ ኢኻ እትገብሮ ዘለኻ?’ ኢላዶ ኣይተዛረበትካን? 10እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እዝ ፆር እዙይ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ሓለቓን ነቶም ኣብ ማእኸላ ዘለዉ ዅሎም ቤት እስራኤልን እዩ፤ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም። 11በልውን፥ ኣነ ምሳሌኹም እየ። ከምቲ ኣነ ዝገበርክዎ፥ ከምኡ ኽገብርዎም እዮም፤ ንሳቶም ብስደት ናብ ምርኮ ክኸዱ እዮም። 12እቲ ኣብ ማእኸሎም ዘሎ ሓለቓ ኣብ ማእገሩ ፆይሩ፥ ምስ ፀልመተ ኽወፅእ እዩ፤ ምእንቲ ኸውፅእዎ፥ ነቲ መንደቕ ከንኵልዎ እዮም፤ ነታ ምድሪ በዒንቱ ኸይሪኣ ድማ ገፁ ኽሽፈን እዩ። 13ኣነ ኸዓ መርበበይ ኣብ ልዕሊኡ እዝርግሐሉ፤ ብመፈንጠረይ ድማ ይተሓዝ፤ ናብ ባቢሎን፥ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ከምፅኦ እየ፤ ግናኸ ኣብኣ ኽመውት እዩ፤ ኣይሪኣንውን። #2 ነገ. 25፡7፥ ኤር. 52፡11።   14ንዅላቶም ክሕግዝዎ ኢሎም ዝኸብዎን ንዅሎም ሰራዊቱን ናብ ኵሉ ንፋሳት ፋሕ ከብሎም፥ ደድሕሪኣቶም ድማ ሰይፈይ ክመዝዝ እየ።
  15“ኣብ ማእኸል ህዝብታት ምስ በተንክዎም፥ ኣብ ማእኸል ሃገራት ድማ ምስ ዘራእኽዎም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 16ካብኣቶም ግና ኣብቶም ዝኸድዎም ህዝብታት፥ ኵሉ ፍንፉን ነገሮም ምእንቲ ኸዘንትዉስ፥ ካብ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ውሑዳት ከትርፍ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”
ምልክት ብፍርሓት ዝንቅጥቀጥ ነቢይ
  17ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ 18“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንጀራኻ ራዕራዕ እናበልካ ብላዕ፤ ማይካ ኸዓ ብፍርሓት ቀጥቀጥ እናበልካ ስተ። 19-20‘ንህዝቢ እዛ ሃገር እዚኣ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ምድሪ እስራኤልን ዝነብሩስ፥ ሃገሮም ብሰንኪ ዓመፅ ኵሎም እቶም ዝነብርዋ፥ ምስቲ ኣብኣ ዘሎ ኽትባድም እያ እሞ፥ እንጀራኦም ብሰንፈላል ክበልዑ፥ ማዮም ድማ እናስካሕኽሑ ኽሰትዩ እዮም፤ እዘን ሰብ ዝነብረለን ዘለዋ ኸተማታት ክዓንዋ እየን፤ እታ ምድሪ ድማ ኽትባድም እያ፤ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።”
ዘይልሙድ መልእኽቲ ዘለዎ ተፈታዊ ምሳሌ
  21ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ 22“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዘመን ይነውሕ፤ ራእይ ዅሉውን ይጠፍእ ኣሎ፥ ኢልኩም እትምስሉስ እንታይ ዝምስላኡ እዩ እዙይ? 23ስለዙይ ከምዙይ በሎም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነዝ ምስላ እዙይ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፤ ኣብ እስራኤል ከዓ መሊሶም ኣይምስሉዎን እዮም። ንስኻ ግና፥ ዘመንን መፈፀምታ ዅሉ ራእይን ይቐርብ ኣሎ፥ ኢልካ ደኣ ንገሮም።”
  24ስለዙይ “ኣብ ማእኸል ቤት እስራኤል ድሕሪዙይ ከንቱ ራእይን ናይ ሓሰት ትንቢትን ኣይኸውንን እዩ። 25ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፥ ኣነ እየ ዝዛረብ፤ እቲ ቓል ከዓ ኽፍፀም እዩ፤ ኣይድንጕን ድማ እዩ፤ ኣቱም ዓማፂ ቤት ብዘመንኩም ቃል እዛረብ፥ እገብሮውን ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
  26ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ 27“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ፥ ቤት እስራኤል እቲ እትሪኦ ራእይ ‘ንዝመፅእ ነዊሕ ዘመን እዩ፤ ንርሑቕ ዘሎ ጊዜያት ድማ እዩ ዝንበ ዘሎ’ ይብሉ ኣለዉ። 28ስለዙይ በሎም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ድሕሪዙይ ካብተን ቃላተይ ሓንቲ እኳ ኣይትድንጕን እያ። እታ እተናገርክዋ ቓል ከዓ ኽትፍፀም እያ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ” ኢልካ ንገሮም።
      Currently Selected:
ሕዝቅኤል 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: