YouVersion Logo
Search Icon

ሕዝቅኤል 11

11
ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም
1መንፈስ ኣልዓለኒ፤ ናብቲ ወገን ምብራቕ፥ ናብቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ዝርኢ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ፥ ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኡት ነበሩ፤ ኣብ ማእኸሎም ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝቢ፥ ያእዛንያ ወዲ ዓዙርያን ፈላጥያ ወዲ በናያን ረአኽዎም።
2በለኒ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዚኣቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ሕሰም ዝሓስቡ፥ ክፉእውን ዝመኽሩ ሰባት እዮም። 3ንሳቶም ድማ ‘ብሓቂ ኣባይቲ እንሰርሐሉ እዋን ዝቐረበዶ ኣይኮነን? ንሳ ድስቲ እያ፤ ንሕና ኸዓ ስጋ ኢና’ ይብሉ ኣለዉ። 4ስለዙይ ኣንፃሮም ተነበየሎም፤ ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ” በለኒ። 5-6መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣባይ ወረደ እሞ፥ እግዚኣብሄር፥ “ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንስኻትኩም ከምዙይ ትብሉ ኣለኹም፤ ኣነውን ንሓሳባት ልብኹም እፈልጦ እየ፤ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሓት ቀተልኩም፤ ነደባባያታውን ቅቱላት መላእኹምዋ፤ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም” በለኒ።
7ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቶም ኣብ ማእኸላ ዘንበርኩምዎም ቅቱላት፥ ንሳቶም ስጋ እዮም፤ ንሳ ኸዓ ድስቲ እያ፤ ንስኻትኩም ግና ኻብ ማእኸላ ኽትወፁ ኢኹም። 8ሰይፊ ፈራሕኹም፤ ሰይፊ ድማ ኸምፅአልኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 9ካብ ማእኸላ ኸውፅአኩም፥ ናብ ኢድ ጓኖት ከዓ ኸሕልፈኩም፥ ፍርድውን ኣባኻትኩም ክገብር እየ። 10ብሰይፊ ኽትወድቁ ኢኹም፤ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። 11እዛ ኸተማ እዚኣ ድስቲ ኣይትኾነልኩምን፤ ንስኻትኩምውን ኣብ ማእኸላ ስጋ ኣይትኾኑን ኢኹም፤ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ። 12ንስኻትኩምስ ሕጊ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ገበርኩም እምበር፥ ከም ትእዛዛተይ ኣይተመላለስኩምን፤ ፍርደይ ከዓ ኣይገበርኩምን እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
13ኮነ ኸዓ፥ ኣነ ኽንበ እንተለኹ፥ ፊላጥያ ወዲ በናያስ ሞተ፤ ሽዑ ብግምባረይ ተደፊአ ዓው ኢለ፥ “ኣየ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነቶም ተረፍ እስራኤልዶ ፈፂምካ ኽተጥፍኦም ኢኻ?” ኢለ ኣእዌኹ።
እግዚኣብሄር ንስዱዳት ዝሃቦ ተስፋ
14ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ 15“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ እዮም ኣሕዋትካ፤ እወ ኣሕዋትካ፥ እቶም ኣዝማድካን ኵሎም ቤት እስራኤልን ካብ እግዚኣብሄር ረሓቑ፤ ‘እዛ ሃገር ንኣና ንርስቲ ተውሂባትና እያ’ በልዎም።”
16ስለዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ናብ ማእኸል ህዝብታት እኳ እንተ ኣርሓቕክዎም፥ ኣብ ማእኸል ሃገራትውን እንተ በተንኩዎም፥ ኣብቲ ዘዝመፅዎ ሃገራት ንቑሩብ ጊዜ መቕደስ ክኾኖም እየ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።
17ስለዙይ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ካብቶም ህዝብታት ክእክበኩም፥ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዘለኹም ሃገራት ከዓ ኽኣኻኽበኩም፥ ንምድሪ እስራኤልውን ክህበኩም እየ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም። 18ናብኣ ኸዓ ኽመፁ እዮም፤ ኵሉ እቲ ኣብኣ ዘሎ ፅዩፍ ነገራን ኵሉ ርኽሰትን ድማ ኻብኣ ኸርሕቕዎ እዮም። 19-20ብትእዛዛተይ ምእንቲ ኽመላለሱ፥ ንፍርደይ ከዓ ኽሕልዉን ክገብርዎን፥ ሓደ ልቢ ኽህቦም፥ ሓድሽ መንፈስውን ኣብ ውሽጦም ከሕድረሎም እየ፤ ካብ ስጋኦም ናይ እምኒ ልቢ ኸውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኽውን እየ። #ሕዝ. 36፡28። 21ግናኸ እቶም፥ ልቦም ንልቢ እቶም ፍንፉናት ነገሮምን ርኽሰቶምን ዝስዕብስ፥ መንገዶም ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
22ሽዑ እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣልዓሉ፤ እቲ መንኰራዅር ከዓ ኣብ ጐኖም ነበረ፤ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ድማ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረ። 23ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ማእኸል እታ ኸተማ ተልዓለ እሞ ኣብ ልዕሊ እቲ ብወገን ምብራቕ እታ ኸተማ ዘሎ እምባ ቖመ። #ሕዝ. 43፡2-5። 24መንፈስ ድማ ኣልዓለኒ፤ በቲ መንፈስ ኣምላኽ ከዓ ብራእይ ናብ ምድሪ ከለዳውያን፥ ናብቶም ምሩኻት ወሰደኒ፤ እቲ ዝሪኦ ዝነበርኩ ራእይ ድማ ኻብ ቅድመይ ተሰወረ። 25ኣነ ኸዓ እቲ እግዚኣብሄር ዘርአየኒ፥ ኵሉ ቓላት ነቶም ምሩኻት ነገርክዎም።

Currently Selected:

ሕዝቅኤል 11: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in