ዘፀኣት 8
8
ካልኣይ መቕሰፍቲ
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ ፈርዖን ኬድካ ‘ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም። 2እንተ ዘይሰዲድካዮም ግና፥ እንሆ ኣነ ንዅላ ሃገርካ ብመቕሰፍቲ ጭንቍራዕ ክወቕዓ እየ። 3እቲ ሩባ ድማ ብጭንቍራዕ ፈኽፈኽ ክብል እዩ። ካብቲ ሩባ ወፂአን ድማ ናብ ቤትካን ናብ መደቀሲኻን ናብ ዓራትካን ናብ ቤት መኳንንትኻን ናብ ህዝብኻን ናብ እቶናትካን ናብ ንፅባኻን ኽኣትዋ እየን። 4ናባኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኵሎም መኳንንትኻን ጭንቍራዕ ክድይባኹም እየን’ በሎ።”
5እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንኣሮን፥ ‘በትርኻ ሒዝካ ናብ ልዕሊ ወሓይዝትን መስኖታትን ቀላያትን፥ ኢድካ ዘርግሕ፤ ንሃገር ግብፂ ድማ ጭንቍራዕ ከም ዝመልኦ ግበር’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
6ኣሮን ከዓ ናብ ልዕሊ ማያት ግብፂ ኢዱ ዘርግሐ፤ እተን ጭንቍራዓት ድማ ወፂአን ንምድሪ ግብፂ ኸደናኦ። 7እቶም ኣስማተኛታት ከዓ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ናብ ምድሪ ግብፂውን ጭንቍራዓት ኣውፅኡ።
8ሽዑ ፈርዖን ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ “ካባይን ካብ ህዝበይን ጭንቍራዕ ከርሕቐለይ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ። ኣነ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ኸይዱ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ መስዋእቲ ኸቕርብ ክሰዶ እየ” በሎም።
9 #
ሉቃ. 11፡20። ሙሴ ኸዓ ንፈርዖን “ሽዑ እተን ጭንቍራዓት ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ክጠፍኣ፥ ኣብ ሩባ ጥራሕውን ምእንቲ ኽውሰና፥ ምእንታኻን ምእንቲ መኳንንትኻን ምእንቲ ህዝብኻን ንመኣዝ ከም ዝፅልየልካ ኣፍልጠኒ” በሎ።
10ፈርዖን ከዓ “ንፅባሕ” በሎ።
ሙሴ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመስሎ ኸቶ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን። 11እተን ጭንቍራዓት ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ካብ መኳንንትኻን ካብ ህዝብኻን ክርሕቓ፥ ኣብቲ ሩባ ጥራሕውን ክውሰና እየን” በሎ።
12ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኻብ ፈርዖን ወፁ። ሙሴ ድማ ብዛዕባ እተን ናብ ፈርዖን ዘምፅአን ጭንቍራዓት ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። 13እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ሙሴ ዝለመኖ ገበረ። እተን ኣብ ኣባይትን ኣብ ቅፅርን ኣብ በረኻን ዝነበራ ጭንቍራዓት ሞታ። 14እናኣከቡ ድማ ዀመርወን። እታ ምድሪ ኸዓ ጨነወት። 15ፈርዖን ግና እቲ መዓት ከም ዝሃድአ ምስ ረአየ፥ ልቡ ኣትረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
ሳልሳይ መቕሰፍቲ
16እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንኣሮን፥ ‘በትርኻ ዘርግሕ፤ ነቲ ሓመድ ምድሪ ውቕዓዮ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ቓርማ ክኸውን እዩ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ። 17ከምኡ ኸዓ ገበሩ። ኣሮን ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ሓመድ ብበትሩ ወቕዖ፤ ንሰብን ንኸብትን ድማ ቃርማ ወረሮ። 18እቶም ጠንቈልቲ ድማ ብስራዮም ቃርማ ኸውፅኡ ፈተኑ፤ ግና ኣይከኣሉን፤ እቲ ቃርማውን ንሰብን ንኸፍትን ወረሮ።
19እቶም ኣስማተኛታት ድማ ንፈርዖን “እዙይስ ኣፃብዕቲ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ፤ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎውን ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
ራብዓይ መቕሰፍቲ
20እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣንጊህኻ ተስእ፤ ፈርዖን ናብ ማይ እንትወርድ ኣብ ቅድሚኡ ደው በል። እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ኸገልግለኒ ንህዝበይ ክኸይድ ስደድ። 21ንህዝበይ እንተ ዘይሰዲድካዮ ግና እንሆ ናባኻን ናብ መኳንንትኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣባይትኻን ዕስለ ፅንፅያ ኸልቢ ኽሰድድ እየ። ኣባይቲ ግብፃውያንን እታ ዝነብሩላ ምድርን ከዓ ብዕስለ ፅንፅያ ኽመልኣ እየን በሎ።
22“በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ዘለኹ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ነታ ህዝበይ ዝነብሩላ ምድሪ ጌሴም ክፈልያ እየ፤ ዕስለ ፅንፅያ ዘይብላውን ክገብራ እየ። 23ኣብ መንጎ ህዝበይን ህዝብኻን ፍልልይ ክገብር እየ። እዝ ምልክት እዙይ ፅባሕ ክኸውን እዩ ይብል ኣሎ ድማ በሎ።”
24እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ። ናብ ቤት ፈርዖንን ናብ ቤት ኣገልገልቱን ኣብ ኵሉ ሃገር ግብፂ፥ ብዙሕ ዕስለ ፅንፅያ ወረረ። እታ ምድሪ ድማ ብፅንፅያ ተበላሸወት።
25ሽዑ እቲ ንጉስ ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ “ኪዱ፥ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዄንኩም ንኣምላኽኩም መስዋእቲ ሰውኡ” በሎም።
26ሙሴ ግና “እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እነቕርቦ መስዋእቲ ንግብፃውያን ርኽሰት እዩ፤ ስለዙይ ኣብዙይ ክንስውእ ግቡእ ኣይኮነን። እቲ ንግብፃውያን ርኽሰት ዝኾነ ኣብ ቅድሚኣቶም እንተ ሰዋእና ብእምኒ ቐጥቂጦምዶ ኣይቐትሉናን? 27ከምቲ እግዚኣብሄር ዝእዝዘና ዘሎ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውእስ፥ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ኽንከይድ ኢና” በሎ።
28ፈርዖን ከዓ “ኣርሒቕኩም ደኣ ኣይትኺዱ እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ በረኻ ኽትስውኡሉ ኽትከዱ ኽሰደኩም እየ፤ ሕዚ ግና ፀልዩለይ” በሎም።
29ሙሴ ኸዓ “እንሆ ኻባኻ ውፅእ ምስ በልኩ ናብ እግዚኣብሄር ክፅሊ እየ፤ እቲ ፅንፅያ ኸልቢውን ኻባኻን ካብ መኳንንትኻን ካብ ህዝብኻን ፅባሕ ከግልስ እዩ። ንስኻ ግና ነቲ ህዝቢ፥ ንእግዚኣብሄር ክስውእ ምስዳድ ከይትኣቢ፤ መሊስካ ኸዓ ኸይተዐሽወና” በሎ።
30ሙሴ ኸዓ ኻብ ፈርዖን ወፂኡ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። 31እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ሙሴ ዝለመኖ ገበረ፤ ነቲ ፅንፅያ ኸልቢ ኸዓ፥ ካብ ፈርዖንን ካብ ኣገልገልቱን ካብ ህዝቡን ኣርሓቐ። ፅንፅያ ኸልቢ ዝብልዎ ድማ ጠፍአ። 32ሕዚ እውን ፈርዖን ልቡ ኣትረረ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ኣይሰደዶምን።
Currently Selected:
ዘፀኣት 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in