YouVersion Logo
Search Icon

ዘፀኣት 32

32
ካብ ወርቂ ዝተሰርሐ ምስሊ ምራኽ
(ዘዳ. 9፡6-29)
1እቶም ህዝቢ፥ ሙሴ ኻብ እምባ እንተይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረአዩ፥ ተኣኪቦም ናብ ኣሮን ከዱ እሞ “ነዝ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ ተስእ፤ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ኸዓ ግበረልና” በልዎ። #ግ.ሓ. 7፡40።
2ኣሮን ድማ “እቲ ኣብ ኣእዛን ኣንስትኹምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ዘሎ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ቐለበታት ኣኪብኩም ኣምፅኡለይ” በሎም። 3ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐለበታት ወርቂ ኣኪቦም፥ ናብ ኣሮን ኣምፅእዎ። 4ንሱ ኸዓ ነቲ ቐለበታት ተቐቢሉ ኣምከኾ፤ ኣፍሲሱ ድማ ምስሊ ምራኽ ገበሮ። ንሱ ድማ “ኦ እስራኤል! ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም” በሎም። #1 ነገ. 12፡28፥ ግ.ሓ. 7፡41።
5ኣሮን እዙይ ምስ ረአየ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ምራኽ መሰውኢ ሰርሐ፤ “ፅባሕ ናይ እግዚኣብሄር በዓል እዩ” ኢሉ ድማ ኣወጀ። 6ንፅባሒቱ እቶም ህዝቢ ኣንጊሆም ተሲኦም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ፤ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረቡ። ክበልዑን ክሰትዩን ተቐመጡ፤ ክደርፉውን ተስኡ። #1 ቆሮ. 10፡7።
7ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እዞም ካብ ግብፂ ዘውፃእኻዮም ህዝብኻ፥ ሓጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፥ ኪድ ውረድ። 8ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መንገዲ ቐልጢፎም ኣግለሱ። ካብ ወርቂ ፍሲ፥ ምስሊ ምራኽ ገይሮም ከዓ ሰገዱሉን ሰውኡሉን፤ ‘ኦ እስራኤል! እቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም’ ድማ በሉ” ኢሉ ተናገሮ።
9እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ኣነ ነዝ ህዝቢ እዙይ ሪአዮ ኣለኹ፤ እንሆ ተሪር ዝኽሳዱ ህዝቢ እዩ። 10ሕዚ ቝጥዓይ ኣብኣቶም ክነድድ እሞ፥ ከጥፍኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ግና ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ” በሎ።
11ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር! ስለ ምንታይ ቍጥዓኻ ኣብዝ ብዓብዪ ሓይልን ብፅንዕቲ ኢድን፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብኻ ዝነድድ? 12ስለ ምንታይከ ግብፃውያን ‘ኣብ እምባታት ምእንቲ ኽቐትሎም፥ ካብ ገፅ ምድሪ እውን ፈፂሙ ምእንቲ ኸጥፍኦም እዩ ዘውፅኦም’ ኢሎም ዝዛረቡ? ካብቲ ብርቱዕ ቝጥዓኻ ደኣ ተመለስ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ኽተውርዶ ዝሓሰብካዮ መዓት ድማ ተመለስ። 13‘ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ። ነታ ኽህቦም ዘተስፈኽዋ ምድሪ ድማ ብምልእታ ንዘርእኹም ክህባ እየ። ንሳቶም ከዓ ንዘለኣለም ርስቶም ክገብርዋ እዮም’ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ባሮትካ ዘክር።” #ዘፍ. 22፡16-17፥ 17፡8። 14እግዚኣብሄር ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኽገብሮ ኢሉ ንሙሴ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቝጥዓኡ ተመለሰ።
15ሙሴ ድማ ተመሊሱ፥ ነተን ክልተ ፅላት ኪዳን ሒዙ ኻብቲ እምባ ወረደ። ንሳተን ብኽልቲኡ ገፀን፥ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ዝተፅሓፋ ነበራ። 16እተን ፅላት ድማ ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ ነበራ፤ ኣብተን ፅላት ዝተቐርፀ ፅሕፈት ከዓ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፅሓፈ ነበረ።
17ኢያሱ ድማ እቶም ህዝቢ ክዕልሉን ዋዕ ዋዕ ክብሉን ምስ ሰምዐ፥ ንሙሴ “ኣብቲ ሰፈር ድምፂ ውግእ ይስማዕ ኣሎ” በሎ።
18ሙሴ ኸዓ “እዙይ፥ ድምፂ ዝሰዓሩ ኣይኮነን፥ ድምፂ ዝተስዓሩውን ኣይኮነን፤ ኣነ ድምፂ ደርፊ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ” በለ።
19ሙሴ ናብቲ ሰፈር ምስ ቀረበ፥ ነቲ ምራኽን ነቲ ስዕስዒትን ሪኡ፥ ቍጥዓኡ ነደደ እሞ፥ ነተን ፅላት ካብ ኢዱ ደርበየን፤ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ኸዓ ሰበረን። 20ነቲ ዝገበርዎ ምስሊ ምራኽ ድማ ወሲዱ ብሓዊ ኣንደዶ እሞ፥ ጥሒኑ ኣድከሞ፤ ኣብ ማይ ነስኒሱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ኣስተዮም።
21ሙሴ ንኣሮን “እዝ ዓብዪ ሓጢኣት ዘምፃእኻሉስ፥ እዝ ህዝቢ እዙይ እንታይ ገበረካ?” በሎ።
22ኣሮን ከዓ “ጐይታይ፥ ቍጥዓኻ ኣባይ ኣይንደድ፤ እዝ ህዝቢ እዙይ ክፉእ ምዃኑ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። 23‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፥ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና’ በሉኒ። 24ኣነ ድማ ‘ወርቂ ዘለዎ ኣውፂኡ ይሃበኒ’ በልክዎም። ንሳቶም ከዓ ሃቡኒ፤ ኣነ ድማ ናብ ሓዊ ደርበኽዎ፤ እዝ ምራኽ እዙይ ከዓ ወፀ።”
25እቲ ህዝቢ ኸም ዝዓበደ፥ ኣሮን ነቶም ህዝቢ ስዲ ኸም ዝሓደጎም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ከዓ ኸም ዝተነወሩ ሙሴ ረአየ። 26ሽዑ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሰፈር ደው ኢሉ “ናይ እግዚኣብሄር ዝኾነ ዅሉ ናባይ ይምፃእ” በለ። ኵሎም ደቂ ሌዊ ኸዓ ናብኡ ተኣከቡ።
27ንሱ ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነፍሲ ወከፍ ሰይፉ ኣብ ሕቘኡ ይዕጠቕ። ካብ በሪ ናብ በሪ ኸዓ ኣብዝ ሰፈር ተመላለሱ፤ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፥ ንፈታዊኡ፥ ንጐረቤቱ ይቕተል’ ” በሎም። 28ደቂ ሌዊ ድማ ኸምቲ ሙሴ ዝበሎም ገበሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብቲ ህዝቢ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰባት ሞቱ። 29ሙሴ ድማ “ሎሚ በረከት ምእንቲ ኽወሃበኩም ብደቅኹምን በሕዋትኩምን ኣእዳውኩም ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ግበሩ” በሎም።
30ብፅባሒቱ ሙሴ ነቶም ህዝቢ “ንስኻትኩም ዓብዪ ሓጢኣት ገበርኩም። ሕዚ ኸዓ፥ ምናልባሽ ስርየት ሓጢኣት እንተ ረኸብኩልኩም፥ ናብ እግዚኣብሄር ክድይብ እየ” በሎም። 31ድሕሪዙይ ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ “ኣየ! እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብወርቂ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ንኣኣቶም ብምግባር፥ ዓብዪ ሓጢኣት ገበሩ። 32ሕዚ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፤ እንተ ዘይኮነ ኻብቲ ዝፀሓፍካኒ መፅሓፍካ ደምስሰኒ” በለ። #መዝ. 69፡29፥ ራእይ 3፡5።
33እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣነ ነቲ ዝበደለኒ እየ ኻብ መፅሓፈይ ዝድምስሶ። 34ሕዚ ኸዓ ኺድ እሞ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ናብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፥ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ። ኣነ ግና እቲ ዝቕፅዑሉ ጊዜ እንትበፅሕ፥ ብሓጢኣቶም ክቐፅዖም እየ” በሎ።
35ኣሮን ንዝሰርሖ ምራኽ ስለ ዝሰርሑ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ቐሰፎም።

Currently Selected:

ዘፀኣት 32: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in