ዘፀኣት 31
31
ሃነፅቲ ድንኳን መቕደስ
(ዘፀ. 35፡30-35፥ 36፡1)
1እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 2“እንሆ፥ ኣነ ነቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ባስልኤል፥ ወዲ ኡሪ፥ ወዲ ሆር፥ ሓርየዮ ኣለኹ። 3ኵሉ ስራሕ ምእንቲ ክኽእል ብመንፈሰይ መሊአዮ ኣለኹ። ኵሉ ዓይነት ስራሕ ዘኽእሎ ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን ሂበዮ ኣለኹ። 4ንሱ ኸዓ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ገይሩ ስራሕ ጥበብ ዝሰርሕን፥ 5ክቡር እምኒ ቐሪፁ ዝስኵዕን፥ ዕንፀይቲ ዝፀርብን፥ ኵሉ ዓይነት ስራሕ ጥበብ ዝገብርን ክኸውን እዩ። 6እንሆ ኸዓ፥ ነቲ ኻብ ነገድ ዳን ዝኾነ ኤልያብ ወዲ ኣሒሳማክ፥ ንእኡ ኽሕግዞ መሪፀዮ ኣለኹ። ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ምእንቲ ኽገብሩ ኸዓ፥ ንዅሎም ብልሓተኛታት ጥበብ ሂበዮም ኣለኹ። 7ነቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ነቲ ታቦት ኪዳን ምስቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መኽደንን፥ ንዅሉ ኣቑሑ ድንኳንን፥ 8ነቲ ጠረጴዛን ኣቑሑኡን፥ ነቲ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲልን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ መሰውኢ ዕጣንን፥ 9ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውእን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ ሸሓነ ምስ ኣጋሮኡን፥ 10ነቲ ኣልባስ ኣገልግሎትን፥ ነቲ ኻህን ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ከገልግሉ እንተለዉ ዝለብስዎ ቅዱስ ኣልባስን፥ 11ነቲ መቕብኢ ዝኸውን ዘይትን፥ ነቲ ንመቕደስ ዝኸውን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን፥ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ይግበርዎ።”
ብዛዕባ ሰንበት
12እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 13“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ሰንበታተይ ኣኽብሩ። ቀዳሲኹም ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እዚኣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ንውሉድ ወለዶኹም መለለዪ ትኹንኩም።
14“ንኣኻትኩም ቅድስቲ እያ እሞ፥ ንሰንበት ኣኽብርዋ። ንኣኣ ዘርከሰ ይቀተል፤ ኵሉ ብኣኣ ዝኾነ ስራሕ ዝሰርሐ ኸዓ ኻብ ህዝቡ ይወገድ። 15#ዘፀ. 20፡8-11፥ 23፡12፥ 34፡21፥ 35፡1፥ ዘሌ. 23፡3፥ ዘዳ. 5፡12-14። ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኻ ስራሕ፤ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት ዕረፍቲ እያ። ኵሉ ብመዓልቲ ሰንበት ስራሕ ዝሰርሕ ይቀተል። 16ደቂ እስራኤል ንውሉድ ወለዶኦም፥ ንዘለኣለም ዝፀንሕ ኪዳን ገይሮም እናብዓሉ ንሰንበት ይሓልዉ። 17ኣነ እግዚኣብሄር፥ ብሽዱሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ፈጠርኩ፤ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣዕረፍኩ። ስለዙይ ንሳ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን፥ ናይ ዘለኣለም መለለዪት እያ።” #ዘፀ. 20፡11።
18እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ በፃብዕቲ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፋ ኽልተ ፅላት እምኒ ሃቦ።
Currently Selected:
ዘፀኣት 31: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in