YouVersion Logo
Search Icon

ዘፀኣት 30

30
መሰውኢ ዕጣን
(ዘፀ. 37፡25-28)
1“ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ዕጣን እትዓጥነሉ መሰውኢ ግበር። 2ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ ኾይኑ፥ ምንዋሑ ሓደ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ ሓደ እመት ይኹን፤ ምብራኹ ድማ ኽልተ እመት ይኹን። ነቲ መሰውኢ ፀሪብካ ኸዓ ኣቕርንቲ ኣውፅአሉ። 3ብላዕላዩን ብዅሉ ወገኑን ምስ ኣቕርንቱ፥ ብፅሩይ ወርቂ ለብጦ። ነቲ ጠርዙ ድማ ብወርቂ ጌርካ ኽፈፎ። 4ብወርቂ ጌርካ ኽልተ ቐለበት ስራሕ፤ መፆሪ ምእንቲ ክኸውን ብኽልተ ጐድኑ ኣብ ትሕቲ እቲ መኽፈፊኡ ግበሮ። እወ፥ እቲ መፆሪ ኣብኡ ምእንቲ ኽኣቱ ኣብ ክልተ ወሰን ግበሮ። 5ነቲ መፆሪ ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ስርሓዮ፤ ብወርቂ ኸዓ ለብጦ። 6ነዝ መሰውኢ እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ቕድሚ ታቦት ኪዳን ተሰቒሉ ዘሎ መጋረጃ ኣንብሮ፤ ኣብቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከቦ መኽደን ታቦት ኣቐምጦ። ኣብኡ ኸዓ ኣነ ምሳኻ ኽራኸብ እየ።
7“ኣብኡ ኣሮን ንግሆ ንግሆ ቐናዲል ከዳሉ እንተሎ፥ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ይዕጠን። 8ኣጋ ምሸት ድማ ኣሮን ቀንዲል ከብርህ እንተሎ፥ ዕጣን ይዕጠን፤ ስለዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘየቋርፅ ዕጣን እናተከየ ኽነብር እዩ። 9ኣብዝ መሰውኢ እዙይ፥ ክልኩል ዝኾነ ዕጣን ወይ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተቕርቡሉ። መስዋእቲ መስተ ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ኣይተፍስሱ። 10ኣሮን ብደም እቲ ንስርየት ሓጢኣት ዝሕረድ እንስሳ ገይሩ ነቲ ኣቕርንቱ እናለኸየ ነቲ መሰውኢ ይቐድሶ። እዙይ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ዝግበር፥ ንውሉድ ወለዶ ዝኸውን እዩ። እዝ መሰውኢ እዙይ ንእግዚኣብሄር ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።”
ንድንኳን እግዚኣብሄር ዝወሃብ መባእ
11እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 12“ንደቂ እስራኤል ክትቈፅሮም እንተለኻ መቕሰፍቲ ኸይወርዶም፥ ነፍሲ ወከፍ ክቝፀር እንተሎ ቤዛ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ይሃብ። 13ዝተቘፀረ ዅሉ ብሚዛን መቕደስ ሽዱሽተ ግራም ብሩር ይኽፈል። እዝ ሽዱሽተ ግራም ብሩር ናባይ ዝቐርብ መባእ እዩ። #ዘፀ. 38፡25-26፥ ማቴ. 17፡24። 14ኵሎም እቶም ዝተቘፀሩ፥ ደቂ ዕስራ ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝኾኑ፥ ንእግዚኣብሄር መባእ ይሃቡ። 15ቤዛ ነፍስኹም ንእግዚኣብሄር መባእ ክትህቡ እንተለኹም፥ ሃብታም ካብ ሽዱሽተ ግራም ብሩር ኣየብዝሕ፥ ድኻውን ኣየውሕድ። 16ነቲ ቤዛ ነፍሲ ዝኽፈል ገንዘብ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ተቐቢልካ፥ ንኣገልግሎት እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣውዕሎ። እዝ ገንዘብ እዙይ ከዓ፥ ኣነ ምእንቲ ኽሕልዎም፥ ኣብ ቅድመይ ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ክኸውን እዩ።”
ብነሃስ ዝተሰርሐ ሸሓነ
17እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 18“ንመሕፀቢ ዝኸውን እግሪ ዘለዎ ሸሓነ፥ ብነሃስ ጌርካ ስራሕ። ኣብ መንጎ እቲ መራኸቢ ድንኳንን መሰውእን ኣንብሮ እሞ ማይ ግበረሉ። 19ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብእኡ ይተሓፀቡ። 20ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉ፥ ምእንቲ ኸይሞቱ ማይ ይተሓፀቡ። ንኣይ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሮም ከገልግሉኒ ናብቲ መሰውኢ ኽቐርቡ እንተለዉ፥ 21ምእንቲ ኸይሞቱ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ይተሓፀቡ። እዙይ ከዓ ንኣሮንን ንደቁን ንውሉድ ወለዶኦም ንዘለኣለም ዝነብር ስርዓት ይኹን።”
መቕብኢ ዝኸውን ዘይቲ
22እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 23“ነዝ ጥዑም ጨና ዘለዎ ቐመማት፥ ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ፈሳሲ ኸርበ፥ ፍርቂ ናይዙይ፥ ወይ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ፥ ሰለስተ ኺሎ ግራም ጥዑም ጨና ዘለዎ ቓንጫ ዶሪራ፥ 24ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ሳናመኪ፥ ኣርባዕተ ሊትሮ ዘይቲ ኣውሊዕ ውሰድ። 25ንእኡ ኸምቲ ኽኢላ ገባሪ ቅብኢ ዝገብሮ ጌርካ ጥዑም ዝጨናኡ፥ ዝተቐደሰ ዘይቲ ቕብኣት ግበር። ንሱ ዝተቐደሰ ዘይቲ ቕብኣት ይኸውን። 26ሽዑ ብእኡ ጌርካ ነቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ንታቦት ኪዳን፥ 27ንጠረጴዛ፥ ነቲ ኣብ ጠረጴዛ ዘሎ ኣቑሑ፥ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ መሳርሒኡ፥ ንመሰውኢ ዕጣን፥ 28ንመሰውኢ ናይቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ምስ ኣቑሑኡ፥ ነቲ ሸሓነን ኣጋሮኡን ቅባእ። 29ነዝ ዅሉ ቐድሶ እሞ፥ ኵሉ ቅዱሰ ቅዱሳን ክኸውን እዩ። ዝነኽኦ ዅሉ ኸዓ ኽቕደስ እዩ።
30“ንኣሮንን ንደቁን ድማ ኻህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ ቕብኣዮምን ቀድሶምን። 31ንደቂ እስራኤል ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ዝተቐደሰ ዘይቲ ቕብኣት ይኹነለይ። 32ኣብ ኣካላት ዝኾነ ሰብ ኣይፍሰስ፤ በቲ ናቱ ኣቃምማ ዝተዳለወ ኻልእ ዘይትውን ኣይትግበሩ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፥ ንኣኻትኩም ከዓ ቅዱስ ይኹን። 33እቲ ኸምኡ ዝበለ ቕብኢ ዝገበረን፥ እቲ ኻህን ንዘይኮነ ኻልእ ሰብ ካብኡ ዝለኸየን፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ።”
ዕጣን
34እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ጥዑም ጨና ዘለዎም ቀመማት፦ ከርበን ሰሊሆትን ከልበኔን፥ ፅሩይ ዕጣንን በብዓይነቱ ማዕረ ማዕረ ኸም ዝኸውን ጌርካ ውሰድ። 35ንእኡ ድማ ኸምቲ ኽኢላ ቐማማይ ዝገብሮ ጌርካ፥ ጨው ዝኣተዎ ፅሩይ፥ ቅዱስ፥ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ግበሮ። 36ካብኡ ኣድኪምካ ውቐጦ እሞ፥ ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣንብሮ። እዙይ ንኣኻትኩም ቅዱሰ ቅዱሳን ይኹን። 37በዝ ኣቃምማ እዙይ ዝተዳለወ ዕጣን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ። ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኹነልኩም። 38ንኸምዙይ ዝመሰለ ኽዕጠኖ ኢሉ ኸምኡ ዝበለ ዕጣን ዝገብር ካብ ህዝቡ ይወገድ።” #ዘፀ. 37፡29።

Currently Selected:

ዘፀኣት 30: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in