ዘፀኣት 28
28
ልብሲ ካህናት
(ዘፀ. 39፡1-7)
1“ንስኻ ኸዓ ንሓውካ ኣሮንን፥ ንደቁ ናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን፥ ካህናት ኮይኖም ከገልግሉኒ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ፈሊኻ ናባኻ ኣቕርቦም። 2ንኣሮን ሓውካ ድማ፥ ክቡርን ዘጌፀን ቅዱሳት ኣልባሳት ግበረሉ። 3ንስኻ ኸዓ ነቶም መንፈስ ጥበብ ዝመላእኽዎም ክኢላታት ዝኾኑ ሰባት ኵሎም፥ ኣሮን ብኽህነት ከገልግለኒ ንኣሮን ኣልባሳት ክገብሩሉ ንገሮም። 4እቲ ዝገብርዎ ኣልባሳት ከዓ፥ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኤፉድ፥ ቀሚሽ ላዕሊ፥ ዝተጠልፈ ቐሚሽ ውሽጢ፥ መጠምጠምያ፥ ቅናት እዩ። ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ፥ እዝ ቅዱስ ኣልባሳት እዙይ ይግበሩሎም። 5ብሰማያዊ፥ ብሓምራዊ፥ ብውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን፥ ብወርቅን፥ ገይሮም ከዓ ይስርሕዎ።
ኤፉድ
6“ነቲ ኤፉድ፥ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ብወርቅን ብሃርን ገይሮም ብብልሓት ይግበርዎ። 7ብመንኰብ ሓሊፉ ዝጋጠም፥ ኣብ ክልተ ጫፉ ዝለገበ ኽልተ መንጠልጠሊ ይሃልዎ። 8እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ዝዕጠቑሉ ቕናት ከዓ፥ ምስኡ ብሓደ ዝተላገበ፥ ሓደ ዓይነት ዝስርሓቱ፥ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብወርቅን ብዝተፍሓሰ ሃርን ይኹን።
9“ክልተ እምኒ መረግድ ውሰድ እሞ፥ ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቂ ያእቆብ ስም ቅረፀሉ። 10ከከም ኣወላልዳኣቶም ጌርካ፥ ናይቶም ሽዱሽተ ስም ኣብ ሓደ እምኒ፥ ናይቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ስም ድማ ኣብ ሓደ እምኒ ቕረፆ። 11ከምቲ ቐራፅ እምኒ፥ ማሕተም ክቐርፅ እንተሎ ዝገብሮ ጌርካ፥ ኣብ ክልቲኡ እምኒ፥ ስም ደቂ ያእቆብ ቅረፅ። ነቲ እምኒ ኽሕዞ ኸዓ ብወርቂ ዝተሰርሐ ትንጎ ኣብ ዙርያኡ ግበረሉ። 12ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል መዘከርታ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ ኽልተ ኣእማን፥ ኣብቲ መንኰብ ኤፉድ ግበሮ። ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽዝክሮም ድማ ኣሮን ንስማቶም ይፁሮ። 13ብወርቂ ዝተሰርሐ ትንጎ ግበር። 14ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ፥ ከም ገመድ ዝተፍሓሰ ኽልተ ሰንሰለት ግበር። ነቲ ዝተፍሓሰ ሰንሰለት ምስቲ ትንጎ ኣላግቦ።
ሳንቃ ኣፍ ልቢ
(ዘፀ. 39፡8-21)
15“ብብልሓት ዝተገብረ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር መፍለጢ ዝኸውን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበር። ከም ስርሓት ኤፉድ ጌርካ፥ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብወርቅን ብዝተፍሓሰ ሃርን ስርሓዮ። 16ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ድርብ ይኹን። ምንዋሑ ስድሪ፥ ወርዱ ኸዓ ስድሪ ይኹን። 17ዝዛነቕ ጌርካ ኣርባዕተ ዝመስርዑ ኽቡር ኣእማን ኣልግበሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ሰርድዮን ቶጳዝዮን፥ ቢረሌ። 18ኣብ ካልኣይ መስርዕ፥ መረግድ፥ ሰንፔር፥ ኣልማዝ። 19ኣብ ሳልሳይ መስርዕ፥ ያክንት፥ ኬልቄዶን፥ ኣሜቴስጢኖስ። 20ኣብ ራብዓይ መስርዕ፥ ክርስቲሎቤ፥ ኦኒክስ፥ ኢያሰጲድ። ነዝ ዅሉ ብትንጎ ወርቂ ኣብ ዝተሰርሐ ስዅዓዮ። 21እቲ ኣእማን ድማ፥ ብቝፅሪ ስም ደቂ ያእቆብ፥ ዓሰርተ ኽልተ ይኹን። ስም ናይ ነፍሲ ወከፍ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ ከዓ፥ ኣብቲ ኣእማን ከም ቅርፂ ማሕተም ይፀሓፍ።
22“ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ፥ ዝተተነጐ ሰንሰለታት ግበረሉ። 23ከምኡ ድማ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ክልተ ቐለበት ወርቂ ግበረሉ። ነቲ ኽልተ ቐለበት ከዓ፥ ኣብ ክልተ መኣዝን ናይቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። 24ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ፥ ክልተ ዝተተነጐ ሰንሰለት ከዓ፥ ኣብቲ ኣብ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለበት እሰሮ። 25ነቲ ኽልተ ኻልእ ጫፍ ከዓ፥ ምስ ክልቲኡ ትንጎ ወርቂ ኣተሓሒዝካ፥ ኣብቲ ኤፉድ ኣብ መንኰብ ዝንጥልጠለሉ፥ ብወገን ቅድሚት እሰሮ። 26ብወርቂ ጌርካ ድማ ኽልተ ቐለበት ስራሕ፤ ኣብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ናብ ወገን ኤፉድ ዘሎ ውሽጣዊ ጠርዚ እሰሮ። 27ብወርቂ ጌርካ ኽልተ ቐለበት ስራሕ፤ ኣብቲ ኤፉድ ብኽልተ ወገኑ፥ ብታሕቲ ዝእሰረሉ ብወገን ቅድሚት፥ ኣብ ጥቓ እቲ መገጣጠሚኡ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቕናት ኤፉድ እሰሮ። 28እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኣብቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቕናት ኤፉድ ክለግብ እምበር፥ ምእንቲ ኻብቲ ኤፉድ ከይፍለ፥ ነቲ ቐለበታት ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ምስቲ ቐለበታት ኤፉድ ብሰማያዊ ፍሕሶ እሰሮ።
29“ኣሮን ናብ መቕደስ ክኣቱ እንተሎ፥ ነቲ ስም ደቂ ያእቆብ ኣብኡ ተቐሪፁ ዘሎ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ይፁሮ። ኣነ እግዚኣብሄር ድማ ንህዝበይ ኵልሻዕ ክዝክሮም እየ። 30ነቲ ኡሪምን ቱሚምን ወሲድካ ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። ኣሮን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክኣቱ እንተሎ ኸዓ፥ ኣብ ኣፍ ልቡ ይፁሮ፤ ኣሮን ድማ ንፍርዲ ደቂ እስራኤል ኵልሻዕ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይፁሮ። #ዘሑ. 27፡21፥ ዘዳ. 33፡8፥ እዝራ 2፡63፥ ነህ. 7፡65።
ስለ ኻልእ ልብሲ ካህናት
(ዘፀ. 39፡22-31)
31“ነቲ ናይ ኤፉድ ቐሚሽ ላዕሊ ኸዓ፥ ኵለንትናኡ ሰማያዊ ግበሮ። 32ኣብ ማእኸሉ ድማ ንርእሲ ዘሕልፍ ኣፍ ይሃልዎ። እቲ ኣፍ ምእንቲ ኸይቕደድ፥ ኣብ ዙርያኡ ተኸቢሱ ዝተኣልመ ናይ ክሳድ ይሃልዎ። 33ኣብ ዙርያ ታሕተዋይ ዘፈሩ ኸዓ፥ ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕን ዝኾነ ሮማን ግበረሉ። ኣብ መንጎ እተን ሮማን ድማ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ቓጭላት ግበረሉ። 34ኣብ ዙርያ እቲ ዘፈር ቀሚሽ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ቓጭልን ሮማንን እናዛነቕካ፥ ሓደ ድሕሪ ሓደ ግበሮ። 35ኣሮን ብኽህነት ከገልግል እንተሎ፥ ይከደኖ። ኣብ ቅድመይ ናብ መቕደስ ክኣቱን ክወፅእን እንተሎ ድምፂ ናይተን ቃጭላት ክስማዕ እዩ። ስለዙይ እውን ኣይመውትን እዩ።
36“ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ ድማ ሓደ ገይፂ ግበር። ኣብኡ ኸዓ ኸም ቅርፂ ማሕተም ጌርካ፥ ‘ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ’ ዝብል ፀሓፈሉ። 37ብሰማያዊ ፍሕሶ ጌርካ፥ ኣብ መጠምጠምያ ኣልግቦ። ኣብቲ መጠምጠምያ ኸዓ፥ ብወገን ቅድሚት ግበሮ። 38ነዙይ ኣብ ግምባር ኣሮን ግበሮ። ኣሮን ድማ ነቲ ደቂ እስራኤል፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ውህብቶ ዅሉ ኸቕርቡ እንተለዉ ዝገብርዎ በደል ይፁር። ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽቕበሎም ከዓ ዅልሻዕ ኣብ ግምባሩ ይፁሮ።
39“ብሃሪ ዝተኣልመ ቐሚሽ ውሽጢ ግበር። ብሃሪ ድማ መጠምጠምያ ግበር። ዝተጠልፈ ቕናት እውን ግበር። 40ንደቂ ኣሮን ድማ ቐማውሽ ግበረሎም፤ ቅናውቲውን ግበረሎም፤ ክቡርን ምልኩዕን መጠምጠምያ እውን ግበረሎም። 41በዝ ኽዳውንቲ እዙይ፥ ንኣሮን ሓውካን ንደቁን ክደኖም፤ ብዘይትውን ቅብኣዮም፤ መዓርግ ክህነት ድማ ሃቦም፤ ብኽህነት ምእንቲ ኸገልግሉኒ ኸዓ ቐድሶም።
42“ብሃሪ ጌርካ ንሕፍረቶም ዝኸድን ናይ በፍታ ስረ ግበረሎም። እዙይ ካብ ሕቘኦም ክሳዕ ብርኮም ዝበፅሕ ይኹን። 43ኣሮንን ደቁን ከይብድሉ እሞ ኸይሞቱ፥ ናብታ ኣነ ዝርከበላ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉ፥ ወይ ኣብ መቕደስ ከገልግሉ ናብ መሰውኢ ኽቐርቡ እንተለዉ ይተዓጠቕዎ።
“እዙይ ንኣሮንን ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡን ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹን።
Currently Selected:
ዘፀኣት 28: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: