ዘፀኣት 25
25
ናብ ቤተ መቕደስ ዝቐርብ መባእ
(ዘፀ. 35፡4-9)
1እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2“ንደቂ እስራኤል መባእ ከምፅኡለይ ንገሮም፤ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብልቡ ፈትዩ ዘምፅአለይ መባእ ከዓ ተቐበሉ። 3እቲ ኻብኣቶም እትቕበልዎ መባእ ድማ ወርቂ፥ ብሩር፥ ነሃስ፥ 4ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ዓለባን፥ ቀጭን ሃሪ፥ ብፀጕሪ ጤል ዝተሰርሐ ዓለባ፥ 5ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉ፥ ልስሉስ ቈራብቲ፥ ዕንፀይቲ ሰራው፥ 6ንቐንዲል ዝኸውን ዘይቲ፥ ንመቕብኢ ዝኸውን ዘይትን ንጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣን ዝኸውን ቀመማትን፥ 7ኣእማን ዕንቊ፥ ኣብ ኤፉድን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልብን ተዛኒቑ ዝስኳዕ ክቡር ኣእማንን እዩ።
8“ኣነ ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቕደስ ይግበሩለይ። 9ነቲ ድንኳንን ነቲ ኣቑሑኡን ከምቲ ኣነ ዘርእየካ ጌርካ ስርሓዮ።
ብዛዕባ ታቦት
(ዘፀ. 37፡1-9)
10“ሰራው ካብ ዝበሃል ኦም፥ ታቦት ስራሕ፤ ምንዋሑ ኽልተ እመትን ፈረቓን፥ ምግፋሑ እመትን ፈረቓን፥ ምብራኹ ድማ እመትን ፈረቓን ይኹን። 11ብፅሩይ ወርቂ ኸዓ ለብጦ፥ ውሽጡን ደገኡን ለብጦ። ላዕላዩ ኸዓ ብዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ። 12ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሲስካ ድማ ኽልተ ቐለበት ብሓደ ገፁ፥ ክልተ ቐለበት ከዓ ብኻልኣይ ገፁ፥ ኣብ ኣርባዕተ እግሩ ግበረሉ። 13ብዕንፀይቲ ሰራው መፆሪ ግበር፤ ብወርቂ ድማ ለብጦ። 14እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኽፅወር ነቲ መፆሪ ናብቶም ኣብ ጐኒ ታቦት ዘለዉ ቐለበታት ኣእትዎ። 15እቲ መፆሪ ኣብቲ ቐለበታት ታቦት ይቀመጥ እምበር፥ ካብኡ ኣይውፃእ። 16ነቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር፥ ኣብቲ ውሽጢ ታቦት ክተንብሮ ኢኻ።
17 #
ዕብ. 9፡5። “ምንዋሑ ኽልተ እመትን ፈረቓን፥ ምግፋሑ ኸዓ እመትን ፈረቓን ዝኾነ፥ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ መኽደን ግበረሉ። 18ወርቂ ቐጥቂጥካ ኽልተ ኪሩቤል ስራሕ፤ ኣብ ክልተ ወሰን እቲ መኽደን ድማ ግበሮም። 19ሓደ ኪሩቤል ኣብ ሓደ ወሰን፥ ካልኣይ ኪሩቤል ከዓ ኣብቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም። ምስቲ መኽደን ኣላጊብካ፥ ብኽልተ ወሰኑ ግበሮም። 20እቶም ኪሩቤል ከዓ ንስንሳቶም ገፅ ንገፅ እናተረኣኣዩ ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ይዘርግሑ፤ ነቲ መኽደን ድማ በኽናፎም ይጋርድዎ። ገፅ እቶም ኪሩቤል ናብቲ መኽደን ይጠምት። 21ነቲ መኽደን ከዓ ኣብ ልዕሊ ታቦት ግበሮ። ነቲ ኣነ ዝህበካ ፅላት ከዓ ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ። 22ኣብኡ ድማ ንኣኻ ኽግለፀልካ እየ፤ ካብቲ መኽደን፥ ካብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ናይ ቃል ኪዳን ታቦት ዘለዉ ኽልተ ኪሩቤል፥ ኵሉ እቲ ንደቂ እስራኤል ዝኸውን ትእዛዝ ክህበካ እየ።
ጠረጴዛ ሕብስቲ ቝርባን
(ዘፀ. 37፡10-16)
23“ምንዋሑ ኽልተ እመት፥ ምስፋሑ ኸዓ ሓደ እመት፥ ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ዝኾነ ጠረጴዛ ብዕንፀይቲ ሰራው ስራሕ። 24ብፅሩይ ወርቂ ለብጦ፤ ብዙርያኡ ኸዓ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ። 25ኣብ ዙርያኡ ድማ ግናዕ ዝምግፋሑ ኽባስ ግበረሉ፤ ነቲ ኽባስ ከዓ ኣብ ዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ። 26ነቲ ጠረጴዛ ዝኸውን ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ድማ ግበር፤ ነቲ ቐለበታት ከዓ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዎ ኣርባዕተ መኣዝን ግበሮ። 27እቲ ጠረጴዛ ዝፅወረሉ መፃውር ምእንቲ ኽኣትዎ እቲ ቐለበታት ኣብ ጥቓ እቲ ኽባስ ይኹን። 28መፅወሪ እቲ ጠረጴዛ ዝኸውን፥ ካብ ዕንፀይቲ ሰራው መፆሪ ግበር እሞ ብወርቂ ለብጦ። 29ፅሩይ ወርቂ ጌርካ ንመፍሰሲ ንኽኾኑ ፃሕልታት፥ ሒላባት፥ ኵስኵስትታት፥ ፅዋዓት ድማ ስራሕ። 30#ዘሌ. 24፡5-8። ኣብቲ ጠረጴዛ ኸዓ ዅልሻዕ ሕብስቲ ቝርባን ኣብ ቅድመይ ኣንብር።
ቀዋሚ ቐንዲል
(ዘፀ. 37፡17-24)
31“ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ ቐዋሚ ቐንዲል ስራሕ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ እግሩን ዘንጉን ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ጌርካ ስርሓዮ። ነቲ ጫፉ ዝኸፈተ ዕምበባን፥ ነቲ ጕንዱ ዝመዓጐ ዕምበባን ዝመስል፥ ኣሰራርሓኡ ኸም ፅዋዕ ጌርካ ስርሓዮ። 32ብኽልተ ወገን ናይቲ ቐዋሚ ቐንዲል ሽዱሽተ ጨንፈር፥ ብሓደ ወገኑ ሰለስተ ጨንፈር፥ ብሓደ ወገኑ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ይሃልዎ። 33ንዅለን እተን ሽዱሽተ ጨናፍር፥ ናይ ለውዚ ዕምበባ ዝመስል፥ ነተን ሰለስተ ፅዋዓት መምስ ክበብን ዕምበባን ይሃልወን። 34ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከዓ፥ ዕምበባ ለውዚ ዝመስላ ኣርባዕተ ፅዋዓት፥ መምስ ክበበንን ዕምበባታተንን ይገበሮ። 35ሓደ ኽበብ ኣብ ትሕቲ ቐዳመይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ሓደ ኽበብ ከዓ ኣብ ትሕቲ እታ ኻልአይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ሓደ ኽበብ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ሳልሰይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ኣብ ሕድሕደን ሽዱሽተ ጨንፈር ግበር። 36ነቲ ኽበብን ጨናፍርን ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልን፥ ፅሩይ ወርቂ ቐጥቂጥካ ብሓደ ስርሓዮ።
37“ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ሸውዓተ መብራህቲ ግበረሉ። እቲ መብራህቲ ኸዓ ንቕድሚት ኣቢሉ ምእንቲ ኸብርህ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ኣንብሮ። 38መዀስተሪኡን መዋህለሊ እቲ ዅስታርን ከዓ ኻብ ፅሩይ ወርቂ ይኹን። 39ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ምስቲ ምስኡ ዘሎ ዅሉ ኣቑሑ፥ ብሰላሳን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ፅሩይ ወርቂ ግበሮ። 40ከምቲ ኣብቲ እምባ ዘርአኹኻ ምስሊ ጌርካ ብጥንቃቐ ስርሓዮ። #ግ.ሓ. 7፡44፥ ዕብ. 8፡5።
Currently Selected:
ዘፀኣት 25: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in