ዘፀኣት 24
24
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ኪዳን ከም ዝኣተወሎም
1እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ፥ “ንስኻን ኣሮንን ናዳብን ኣብዩድን ሰብዓ ኻብ ዓበይቲ እስራኤልን ኴንኩም፥ ናብቲ ኣነ ዘለኹዎ እምባ ደይቡ፤ ኣብ ርሑቕ ኴንኩም ድማ ስገዱ። 2ንስኻ ሙሴ ኸዓ በይንኻ ናባይ ቅረብ፤ ንሳቶም ግና ኣይቕረቡ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ምሳኻ ናባይ ኣይደይቡ” በሎ።
3ሙሴ ድማ መፂኡ ነቶም ህዝቢ፥ ኵሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ኵሉ ሕግጋትን ነገሮም። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ብሓደ ድምፂ “እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ዅሉ ትእዛዛት ንገብር” ኢሎም መለሱሉ። 4ሙሴ ድማ ንዅሉ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ፀሓፎ። ንፅባሒቱ ኸዓ ኣንጊሁ ተሲኡ፥ ኣብ እግሪ እቲ እምባ መሰውኢ ሰርሐ፤ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዓምዲ እምኒ ንነፍሲ ወከፎም ሰርሐ። 5ሽዑ ሙሴ ኣጕባዝ ደቂ እስራኤል ሰደደ፤ ንሳቶም ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ፤ ካብ ዝራብዓት ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ኣቕረቡ። 6ሙሴ ድማ ፍርቂ እቲ ደም ወሲዱ ኣብ ሒላባት ገበሮ፤ ፍርቂ እቲ ደም ከዓ ናብ መሰውኢ ነፀጎ። 7ነቲ መፅሓፍ ኪዳን ወሲዱ ድማ፥ ዓው ኢሉ ነቶም ህዝቢ ኣንበበሎም። ንሳቶም ከዓ “ኵሉ እግዚኣብሄር ዝበሎ ንገብርን ንእዘዝን” በሉ።
8 #
ማቴ. 26፡28፥ ማር. 14፡24፥ ሉቃ. 22፡20፥ ዕብ. 10፡29፥ 9፡10-20። ሙሴ ኸዓ ነቲ ደም ወሲዱ “እዙይ እቲ እግዚኣብሄር ነዘን ቃላት እዚኣተን ክህበኩም እንተሎ ዝኣተዎ ኺዳን ደም እዩ” እናበለ ናብ ህዝቢ ነፀጎ።
9ሙሴ፥ ኣሮን፥ ናዳብ፥ ኣብዩድ፥ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ድማ ሰብዓ ኾይኖም፥ ናብቲ እምባ ደየቡ። 10ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ረአይዎ። እቲ መርገፂ እግሩ ድማ ኻብ ብሩህ ሰማያዊ ሰንፔር ከም ዝተገብረ ምድሪ ቤት ነበረ። 11ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ረአይዎ፤ ኢዱውን ኣብ ልዕሊ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ኣይዘርግሐን፤ ንሳቶምውን ኣብ ቅድሚኡ በልዑን ሰተዩን።
ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና
12እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናባይ ናብዝ እምባዙይ ደይብ፤ ኣብኡ ኸዓ ፅናሕ፤ ፅላት እምንን ነቲ ንህዝቢ ኽትምህሮም ኢለ ኣብኡ ዝፀሓፍክዎ ሕግን ትእዛዝን ክህበካ እየ” በሎ።
13ሙሴን ኣገልጋሊኡ ኢያሱን ተልዓሉ፤ ሙሴ ድማ ናብ እምባ እግዚኣብሄር ደየበ። 14ነቶም ዓበይቲ ድማ “ናባኻትኩም ክሳዕ እንምለስ፥ ኣብዙይ ፅንሑና። እንሆ ኸዓ፥ ኣሮንን ሆርን ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ዝኾነ ነገር ዘለዎ ሰብ፥ ናብኣቶም ይኺድ” በሎም።
15ሙሴ ናብ እምባ ደየበ፤ ነቲ እምባ ኸዓ ደመና ጐልበቦ። 16ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ኣብ እምባ ሲና ወረደ፤ እቲ ደመና ኸዓ ሽዱሽተ መዓልቲ ጐልበቦ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኻብ ማእኸል እቲ ደመና ፀውዖ። 17ትርኢት ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ፥ ንደቂ እስራኤል ከም ዝባላዕ ሓዊ ኾይኑ፥ ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ተርኣየ። 18ሙሴ ኸዓ ናብቲ እምባ ኽድይብ እንተሎ ናብ ማእኸል እቲ ደመና ኣተወ። ኣብቲ እምባውን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፀንሐ። #ዘዳ. 9፡9።
Currently Selected:
ዘፀኣት 24: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: