ዘፀኣት 22
22
ብዛዕባ ኻሕሳ ዝወፀ ሕጊ
1“ሓደ ሰብ ብዕራይ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሓረደ፥ ወይ እንተ ሸጠ፥ ክንዲ ሓደ ብዕራይ ሓሙሽተ ብዕራይ፥ ክንዲ ሓንቲ በጊዕ ድማ ኣርባዕተ ኣባጊዕ ይኽሓስ።
2“ሰራቒ ሰይሩ ኽኣቱ እንተሎ እንተ ተረኽበ፥ ወቒዖምዎ ኸዓ እንተ ሞተ፥ እቲ ወቓዒ ዝኸፍሎ፥ ዕዳ ደም የብሉን። 3ፀሓይ ምስ በረቐት እንተ ቐተሎ ግና፥ ዕዳ ደም ኣለዎ።
“እቲ ሰራቒ ኸዓ ዝሰረቖ ይምለስ። ዝኸፍሎ ገንዘብ እንተ ሰኣነ ግና፥ ነቲ ዝሰረቖ ምእንቲ ክኸፍል ይሸየጥ።
4“ብዕራይ ኮነ ኣድጊ ወይ በጊዕ ሰሪቑ፥ እቲ ዝሰረቖ ኣብ ኢዱ ብህይወቱ እንተ ተረኽበ፥ ንሱ ዕፅፊ ገይሩ ይኽፈል።
5“ሓደ ሰብ ናብ ዝሩእ ወይ ናብ ቦታ ወይኒ፥ ከፍቱ ሰዲዱ ንናይ ካልእ ዝሩእ እንተብልዐ፥ ካብ ግራቱ ወይ ካብ ኣታኽልቲ ወይኑ እቲ ዝበለፀ ይኽሓስ።
6“ሓዊ ተባሪዑ ናብ ቈጥቋጥ እንተ ተባፅሐ፥ እሞ ዅልስስቲ ወይ ዘይተዓፅደ እኽሊ ወይ ግራት እንተ ኣንደደ፥ እቲ ሓዊ ዘንደደ ይኽሓስ።
7“ሓደ ሰብ፥ ገንዘብ ወይ ኣቕሓ ኣብ ጐረቤቱ ኽሕለወሉ ሕድሪ እንተ ሃበ እሞ፥ ካብ ገዛ እቲ ሕድሪ ዝተቐበለ ሰብ እንተ ተሰርቐ፥ እቲ ሰራቒ ኸዓ እንተ ተረኽበ፥ ንሱ ዕፅፊ ገይሩ ይኽሓስ። 8እቲ ሰራቒ እንተ ዘይተረኽበ ግና፥ እቲ በዓል ገዛ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር #22፡8 ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፦ ወይ “ኣብ ቅድሚ ፈራዲ” ይቕረብ፤ ገንዘብ ብፃዩ ኸም ዘየልዓለ ድማ ይምሓል።
9“ሓደ ሰብ ብዝኾነ ነገር፥ ብዛዕባ ብዕራይ ኮነ ኣድጊ፥ ብዛዕባ በጊዕ ኾነ ኽዳን ወይ ብዛዕባ ዝጠፍአ ዝኾነ ኣቕሓ፥ ‘እዙይ ናተይ እዩ’ ኢሉ እንተ ኸሰሰ፥ ናይ ክልቲኦም ነገር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይቕረብ። እቶም ፈረድቲ ዝፈረዱሉ ኽንዲ ሓደ ኽልተ ይኽፈል።
10“ሓደ ሰብ፥ ክሕለወሉ ኢሉ፥ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝኾነ እንስሳ፥ ሕድሪ እንተ ሃበ፥ ንሱ ኸዓ እንተ ሞተ፥ ወይ እንተ ተሰብረ፥ ወይ ዝረአዮ ዘይብሉ እንተ ተዘምተ፥ 11እቲ በዓል ሕድሪ፥ ገንዘብ ብፃዩ ኸም ዘይወሰደ፥ ብስም እግዚኣብሄር ይምሓል እሞ፥ እቲ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ዝነበረ ነገር ይወዳእ፤ እቲ በዓል ዋና፥ ነቲ ማሕላ ይቀበል፤ ካሕሳ ግና ኣይቀበል። 12ካብ ኢዱ እንተ ተሰርቀ ግና፥ ነቲ በዓል ዋና ይተክአሉ። 13ኣራዊት እንተ በልዖ ኸዓ፥ ንምስክር ክኾኖ ኻብቲ ተረፍ ኣራዊት የምፅእ፤ ክትክእ ግና ግድን ኣይኮነን።
14“ሓደ ሰብ ካብ ብፃዩ ዝኾነ እንስሳ እንተ ለመነ፥ ዋናኡ ኣብ ዘይብሉ ድማ እንተ ተሰብረ ወይ እንተ ሞተ፥ ይኽሓሶ። 15እቲ ዋና፥ ምስኡ እንተ ነበረ ግና ኣይኽሓሶ። ብኽራይ ዝመፀ እንስሳ እንተ ኾነ ድማ እቲ ኽሳራኡ ብኽራዩ ተኸሓሒሱ እዩ።
ሕጊ ማሕበራዊ ናብራ
16“ሓደ ሰብ፥ ንሓንቲ ዘይተሓፅየት ጓል እንተ ዓመፀ፥ ክብሪ ንፅህናኣውን እንተ ደፈረ፥ ገዝሚ ኣግዚሙ ይመርዓዋ። 17ኣቦኣ ‘ኣይህበካን እየ’ ኢሉ እንተ ኸልኦ ግና፥ ከም ገዝሚ ኣጓላት ገንዘብ ይኽፈል። #ዘዳ. 22፡28-29።
18“ንጠንቋሊት ብህይወት ክትነብር ኣይትሕደጋ። #ዘዳ. 18፡10-11።
19 #
ዘሌ. 18፡23፥ 20፡15-16፥ ዘዳ. 27፡21። “ምስ እንስሳ ዝብዕልግ ፈፂሙ ይቀተል።
20“እንትርፊ ንእግዚኣብሄር፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝስውእ ይቀተል። #ዘዳ. 17፡2-7።
21“ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ንስደተኛ ኣይትዓምፅዎ ወይ ኣይትግፍዕዎ።
22 #
ዘፀ. 23፡9፥ ዘሌ. 19፡33-34፥ ዘዳ. 24፡17-18፥ 27፡19። “ንመበለታት ኮነ ንደኽታማት ኣይትግፍዕዎም። 23እንተ ገፋዕኹምዎም፥ ንሳቶም ከዓ ናባይ እንተእወዩ፥ ኣነ ንኣውያቶም ብርግፅ ክሰምዖ እየ። 24ቍጥዓይ ምስ ነደደ ኸዓ ብሰይፊ ኽቐትለኩም እየ። ሽዑ ኣንስትኹም መበለታት፥ ደቅኹም ድማ ደኽታማት ክኾኑ እዮም።
25“ካብቶም ምሳኻ ዝነብሩ ህዝበይ፥ ንሓደ ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕኻዮ፥ ከም በዓል ሃረፃ ኣይትኹኖ፤ ሃረፃውን ኣይትፅዓኖ። #ዘሌ. 25፡35-38፥ ዘዳ. 15፡7-11፥ 23፡19-20። 26ክዳን ብፃይካ ትሕጃ እንተ ሓዝካ፥ ፀሓይ እንተይዓረበት ምለሰሉ። 27ዝኽደና ኽዳን ዝባኑ ንሳ ጥራሕ እያ እሞ፥ እንታይ ተኸዲኑ ደኣ ይደቅስ? እንሆ፥ ኣነ መሓሪ እየ እሞ፥ ናባይ እንተ ጠርዐ ኽሰምዖ እየ። #ዘዳ. 24፡10-13።
28“ንእግዚኣብሄር ኣይትፅረፍ፤ ንሓለቓ ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም። #ግ.ሓ. 23፡5።
29“ካብ ምልኣት ማዕኸንካን ካብ መፅመቝ ወይንኻን መባእ ንምቕራብ ኣይትደንጒ።
“ካብ ኣወዳትካ ነቲ በዅሪ ንኣይ ሃበኒ። 30ካብ ኣብዑርካን ካብ ኣባጊዕኻን ድማ ኸምኡ ግበር። ሸውዓተ መዓልቲ ምስ እኖኡ ይፅናሕ፤ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ንኣይ ሃበኒ።
31“ንስኻትኩም ንኣይ ቅዱስ ህዝቢ ኽትኮኑኒ ኢኹም፤ ስለዙይ ነኽላባት ደኣ ደርቢይዎ እምበር ኣራዊት ዝሰላልዖ ስጋ እንስሳ ኣይትብልዑ። #ዘሌ. 17፡15።
Currently Selected:
ዘፀኣት 22: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in