ዘፀኣት 21
21
ኣተሓሕዛ ኣገልገልቲ
(ዘዳ. 15፡12-18)
1“ኣብ ቅድሚኣቶም እተንብሮም ሕግጋት እዚኣቶም እዮም፦ 2ዕብራዊ ኣገልጋሊ እንተ ዓደግካ፥ ሽዱሽተ ዓመት ይገዛእኻ፤ ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና ብዘይ ክፍሊት ሓራ ይውፃእ። 3በይኑ እንተ መፂኡ፥ በይኑ ሓራ ይውፃእ። ምስ ሰበይቱ እንተ መፂኡ፥ እታ ሰበይቱውን ምስኡ ሓራ ትውፃእ። 4ጐይታኡ ሰበይቲ እንተ ሃቦ፥ ንሳ ድማ ኣወዳትን ኣጓላትን እንተ ወለደትሉ፥ እታ ሰበይትን ደቃን ንጐይታኦም ይኹኑ፤ ንሱ በይኑ ሓራ ይውፃእ።
5“እቲ ኣገልጋሊ ግና፥ ‘ጐይታይን ሰበይተይን ደቀይን እፈቱ እየ፤ ሓራ ኣይወፅእን’ እንተበለ፥ 6#ዘሌ. 25፡39-46። ሽዑ እቲ ጐይታኡ ናብ ቅድሚ ፈረድቲ #21፡6 ናብ ቅድሚ ፈረድቲ፦ ወይ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ” የቕርቦ፤ ኣብ ማዕፆ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕሪቡ ኸዓ እዝኑ ብመስፈ ይስቈሮ፤ ክሳዕ ሕልፈቱ ኸዓ ይግዝኣዮ።
7“ሰብ፥ ጓሉ ንባርነት እንተ ሸጠ፥ ንሳ ኸምቶም ሓራ ዝወፁ ኣገልገልቲ፥ ሓራ ኣይትውፃእ። 8ንጐይታኣ ደስ እንተ ዘየበለቶ፥ ሓራ የውፅኣያ። ስለ ዝጠለማ ናብ ጓና ህዝቢ ኽሸጣ ኣይግብኦን እዩ። 9ንወዱ እንተ ኣመርዓዋ ግና ኸምቲ ንኣዋልድ ዝግበር ይግበረላ። 10ካልአይቲ ሰበይቲ እንተ ኣምፅአሉ ድማ፥ ንኣኣ ቐለብን ክዳንን ከም ሰበይቱ ዝግባእ መሰል ኣየጕድለላ። 11ነዝ ሰለስተ ነገር እዙይ እንተ ዘይገበረላ ግና ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ የውፅኣያ።
ብዛዕባ ዓመፅ ዝወፀ ሕጊ
12 #
ዘሌ. 24፡17። “ንሰብ ወቒዑ ዝቐተለ፥ ይቀተል። 13እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኣውዲቕዎ፥ እንተይተፀናተወ ብድንገት ሰብ ንዝቐተለ ግና፥ ንሱ ዝሃድመሉ ቦታ ኽገብረልካ እየ። #ዘሑ. 35፡10-34፥ ዘዳ. 19፡1-13፥ ኢያሱ 20፡1-9። 14ተተናዂሉ ኾነ ኢሉ ንብፃዩ እንተ ቐተሎ ግና፥ ኣብ መሰውእየይ እንተ ተዓቘበ እኳ ኣውፂእኹም ቅተልዎ።
15“ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝወቕዐ፥ ይቀተል።
16“ንሰብ ሰሪቑ ዝሸጠ፥ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ተረኽበ፥ ይቀተል። #ዘዳ. 24፡7።
17 #
ዘሌ. 20፡9፥ ማቴ. 15፡4፥ ማር. 7፡10። “ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝፀረፈ፥ ይቀተል።
18“ክልተ ሰባት እንተ ተበኣሱ፥ እቲ ሓደ ንብፃዩ ብእምኒ ወይ ኢዱ ጨቢጡ እንተ ወቕዖ፥ እሞ እንተ ዘይሞተ፥ ግና ሓሚሙ ኣብ ዓራት እንተ ደቀሰ፥ 19በትሩ ተመርኲሱ ኸዓ፥ ንደገ ኽወፅእ እንተ ኸኣለ፥ እቲ ዝወቕዖ ሓራ እዩ። ናይቲ ስራሕ ዘብኰሮ ጊዜ ጥራሕ ይኽሓሶ፤ ፈፂሙ ኽሳዕ ዝሓዊ ኸዓ ይከናኸኖ።
20“ሰብ ንኣገልጋሊኡ ወይ ንግዝእቱ ብበትሪ ወቒዑ ኣብ ኢዱ እንተ ሞተ፥ ይቀፃዕ። 21ንሓንቲ ወይ ንኽልተ መዓልቲ እንተይሞተ እንተ ፀንሐ ግና፥ ድሮ እውን ብገንዘቡ ዝዓደጎ እዩ እሞ ኣይቀፃዕ።
22“ሰባት እንተ ተበኣሱ ጥንስቲ ሰበይቲ ኸዓ እንተ ደፍኡ፥ እሞ ጥንሳ እንተ ኸደ፥ ካልእ ጕድኣት ከዓ እንተ ዘይብላ፥ እቲ ዝበደለ፥ ሰብኣይ ነታ ሰበይቲ ዝመደቦሞ ፈረድቲ ኸዓ ዘፅንዕዎ ኻሕሳ ይኽፈል። 23ነታ ጥንስቲ ኸቢድ ጕድኣት እንተ በፅሓ ግና ነፍሲ፥ ክንዲ ነፍሲ፥ 24ዓይኒ፥ ክንዲ ዓይኒ፥ ስኒ፥ ክንዲ ስኒ፥ ኢድ፥ ክንዲ ኢድ፥ እግሪ፥ ክንዲ እግሪ፥ #ዘሌ. 24፡19-20፥ ዘዳ. 19፡21፥ ማቴ. 5፡38። 25ምንዳድ፥ ክንዲ ምንዳድ፥ ቍስሊ፥ ክንዲ ቝስሊ፥ ሕበጥ፥ ክንዲ ሕበጥ ይከፈል።
26“ሰብ ዓይኒ ኣገልጋሊኡ ወይ ዓይኒ ግዝእቱ ወቒዑ እንተ ኣንቈረ፥ ክንዲ ኻሕሳ እታ ዓይኑ ሓራ የውፅኣዮ። 27ስኒ ኣገልጋሊኡ ወይ ስኒ ግዝእቱ እንተ ሰበረውን፥ ክንዲ ኻሕሳ እታ ስኑ ሓራ የውፅኣዮ።
ሓላፍነት ዋናታት
28“ብዕራይ፥ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ወጊኡ እንተ ቐተለ፥ ነቲ ብዕራይ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ፤ ስጋኡ ድማ ኣይበላዕ። እቲ በዓል ብዕራይ ግና ናፃ እዩ። 29እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ተዋጋኢ እንተ ነይሩ፥ እሞ ነቲ ዋናኡ ኣሰሚዖምሉ ነይሮም፥ እንተይሓለዎ ተሪፉ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ እንተ ቐተለ፥ ነቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፤ ነቲ ዋናኡውን ይቕተልዎ። 30‘ጋር ነፍሲ ጥራሕ ክፈለና’ እንተ በልዎ ግና፥ ከምቲ ዝመደቡሉ ጋር ነፍሲ ይኽፈል። 31እቲ ብዕራይ ወዲ ወይ ጓል እንተ ወግአውን ከምኡ ይፍረድዎ። 32ብዕራይ፥ ንተባዕታይ ባርያ ወይ ኣንስተይቲ ባርያ እንተ ወግአ፥ ዋና እቲ ብዕራይ ንጐይታ እቲ ውጉእ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር ይኽፈሎ። ነቲ ብዕራይ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ።
33“ሰብ ጕድጓድ እንተ ኸፈተ ወይ ከዓ ጕድጓድ እንተ ዀዓተ እሞ እንተ ዘይከደኖ፥ ናብኡ ድማ ብዕራይ ወይ ኣድጊ እንተ ወደቐ፥ 34እቲ በዓል ጕድጓድ ነቲ ዋናኡ ገንዘብ ይኽሓስ። እቲ ዝሞተ እንስሳ ኸዓ ንእኡ ይኹን።
35“ብዕራይ ሓደ ሰብ፥ ንብዕራይ ካልእ ሰብ እንተ ቐተለ፥ ነቲ ብህይወት ዘሎ ብዕራይ ሸይጦም ሽያጡ ይማቐሉ። ነቲ ዝሞተ ብዕራይ ከዓ ይማቐልዎ። 36እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ፍሉጥ ተዋጋኢ እንተ ኾነ እሞ፥ ዋናኡ እንተ ዘይሓለዎ ግና ብዕራይ፥ ክንዲ ብዕራይ ይኽሓስ። እቲ ዝሞተ እንስሳውን ንእኡ ይኹኖ።
Currently Selected:
ዘፀኣት 21: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: