ዘፀኣት 16
16
መናን ብርንሂጎን ከም ዘውረደሎም
1ኵሎም ማሕበር እስራኤል ካብ ኤሊም ተልዒሎም፥ ኣብ መንጎ ኤሊምን ሲናን ናብ ዘሎ ሲን ዝበሃል ምድረ በዳ በፅሑ። እዙይ ከዓ ኻብ ምድሪ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ነበረ። 2ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ድማ ኣብቲ ምድረ በዳ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ። 3ኣስዒቦም ከዓ “እቲ ኣብ ጥቓ ስጋ ዝመልአ ቝራዕ ኮፍ ኢልና እንትንበልዕ፥ ዝደለናዮ እንጀራ በሊዕና ኸዓ ኽንፀግብ እንተለና፥ ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ግብፂ እንተንመውት ምሐሸና። ንስኻትኩም ግና ንዅልና ብጥሜት ክትቀትሉና፥ ናብዝ በረኻ እዙይ ኣውፃእኹምና” በልዎም።
4 #
ዮሓ. 6፡31። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ “እንሆ፥ ኣነ ኻብ ሰማይ እንጀራ ኸዝንመልኩም እየ። እቶም ህዝቢ ብትእዛዘይ ዝኸዱ እንተ ኾይኖምን እንተ ዘይኮይኖምን ምእንቲ ኽፍትኖምስ እናወፁ በብመዓልቱ ነታ ዕለት ዝኣክል ይኣክቡ። 5እቲ ብሻድሸይቲ መዓልቲ ዝእክብዎ ግና ዕፅፊ እቲ ንሓደ መዓልቲ ዝእክብዎ ይኹን” በሎ።
6ሙሴን ኣሮንን ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤል “እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብፂ ኸም ዘውፅአኩም ሎሚ ምሸት ክትፈልጡ ኢኹም። 7እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረምኩምዎ እግዚኣብሄር ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ፅባሕ ንግሆ ኽብሩ ኽትሪኡ ኢኹም። ኣብ ልዕሌና እተጕረምርሙስ፥ ንሕና እንታይ ኢና?” በልዎም። 8ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረምኩምዎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ብምሸት ስጋ ኽትበልዑ፥ ብጊሓት ከዓ ምግቢ ኽትፀግቡ ዝህበኩም እግዚኣብሄር እዩ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዘጕረምረምኩምዎ፥ ብእግዚኣብሄር ኢኹም ዘጕረምረምኩም እምበር ብኣና ኣይኮነን። ንሕና ደኣ እንታዎት ኴንና!” በሎም።
9ሙሴ ድማ ንኣሮን “ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ‘እግዚኣብሄር ምጕርምራምኩም ሰሚዑ እዩ እሞ፥ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ’ በሎም” በሎ።
10ኣሮን ከዓ ንዅሉ ማሕበር እስራኤል ምስ ተዛረበ፥ ንሳቶም ገፆም ናብ ምድረ በዳ ኣቢሎም ጠመቱ፤ እንሆ ድማ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ደመና ተርኣየ።
11እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ 12“ምጕርምራም ደቂ እስራኤል ሰሚዐ እየ። ‘ብምሸት ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም፤ ጊሓት ድማ እንጀራ ኽትፀግቡ ኢኹም። ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ኢልካ ተዛረቦም” በሎ።
13ንምሸቱ ብርንሂጎታት መፂአን ነቲ ሰፈር ከደናኦ። ብጊሓት ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ዛዕዛዕታ ወዲቑ ነበረ። 14እቲ ህቦ ምስ ተነነ ኸዓ፥ ከም ኣስሓይታ ዝምድቃቑ ደቂቕን ከቢብን ዝኾነ ነገር ኣብቲ ምድረ በዳ ኣብ ምድሪ ተርኣየ። 15#1 ቆሮ. 10፡3። ደቂ እስራኤል ድማ ነዙይ ምስ ረአዩ፥ እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይፈለጡ፥ “እዙይ እንታይ እዩ?” ኢሎም ንስንሳቶም ተጠያየቑ።
ሙሴ ኸዓ “እዙይ እግዚኣብሄር ክትበልዕዎ ዝሃበኩም እንጀራ እዩ። 16እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር ድማ እዙይ እዩ፦ ነፍሲ ወከፍ ዝኣኽሎ ይኣክብ። ነቶም ኣብ ድንኳን ምስኡ ዘለዉውን ብቝፅሮም፤ ንነፍሲ ወከፎም ሓደ ምሸ ይውሰደሎም” በሎም።
17ደቂ እስራኤል ድማ ኸምኡ ገበሩ። ገሊኣቶም ብዙሕ ገሊኣቶም ከዓ ውሑድ ኣከቡ። 18#2 ቆሮ. 8፡15። ብምሸ ሰፈርዎ፤ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝኣኽሎ ደኣ ኣከበ እምበር፥ እቲ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፤ እቲ ውሑድ ዝኣከበ ኸዓ ኣየጕደለን።
19ሙሴ ድማ “ሓደ እኳ ኻብኡ ንፅባሕ ኢሉ ኣየትርፍ” በሎም።
20ንሙሴ ስለ ዘይሰምዕዎ ግና፥ ዝተወሰኑ ሰባት ካብኡ ንፅባሒቱ ዝኾኖም ኣትረፉ፤ ንሱ ኸዓ ሓሰኸን ጨነወን። ሙሴ ድማ ተቘጥዖም።
21ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ንግሆ ኻብኡ ዝኣኽሎ ይእክብ ነበረ። ሙቐት ፀሓይ እናበርትዐ ምስ ከደ ግና እቲ ዝተረፈ ይመክኽ ነበረ። 22በታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ኻብቲ እንጀራ ዕፅፊ፥ ክልተ ምሸ ንሓደ ሰብ ኣከቡ። ኵሎም መራሕቲ ደቂ እስራኤል ድማ መፂኦም ንሙሴ ነገርዎ። 23#ዘፍ. 20፡8-11። ንሱ ኸዓ “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ እዙይ እዩ፦ ፅባሕ፥ መዓልቲ ዕረፍቲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት እያ፤ እትስንክትዎ ሰንክቱ፤ እተብስልዎ ኣብስሉ። እቲ ዝተረፈ ዅሉ ንፅባሕ ክኾነኩም ኣሕድርዎ” በሎም።
24ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞም ከዓ ንፅባሒቱ ክኾኖም ኣሕደርዎ። ኣይጨነወን ኣይሓሰኸንውን። 25ሙሴ ኸዓ “ሎሚ ናይ እግዚኣብሄር ሰንበት እያ፤ ኣብ በረኻ ዝብላዕ ኣይትረኽቡን ኢኹምሞ ነቲ ዘሕደርኩምዎ ሎሚ ብልዕዎ። 26ሽዱሽተ መዓልቲ ኣክቡ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ሰንበት ስለ ዝኾነት፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣይርከብን እዩ” በሎም።
27ካብቶም ህዝቢ ገሊኣቶም በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኽእክቡ ወፁ፤ ይኹን እምበር ዝብላዕ ኣይረኸቡን። 28እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ምሕላው እትኣብዩ? 29ረአዩ፥ ኣነ ሰንበት ሂበኩም ኣለኹ፤ ስለዙይ ከዓ እየ በታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝኸውን እንጀራ ዝህበኩም ዘለኹ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዘዘለዎ ይቀመጥ፤ ሓደ እኳ ኻብ ስፍራኡ ኣይውፃእ” በሎ። 30እቲ ህዝቢ ኸዓ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕረፈ።
31 #
ዘሑ. 11፡7-8። ህዝቢ እስራኤል ድማ ነቲ ምግቢ፥ መና ኢሎም ሰመይዎ፤ ፍረ ፃቕዳ ዝመስል ፃዕዳ ነበረ። ጣዕሙ ድማ ኸም ቅጫ መዓር ዝጥዕም ነበረ። 32ሙሴ ኸዓ “እግዚኣብሄር እቲ ኻብ ግብፂ ኸውፅአኩም እንተለኹ፥ ኣብ ምድረ በዳ ዝመገብኩኹም እንጀራ ምእንቲ ኽሪኡስ፥ ካብቲ መና ሓደ ምሸ መሊእኹም ንውሉድ ወለዶኹም ዕቘርዎ ኢሉ ኣዚዙ እዩ” በሎም።
33 #
ዕብ. 9፡4። ሙሴ ድማ ንኣሮን “ኣቕሓ ኣምፂእኻ ሓደ ጎመር መና ውሰድ፤ ንውሉድ ወለዶ ኽዕቈር ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንብሮ” በሎ።
34 #
ኢያሱ 5፡12። ኣሮን ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ እቲ መና ኽዕቈር ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር ናይ ኪዳን ታቦት ኣንበሮ። 35ደቂ እስራኤል ናብታ ዝነብሩላ ምድሪ ኽሳዕ ዝኣትዉ፥ ነርብዓ ዓመት ዝኣክል መና በልዑ። ናብ ወሰን ከነዓን ክሳዕ ዝበፅሑ መና በልዑ።
36ሓደ ምሸ ዓስራይ ኣፍ ናይ ኢፍ #16፡36 ግእዝ በቲ ጊዜ እቱይ እቲ ፍሉጥ መስፈሪ “ዕስራን ክልተን ሊትሮ” ዝሕዝ እዩ ይብል። እዩ።
Currently Selected:
ዘፀኣት 16: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: