YouVersion Logo
Search Icon

ዘፀኣት 14

14
ባሕሪ ኤርትራ ኸም ዝተሳገሩ
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ 2“ንደቂ እስራኤል፥ ተመሊሶም ኣብ መንፅር ፒሃሒሮት፥ ኣብ መንጎ ሚግዶልን ባሕርን ክሰፍሩ ንገሮም። ኣብ መንፅር በዓልፀፎን፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ስፈሩ። 3ፈርዖን ድማ ‘ደቂ እስራኤል ምድረ በዳ ዓፅዩዎም ኮለል ይብሉ ኣለዉ’ ኽብል እዩ። 4ኣነ ድማ ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ደድሕሬኹም ስዒቡ ኸሳጕጐኩም እዩ። ሽዑ ኣነ ንፈርዖንን ንዅሉ ሰራዊቱን ብምስዓር ክኸብር እየ። ግብፃውያን ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም” በሎ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምኡ ገበሩ።
5ደቂ እስራኤል ከም ዝሃደሙ ድማ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ነገርዎ። ንጉስን መኳንንቱን ከዓ ብዛዕባኣቶም ሓሳቦም ለወጡ፤ “እንታይ ኢና ዝገበርና? ደቂ እስራኤል ከይግዝኡናስ ስለ ምንታይ ኢና ክኸዱ ዝሓደግናዮም?” ድማ በሉ። 6ስለዙይ ከዓ ፈርዖን ሰረገላኡ ኣዳለወ፤ ሰራዊቱውን ኣዕጠቐ። 7ኣብ ኵለን ሰረገላታት ግብፂ፥ ኣብተን ሽዱሽተ ሚእቲ ምሩፃት ሰረገላታትውን እንተይተረፈ፥ ሓያላት ተዋጋእቲ ሒዙ ተልዓለ። 8እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ደድሕሪ እቶም ብፅንዕቲ ኢድ ዝወፁ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ገስገሰ። 9ግብፃውያን ድማ፥ ኵሎም ኣፍራስ ፈርዖንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ኵሎም ሰራዊቱን ደድሕሪኣቶም ገስጊሶም፥ ደቂ እስራኤል ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ፒሃሒሮት ኣብ መንፅር በዓልፀፎን ሰፊሮም እንተለዉ ኣርከብዎም።
10ፈርዖን ምስ ቀረበ፥ ደቂ እስራኤል ኣዒንቶም ኣልዓሉ፤ እንሆ ግብፃውያን ደድሕሪኣቶም ከም ዝገስገሱ ምስ ረአዩ የመና ፈርሑ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ተማህለሉ። 11ንሙሴ ድማ “ናብዝ ምድረ በዳ ኽንመውት ዘውፃእኻናስ፥ ኣብ ግብፂዶ መቓብር ኣይነበረን እዩ? ኻብ ግብፂ ኣውፂእኻ እንታይ ከም ዝገበርካና ረአ፤ 12እቲ ኣብ ግብፂ እንተለና ዝበልናካኸ እዝ ነገር እዙይዶ ኣይኮነን? ኣብ ምድረ በዳ ኻብ እንመውትስ፥ ንግብፃውያን ክነገልግል ምሐሸና፤ ንግብፃውያን ንገዝኣዮም ሕደገናዶ ኣይበልናካን?” በልዎ።
13ሽዑ ሙሴ ነቶም ህዝቢ “ኣይትፍርሑ፤ ፅንዑ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ሎሚ ዝገብረልኩም ምድሓን ርአዩ። እዞም ሎሚ እትሪእዎም ግብፃውያን ደጊም ንዘለኣለም ኣይትሪእዎምን ኢኹም። 14እግዚኣብሄር ክዋግአልኩም እዩ እሞ ህድኡ” በሎም።
15እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ስለ ምንታይ ናባይ እትምህለል? ንደቂ እስራኤል ክጐዓዙ ንገሮም። 16ንስኻ ድማ በትርኻ ብኢድካ ኣልዒልካ፥ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሓያ፤ #14፡16 ባሕሪ ዘርግሓያ፦ ግእዝ “ንባሕሪ ዝበጣ” ይብል። ኽፈሎውን። ደቂ እስራኤል ድማ ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ይሕለፉ። 17ኣነ ድማ እንሆ ንልቢ ግብፃውያን ከትርር እየ። ንሳቶምውን ደድሕሬኹም ክስዕቡ እዮም። ኣነ ኸዓ ንፈርዖንን ንዅሎም ሰራዊቱን ንሰረገላታቱን ንፈረሰኛታቱን ብምስዓር ክኸብር እየ። 18ንፈርዖንን ንሰረገላታቱን ንፈረሰኛታቱን ስዒረ ምስ ከበርኩ ድማ፥ ግብፃውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም” በሎ።
19እቲ ብቕድሚ ደቂ እስራኤል ዝኸይድ ዝነበረ ናይ እግዚኣብሄር መልኣኽ ድማ ተመሊሱ ብድሕሪኦም ኮነ። እቲ ዓምዲ ደመና ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ተልዒሉ ብድሕሪኣቶም ቆመ፤ 20ናብ መንጎ ግብፃውያንን ደቂ እስራኤልን ድማ ኣተወ። በቱይ ወገን ደመናን ፀልማትን ነበረ፤ በዙይ ወገን ግና ነቲ ለይቲ ኣብርሆ። ስለዙይ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣይቀረበን።
21ሙሴ ድማ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሐ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ባሕሪ፥ ምሉእ ለይቲ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ኣወገደ፤ ነቲ ባሕሪ እውን ኣንቀፆ። እቲ ማይ ከዓ ኣብ ክልተ ተመቐለ። 22#1 ቆሮ. 10፡1-2፥ ዕብ. 11፡29። ደቂ እስራኤል ድማ በቲ ንቑፅ ናብ ማእኸል ባሕሪ ኣተዉ። እቲ ማይ ከዓ ብየማንን ፀጋምን ከም መንደቕ ኮነሎም።
23ግብፃውያን ድማ፥ ኵሎም ኣፍራስ ፈርዖንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ደድሕሪኣቶም ገስጊሶም ናብ ማእኸል ባሕሪ ኣተዉ። 24ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ድማ፥ እግዚኣብሄር ካብቲ ዓምዲ ሓዊን ዓምዲ ደመናን፥ ናብ ሰራዊት ግብፃውያን ጠመተ፤ ንሰራዊት ግብፃውያንውን ኣርዓዶም። 25መንኰራዅር ሰረገላታቶም ድማ ኣምለቘ፤ ብጭንቂ እውን ተጕዓዙ። ግብፃውያን ድማ “እግዚኣብሄር ክንዲ ደቂ እስራኤል ኮይኑ ይዋግአና ኣሎሞ ኻብኣቶም ንህደም” በሉ።
26እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እቲ ማይ ናብ ልዕሊ ግብፃውያንን፥ ናብ ልዕሊ ሰረገላታቶምን ፈረሰኛታቶምን ምእንቲ ኽምለስ፥ ኢድካ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ” በሎ። 27ሙሴ ኸዓ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሐ፤ እቲ ባሕሪ ድማ ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ናብ ናይ ቀደም ሰፈሩ ተመለሰ፤ ግብፃውያን ከዓ ኻብኡ ኽሃድሙ ፈተኑ። እግዚኣብሄር ግና ንግብፃውያን ናብቲ ማእኸል ባሕሪ ደርበዮም። 28እቲ ማይ ናብ ሰፈሩ ተመለሰ፤ ነቶም ደድሕሪ ደቂ እስራኤል ናብ ባሕሪ ዝሰዓቡ፥ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ንዅሉ ሰራዊት ፈርዖንን ድማ ደፈኖም። ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
29ደቂ እስራኤል ግና ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ምድሪ ሓለፉ፤ እቲ ማይ ከዓ ብየማኖምን ብፀጋሞምን ከም መንደቕ ኮነሎም። 30በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ ግብፃውያን ኣድሓኖም። ደቂ እስራኤል ድማ ሬሳታት ግብፃውያን ኣብ ገምገም ባሕሪ ረአዩ። 31ደቂ እስራኤል ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ግብፃውያን ዝገበሮ ዓብዪ ኢድ ምስ ረአዩ፥ ንእግዚኣብሄር ፈርሕዎ። ብእግዚኣብሄርውን ኣመኑ፤ ብባርያኡ ሙሴውን ኣመኑ። #14፡31 ሙሴውን ኣመኑ፦ ግእዝ “ንሙሴውን ኣኽበርዎ” ይብል።

Currently Selected:

ዘፀኣት 14: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in