YouVersion Logo
Search Icon

ዘፀኣት 13

13
በዅሪ ዝኾነ ንእግዚኣብሄር ከም ዝኾነ
1-2እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “ኣብ ደቂ እስራኤል ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ናተይ እዩ እሞ ዅሉ በዅሪ ንኣይ ቀድሶ” በሎ። #ዘሑ. 3፡13፥ ሉቃ. 2፡23።
በዓል ቅጫ
3ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ “እግዚኣብሄር፥ ብሓያል ኢድ ካብ ግብፂ ኣውፅኢኩም እዩ እሞ፥ ነዛ ኻብ ምድሪ ባርነት ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ዘክርዋ፤ ዝበዅዐ፥ ከቶ ኣይትብልዑ። 4ንስኻትኩም ሎሚ ብወርሒ ኣቢብ ትወፁ ኣለኹም። 5እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወኩም፥ ሽዑ ነዝ በዓል እዙይ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣኽብርዎ ኢኹም። 6ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ በዓል እግዚኣብሄር ይኹን። 7በተን ሸውዓተ መዓልቲታት ቕጫ ብላዕ፤ ኣባኻ ብዅዕ ኣይረአ፤ ኣብ ኵሉ ኣዋሳኒኹምውን ማይ ብሑቕ ኣይረአ። 8በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቅኻ፦ ‘እዙይ ስለ እቲ እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኽወፅእ እንተለኹ ዝገበረለይ ኢለ እየ ዝገብሮ ዘለኹ’ ኢልካ ንገሮም። 9እግዚኣብሄር ብሓያል ኢዱ ኻብ ግብፂ ኣውፂኡካ እዩ እሞ፥ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኣብ ኣፍካ ክኸውን፥ ኣብ ኢድካ ንምልክት፥ ኣብ ኣዒንትኻ ድማ ንመዘከርታ ይኹነልካ። 10ነዝ ስርዓት እዙይ በቲ ውሱን ጊዜኡ ዓመት ዓመት ሓልዎ።
በዅሪ ወዲ
11“እግዚኣብሄር ድማ ናብታ ንኣኻን ነቦታትካን ዝመሓለልካ ምድሪ ከነዓናውያን ምስ ኣእተወካ ንኣኣውን ምስ ሃበካ፥ 12#ዘፀ. 34፡19-20፥ ሉቃ. 2፡23። ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ ንእግዚኣብሄር ክኸውን ፍለዮ፤ ካብ ዘለካ እንስሳ መጀመርታ ዝተወልደ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር ይኹን። 13ኵሉ በዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተቤዘዎ፤ እንተ ዘይተቤዘውካዮ ኸዓ ኽሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ፥ ንዅሉ በዅሪ ንዝኾነ ሰብ ተቤዘዎ።
14“ብዝመፅእ ዘመን ደቅኻ ‘እዙይ እንታይ እዩ’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፅአና። 15ፈርዖን ክንከይድ ከይሰደና ልቡ ምስ ኣትረረ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብፂ ንዅሉ በዅሪ፥ ካብ በዅሪ ሰብ ክሳዕ በዅሪ እንስሳ ቐተለ። ስለዙይ ማህፀን እኖኡ ዝኸፈተ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እስውኦ፤ ካብ ደቅና ድማ በዅሪ ንዝኾነ ዅሉ እብዜዎ’ ትብሎ። 16እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፂኡና እዩ እሞ፥ እዙይ ድማ ኣብ ኢድካ ኸም ዝተንጠልጠለ፥ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸዓ ኸም መዘከርታ ይኹንካ” በሎ።
ብዓምዲ ደመናን ብዓምዲ ሓዊን ከም ዝመርሖም
17ፈርዖን ነቶም ህዝቢ ክኸዱ ምስ ሰደዶም ድማ፥ እግዚኣብሄር እቶም ህዝቢ ውግእ ምስ ረአዩ፥ ተናሲሖም ናብ ግብፂ ኸይምለሱ ኢሉ፥ ቀረባ እኳ እንተ ነበረት፥ በታ መንገዲ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኣይመርሖምን። 18እግዚኣብሄር ግና ነቶም ህዝቢ ብመንገዲ ምድረ በዳ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮም። ደቂ እስራኤል ድማ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ኾይኖም፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ተሰሊፎም ወፁ።
19 # ዘፍ. 50፡25፥ ኢያሱ 24፡32። ዮሴፍ ንደቂ እስራኤል “እግዚኣብሄር ብርግፅ ክምልከተኩም እዩ፤ ሽዑ ነዕፅምተይ ካብዙይ ምሳኻትኩም ውሰድዎ” ኢሉ ኣምሒልዎም ነበረ እሞ፥ ሙሴ ነዕፅምቲ ዮሴፍ ምስኡ ወሰዶ።
20ደቂ እስራኤል ካብ ሱኮት ተልዒሎም ኣብ ኤታም ኣብ ወሰን ምድረ በዳ ሰፈሩ። 21ለይትን መዓልትን ምእንቲ ኽጐዓዙ፥ እግዚኣብሄር መንገዲ ንኽመርሖም ብመዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ድማ ኽበርሀሎም ብዓምዲ ሓዊ ቐቅድሚኣቶም ይኸይድ ነበረ። 22ብመዓልቲ ዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ኸዓ ዓምዲ ሓዊ ኻብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ኸቶ ኣይተፈለየን።

Currently Selected:

ዘፀኣት 13: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in