ዘፀኣት 12
12
ፋሲካ
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ምድሪ ግብፂ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦ 2“እዛ ወርሒ እዚኣ ንኣኻትኩም፥ ናይ ዓመት መጀመርታ ወርሒ ትኹንኩም። 3ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኸምዙይ ኢልኩም ንገርዎ፦ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣቦ ስድራ፥ ነንቤት ሓደ በጊዕ ይውሰድ። 4እቶም ስድራ ሓደ በጊዕ በሊዖም ክውድኡ ዘይኽእሉ ውሑዳት እንተ ኾይኖም፥ ምስቲ ዝቐረበ ጐረቤቶም ኮይኖም ሓደ በጊዕ ይውሰዱ። እቶም ሰባት ይቈፀሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ዝበልዖ መጠን ተመቒሉ ኸዓ ነቲ በጊዕ ሓቢሮም ይብልዕዎ። 5እቲ እትመርፅዎ እንስሳ፥ ዓመት ዝገበረ፥ ነውሪ ዘይብሉ ተባዕታይ በጊዕ ወይ ጤል ይኹን። 6ክሳዕ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ ኸዓ ሓልውዎ። ሽዑ ዅሉ ህዝቢ እስራኤል ክመሲ እንተሎ ይሕረዱ። 7ናይታ ዝበልዑላ ቤት ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕለዋይ ልዳትን ካብቲ ደም ወሲዶም ይቕብእዎ። 8ነቲ ስጋኡ ድማ ብሓዊ ጠቢሶም ብቕጫን መሪር ሓምልን ገይሮም በታ ለይቲ እቲኣ ይብልዕዎ። 9ርእሱን ኣእጋሩን ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ብሓዊ ጠቢስኩም ብልዕዎ እምበር፥ ካብቲ ጥረ ስጋ ኾነ፥ ካብቲ ብማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ። 10ካብኡ ድማ ኽሳዕ ንግሆ ሓደ እኳ ኣይተትርፉ። ክሳዕ ንግሆ ዝኾነ እንተ ተረፈ ግና ብሓዊ ኣቃፅልዎ። 11ክትበልዕዎ እንተለኹም ከዓ ሕቘኹም ተዓጢቕኩም፥ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ኣእቲኹም፥ ኣብትርትኹም ኣብ ኣእዳውኩም ሒዝኩም ቀልጢፍኩም ብልዕዎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር በዓል ፋሲካ እዩ።
12“በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብፂ ኽሓልፍ እየ፤ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ኽቐትል እየ። ንዅሎም ኣማልኽቲ ግብፂ ኸዓ ኽቐፅዖም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 13#ዘሌ. 23፡5፥ ዘሑ. 9፡1-5፥ 28፡16፥ ዘዳ. 16፡1-2። እቲ ደም ኣበየንአን ኣባይቲ ኸም ዘለኹም ምልክት ክኾነኩም እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ደም ምስ ረአኹ ኽሓልፈኩም እየ። ንምድሪ ግብፂ ኽወቕዓ እንተለኹ ድማ፥ እቲ ዝቐትል መዓት ኣይነኽአኩምን እዩ። 14ነዛ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፤ ንኣይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብዕልዋ፤ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩምውን ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ።
በዓል ቅጫ
15“ንሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ብዅዕ ካብ ኣባይትኹም ክተውፅእዎ ኢኹም። ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ዝበዅዐ ዝበልዕ ሰብ ከዓ ኻብ ህዝቢ እስራኤል ተፈልዩ ይወገድ። 16ብቐዳመይቲ መዓልትን ብሻውዐይቲ መዓልትን ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። በዘን መዓልቲታት እዚኣተን እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዝኣክል ናይ ዕለት ምግቢ ምቕራብ እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣይትስርሑ።
17“ንዅሉ ሰራዊትኩም ካብ ምድሪ ግብፂ በዛ መዓልቲ እዚኣ እየ ዘውፃእኽዎም እሞ፥ ንበዓል ቅጫ ኣብዕልዋ። ንውሉድ ወለዶ፥ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ሓልውዋ። 18በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ምሸት፥ ክሳዕ መበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ ምሸት ቅጫ ብልዑ። 19ጓና ኾነ ወዲ ዓዲ ብዅዕ ዝበልዐ ዅሉ፥ ካብ ህዝቢ እስራኤል ይፈለ። በተን ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ኣባይትኹም ብዅዕ ኣይረኸብ። 20ብዅዕ ዝኾነ ነገር ኣይትብልዑ፤ ኣብ ኵሉ እትነብርዎ ቕጫ ብልዑ” በሎም። #ዘፀ. 23፡15፥ 34፡18፥ ዘሌ. 23፡6-8፥ ዘሑ. 28፡17-25፥ ዘዳ. 16፡3-8።
ቀዳመይቲ ፋሲካ
21ሙሴ ድማ ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ፀዊዑ “ነንስድራኹም ዝኸውን ጡበት በጊዕ ሓሪኹም ውሰዱ እሞ፥ በጊዕ ፋሲካ ሕረዱ። 22ዕትሪ ስምዕዛ ውሰዱ፤ ኣብቲ ኣብ ሒላብ ዘሎ ደም ከዓ ጥምዕዎ፤ ነቲ ላዕለዋይ ድርኵዂትን ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን፥ በቲ ኣብ ሒላብ ዘሎ ደም ልኸይዎ። ክሳዕ ንግሆ ድማ ኻባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ኻብ ገዛኡ ኣይውፃእ። 23#ዕብ. 11፡28። እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ክቐትል ክሓልፍ እዩ። ነቲ ደም ኣብ ላዕለዋይ ልዳትን፥ ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ምስ ረአየ ኸዓ ነታ በሪ ኽሓልፋ እዩ፤ እቲ መጥፍኢ ናብ ገዛኹም ኣትዩ ኽወቕዐኩም ኣይሓድጎን።
24“ነዝ ስርዓት እዙይ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ንዘለኣለም ሓልውዎ። 25ናብታ እግዚኣብሄር ክህበኩም እየ ኢሉ ዘተስፈወኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ነዝ ስርዓት እዙይ ከምቲ ዝኣዘዘኩም ጌርኩም ሓልውዎ። 26ደቅኹም ‘እዝ ስርዓት እዙይ እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኹም፥ 27‘እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ክቐትል እንተሎ፥ ኣብ ግብፂ ንኣባይቲ ደቂ እስራኤል ስለ ዝሓለፈ፥ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝውፈ መስዋእቲ ፋሲካ እዩ’ በልዎም” በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ንእግዚኣብሄር ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። 28ደቂ እስራኤል ከዓ ኸይዶም ከምኡ ገበሩ፤ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።
በዅሪ ግብፃውያን ከም ዝሞቱ
29 #
ዘፀ. 4፡22-31። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብፂ፥ ካብቲ ኣብ ዙፋኑ ዝቕመጥ በዅሪ ፈርዖን፥ ክሳዕ በዅሪ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ እሱር ቀተለ፤ ንዅሉ በዅሪ እንስሳ ድማ ወቕዐ። 30ሽዑ ፈርዖንን ኵሎም መኳንንቱን፥ ኵሎም ግብፃውያንን ብለይቲ ተስኡ። ምዉት ዘይብላ ገዛ ኣይነበረትን እሞ፥ ኣብ ግብፂ ዓብዪ ኣውያት ኮነ።
31ፈርዖን ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ብለይቲ ፀዊዑ “ንስኻትኩምን ደቂ እስራኤልን ተስኡ፤ ካብ ማእኸል ህዝበይ ውፁ። ከምቲ ዝበልኩምዎ ኺዱ፤ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። 32ከምቲ ዝበልኩምዎ ድማ ኣባጊዕኹምን ከፍትኹምን ሒዝኩም ኪዱ፤ ንኣይ ከዓ መርቑኒ” በሎም።
33እቶም ግብፃውያን ድማ “ኵልና ኽንመውት ኢና” ኢሎም ስለ ዝፈርሑ ነቶም እስራኤላውያን “ካብዛ ምድሪ ቐልጢፍኩም ውፁ” ኢሎም ሃወኽዎም። 34ንሳቶም ድማ ነቲ ገና ዘይበዅዐ ብሑቖም ኣብቲ መልወሲኦም መሊኦም፥ ብኽዳኖም ጠቕሊሎም ኣብ ማእገሮም ተሸከምዎ። 35#ዘፀ. 3፡21-22። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ካብ ግብፃውያን “ብብሩርን ብወርቅን ዝተሰርሑ ኣቑሑን ክዳውንትን” ለመኑ። 36እግዚኣብሄር ድማ ንህዝቡ ዅሉ ዝደለይዎ ኽህብዎም፥ ኣብ ቅድሚ ሰብ ግብፂ ሞገስ ሃቦም፤ ንሰብ ግብፂውን ዘመትዎም።
እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ኸም ዝወፁ
37ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ራምሴ ተልዒሎም ናብ ሱኮት ተጕዓዙ። ኵሎም፥ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፥ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ዝኾኑ እግረኛ ሰብኡት ነበሩ። 38ምስኣቶም ድማ ኻልእ ዝዓሌቱ ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ ኸደ፤ ከምኡውን ኣባጊዕን ከፍትን የመና ብዙሓት ጥሪትን ምስኣቶም ወፁ። 39እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፅእዎ ብሑቕ ኣይበዅዐን ነበረ እሞ ኻብኡ ቕጫታት ሰንከቱ። ካብ ግብፂ ብህፁፅ ስለ ዝተሰጐጉ ስንቆም ከዳልዉ ጊዜ ኣይነበሮምን።
40 #
ዘፍ. 15፡13፥ ገላ. 3፡17። ደቂ እስራኤል ኣብ ግብፂ ዝነበሩሉ ዘመን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ። 41በታ እተን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመታት ዝተወድኣላ መዓልቲ፥ ኵሎም ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብፂ ወፁ። 42እዛ ለይቲ እዚኣ፥ ብኣኣ ኻብ ምድሪ ግብፂ ስለ ዘውፅኦም፥ ንእግዚኣብሄር ፍፁም ዝተሓለወት እያ፤ እዛ ለይቲ እዚኣ፥ እስራኤላውያን ንውሉድ ወለዶኦም ንእግዚኣብሄር ፍፁም ዝተሓለወት ለይቲ እያ።
ስርዓት ኣከባብራ በዓል ፋሲካ
43እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ሕጊ ፋሲካ እዙይ እዩ፦ ጓና ዝኾነ ኻብኡ ኣይብላዕ። 44ብገንዘብ ዝተዓደገ ባርያ እንተሃለወ ግና፥ ምስ ገረዝካዮ ኻብኡ ይብላዕ። 45ስደተኛን ንስራሕ ዝተቘፀረን ግና ኻብኡ ኣይብልዑ።
46“ኣብ ሓንቲ ገዛ ይበላዕ፤ ካብቲ ስጋ ሓደ እኳ ኻብ ገዛ ንደገ ኣይተውፅኡ፤ ዓፅሙ ድማ ኣይትስበሩ። #ዘሑ. 9፡12፥ ዮሓ. 19፡36። 47ነዙይ፥ ኵሉ ጉባኤ ህዝቢ እስራኤል ይግበሮ።
48“ጓና ምሳኻ እንተ ተቐመጠ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር በዓል ፋሲካ ኽገብር እንተ ደለየ፥ ምስኡ ዘሎ ዅሉ ተባዕታይ ይገረዝ፤ ሽዑ ኸም ወዲ ዓዲ ተቘፂሩ በዓል ፋሲካ ይግበር። ዘይተገርዘ ግና ኻብኡ ኣይብላዕ። 49ንወዲ ዓድን ኣብ ማእኸልኩም ንዝነብር ጓናን፥ ሓደ ሕጊ ይኹን” በሎም።
50ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ። 51እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅኦም።
Currently Selected:
ዘፀኣት 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: