YouVersion Logo
Search Icon

ዘፀኣት 11

11
ዓስራይ መቕሰፍቲ፥
ሙሴ በዅሪ ግብፃውያን ከም ዝሞቱ ተዛረበ
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኣብ ልዕሊ ግብፅን ገና ሓደ መዓት ከምፅእ እየ። ብድሕሪኡ ፈርዖን ካብዙይ ክትወፁ ኽሰደኩም እዩ። ክሰደኩም ጥራሕ ዘይኮነ ውፁለይ ኢሉውን ኽሰጐኩም እዩ። 2ሕዚ ኸዓ ነቶም ህዝቢ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ካብ ጐረቤቱ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ካብ ጐረቤታ፥ ብብሩርን ብወርቅን ዝተሰርሐ ኣቕሓ ኽልምኑ ኣብ ኣእዛኖም ንገሮም” በሎ። 3እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ግብፃውያን ሞገስ ሃቦ። ሙሴውን ኣብ ሃገር ግብፂ፥ ኣብ ቅድሚ ኣገልገልቲ ፈርዖንን ኣብ ቅድሚ ህዝብን የመና ዓብዪ ሰብ ነበረ።
4ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ፍርቂ ለይቲ ብግብፂ ኽሓልፍ እየ። 5ኣብ ሃገር ግብፂ ዘሎ ኵሉ በዅሪ፥ ካብ በዅሪ እቲ ኣብ ዙፋን ዝቕመጥ ንጉስ ፈርዖን ክሳዕ በዅሪ እታ ኣብ እግሪ መጥሐን ዘላ ኣገልጋሊት ክሞቱ እዮም። ኵሉ በዅሪ እንስሳውን ክመውት እዩ። 6ኣብ ኵላ ሃገር ግብፂ ኸዓ ቕድሚኡ ኾነ ድሕሪኡ ተርእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ዋይ ዋይታ ክኸውን እዩ። 7ኣብ ኵሎም ደቂ እስራኤል ግና፥ ኣብ ሰብ ኮነ ኣብ እንስሳ፥ ከልቢ እኳ መልሓሱ ኣየዋሳውሰሎምን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ግብፃውያንን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልልይ ከም ዝገበርኩ ኸዓ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ” በለ። 8ሙሴ ኸዓ ኣስዒቡ “ኵሎም እዞም ኣገልገልትኻ ናባይ ክመፁ እዮም፤ ኣብ ቅድመይ ሰጊዶም ድማ፥ ‘ንስኻን እቲ ዝስዕበካ ዅሉ ህዝብን ውፃእ’ ኢሎም ክልምኑኒ እዮም። ሽዑ ኸዓ ኽንወፅእ ኢና” በለ። ብድሕሪኡ ሙሴ ብቝጥዓ ነዲዱ ኻብ ፈርዖን ወፀ።
9እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣነ ተኣምራተይ ኣብ ምድሪ ግብፂ ምእንቲ ኸብዝሕ፥ ፈርዖን ኣይሰምዐኩምን እዩ” በሎ። 10ሙሴን ኣሮንን ከዓ ነዝ ዅሉ ተኣምራት እዙይ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ገበርዎ። እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኸይኸዱ ኸልከሎም።

Currently Selected:

ዘፀኣት 11: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in