YouVersion Logo
Search Icon

ዘፀኣት 10:21-23

ዘፀኣት 10:21-23 ትመ15

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢድካ ናብ ሰማይ ዘርግሕ፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኸዓ፥ ሰብ ዝድህስሶ ግብ ዝበለ ፀልማት ይኹን” በሎ። ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርግሐ፤ ኣብ ኵላ ሃገር ግብፂ ኸዓ ንሰለስተ መዓልቲ ግብ ዝበለ ፀልማት ኮነ። ንሰለስተ መዓልቲ ንብፃዩ ኽርኢ፥ ወይ ካብ ምቕማጡ ኽትስእ ዝኸኣለ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኣብቲ ዅሎም ደቂ እስራኤል ዝተቐመጥዎ ግና ብርሃን ነበረ።