ዘፀኣት 10
10
ሻምናይ መቕሰፍቲ
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ምልክታተይ ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ኽገብር፥ ንልቢ ፈርዖንን ንልቢ መኳንንቱን ኣትሪረዮ እየ እሞ፥ ናብ ፈርዖን እቶ። 2እዙይ ከዓ ነቲ ኣብ ግብፃውያን ዘውረድክዎ መዓትን፥ ነቲ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ምልክታተይን፥ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ኣብ እዝኖም ክትነግርዎም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ” በሎ።
3ሙሴን ኣሮንን ድማ ኣትዮም ንፈርዖን፥ “ኣምላኽ ዕብራውያን እግዚኣብሄር ‘ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ቅድመይ እትዕበ? ኸገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም። 4ንህዝበይ ክኸዱ እንተ ዘይሰዲድካዮም ግና፥ እንሆ ፅባሕ ናብ ምድርኻ ኣንበጣ ኸምፅእ እየ። 5እቲ ኣንበጣ ኸዓ ንምድሪ ኸም ዘይትረአ ገይሩ ኽሽፍና እዩ። ነቲ ኻብ በረድ ድሒኑ ዝተረፈውን ክበልዖ እዩ። ንዅለን ኣብ በረኻ ዝበቘላ ኣእዋም ከዓ ኽበልዐን እዩ። 6ንቤትካን ንኣባይቲ ዅሎም መኳንንትኻን ንኣባይቲ ዅሎም ግብፃውያንን ብኣኣቶም ክመልአን እዩ። እዙይ ኣቦታትካን ኣባሓጎታትካን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ዝቕመጡ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሪኦምዎ ዘይፈልጡ እዩ’ ይብል ኣሎ” በልዎ። ሙሴ ተመሊሱ፥ ካብ ፈርዖን ወፀ።
7መኳንንቱ ድማ ንፈርዖን “እዝ ሰብኣይ እዙይ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዕንቅፋት ዝኾነና? ነዞም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከገልግሉ ስደዶም። ግብፂ ኸም ዝጠፍአትዶ ገና ኣይፈለጥካን ኢኻ?” በልዎ።
8ሽዑ ንሙሴን ንኣሮንን ናብ ፈርዖን መለስዎም። ንሱ ድማ “ኪዱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፤ እቶም ዝኸዱ ግና መነመን ከም ዝኾኑ ንገሩኒ” በሎም።
9ሙሴ ድማ፥ “ንእግዚኣብሄር በዓል ክንገብረሉ ኢና እሞ፥ ምስ ኣናእሽቱናን ዓበይትናን፥ ኣወዳትናን ኣጓላትናን፥ ኣጣልናን ኣባጊዕናን ከፍትናን ኢና እንኸይድ” በሎ።
10ፈርዖን ድማ “ኪዱ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን፤ ክፍኣት ከም ዝሓሰብኩም ግሁድ እዩ። ግና ምስ ደቅኹምን ምስ ኣንስትኹምን ኣይሰደኩምን። 11ከምዙይ ኣይኾንን፤ ሰብኡት ጥራሕ ኪዱሞ ንእግዚኣብሄር ስገዱ፤ እቲ እትልምንዎ ዝነበርኩም ከዓ ንሱ እዩ” በሎም። ንሙሴን ንኣሮንን ድማ ኻብ ቅድሚ ፈርዖን ሰጐጕዎም።
12እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንምድሪ ግብፂ ኣንበጣ ምእንቲ ኽሽፍኖ እሞ፥ ንዅሉ በቝሊ ምድርን፥ ነቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ዅሉን ክበልዕስ፥ ኣእዳውካ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብፂ ዘርግሕ” በሎ።
13ሙሴ ኸዓ በትሩ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብፂ ዘርግሐ፤ እግዚኣብሄር ድማ ብምልእታ እታ መዓልቲ እቲኣን፥ ብምልእታ እታ ለይቲ እቲኣን፥ ናብታ ምድሪ ንፋስ ምብራቕ ኣምፅአ። ምስ ወግሐ ድማ እንሆ እቲ ንፋስ ምብራቕ፥ ኣንበጣ ኣምፅአ። 14እቲ ኣንበጣ ኸዓ ናብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብፂ ወፀ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ የመና ብዙሕ ኣንበጣ ነበረ። ቅድሚኡ ኽንድኡ ዝምብዛሑ ኣንበጣ ተርእዩ ኣይፈልጥን። ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ከቶ ኣይረአን እዩ። 15#ራእይ 9፡2-3። ምድሪ ኽሳዕ እትፅልምት ንዅላ ምድሪ ሸፈና። ንዅሉ በቝሊ ምድርን ነቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ዅሉ ፍረ ኦምንውን በልዖ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ፥ ኣብ ኦም ወይ ኣብ በቝሊ ግራት፥ ምንም ለምዒ ኣይተረፈን።
16ሽዑ ፈርዖን ንሙሴን ንኣሮንን ቀልጢፉ ፀዊዑ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንኣኻትኩምን በደልኩ። 17ሕዚ ግና ነዛ ጊዜ እዚኣ ጥራሕ በይዛኻትኩም በደለይ ይቕረ በሉለይ። ነዝ ሞት እዙይ ካባይ ከርሕቐለይ ጥራሕ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ለምኑለይ” በሎም።
18ሙሴ ኸዓ ኻብ ቅድሚ ፈርዖን ወፂኡ ንእግዚኣብሄር ለመነ። 19እግዚኣብሄር ድማ ኣውሎ ንፋስ ምዕራብ ኣምፅአ። ነቲ ኣንበጣ ኸዓ ፀራሪጉ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ደርበዮ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ሓደ ኣንበጣ እኳ ኣይተረፈን። 20እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ክኸዱ ኣይሰደዶምን።
ታሽዐይቲ መቕሰፍቲ
21እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢድካ ናብ ሰማይ ዘርግሕ፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኸዓ፥ ሰብ ዝድህስሶ ግብ ዝበለ ፀልማት ይኹን” በሎ። 22#መዝ. 105፡28፥ ራእይ 16፡10። ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርግሐ፤ ኣብ ኵላ ሃገር ግብፂ ኸዓ ንሰለስተ መዓልቲ ግብ ዝበለ ፀልማት ኮነ። 23ንሰለስተ መዓልቲ ንብፃዩ ኽርኢ፥ ወይ ካብ ምቕማጡ ኽትስእ ዝኸኣለ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኣብቲ ዅሎም ደቂ እስራኤል ዝተቐመጥዎ ግና ብርሃን ነበረ።
24ፈርዖን ድማ ንሙሴ ፀዊዑ “ኪዱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። ኣባጊዕኹምን እንስሳኹምን ጥራሕ ደኣ ይትረፋ እምበር፥ ኣንስትኹምን ቈልዑኹምን ምሳኻትኩም ይኺዱ” በሎ።
25ሙሴ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውኦ መስዋእቲ ሕሩድን ዝቃፀል መስዋእትን፥ ንስኻዶ ኽትህበና ዄንካ? 26እዙይ ከቶ ኣይኸውንን እዩ። እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውአሉ ኻብኣተን ስለ እንወስድ፥ ሓንቲ ሸኰና እኳ እንተይተረፈት ኵለን እንስሳና ምሳና ክኸዳ እየን። ንሕና ድማ ኣብታ እንስውአላ ኽሳዕ እንበፅሕ ንእግዚኣብሄር እንታይ ከም እንስውአሉ ኣይንፈልጥን ኢና” በሎ።
27እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ኽሰዶም ኣይፈተወን። 28ፈርዖን ድማ “ሙሴ ኻባይ ኪድ ረሓቕ! መሊስካ ገፀይ ከይትርኢ ተጠንቀቕ። እንሆ በታ ገፀይ እትሪአላ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ” በሎ።
29ሙሴ ኸዓ መሊሱ “ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን። ደጊም ገፅካ ኣይርእን እየ” በሎ።
Currently Selected:
ዘፀኣት 10: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in