YouVersion Logo
Search Icon

ኣስቴር 9

9
ኣይሁድ ንፀላእቶም ከም ዝደምሰስዎም
1ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይታ ኣዳር እትበሃል መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ በታ ቓል ንጉስን ትእዛዙን ዝፍፀመላ መዓልቲ፥ በታ ፀላእቲ ኣይሁድ ክዕብልልዎም ተስፋ ገይሮምላ ዝነበሩ መዓልቲ፥ እቲ ነገር ተገልቢጡ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ፀላእቶም ስልጣን ረኸቡ። 2እቶም ኣይሁድ ኣብ ኵለን ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ነቶም ክፉእ ክገብርዎም ዝደልዩ ዝነበሩ ኸጥፍኡ ናብ ከተማታቶም ተኣከቡ፤ ፍርሓት ኣብ ኵሎም ህዝብታት ወዲቑ ስለ ዝነበረ፥ ንኣኣቶም ክቃወም ዝኽእል ኣይነበረን። 3ኵሎም ሹመኛታት እተን ሃገራትን መኳንንትን መሳፍንትን፥ ኵሎም ናይ መንግስቲ ተወከልቲ ንመርዶክዮስ ስለ ዝፈርሕዎ ንኣይሁድ ሓገዝዎም። 4መርዶክዮስ ልዕል ልዕል እናበለ ስለ ዝኸደ፥ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዓብዪ ኾይኑ ነበረ፤ ዝና መርዶክዮስውን ኣብ ኵለን ሃገራት ተሰምዐ።
5ኣይሁድ ንዅሎም ፀላእቶም ብስሕለት ሰይፊ ወቒዖም ቀተልዎም፤ ኣጥፍእዎምውን። ንዅሎም ፀላእቶም ከም ዝደለዩ ገበርዎም። 6ኣይሁድ ኣብ ሱሳ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ጥራሕ፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ቀቲሎም ኣጥፍኡ። 7ንፈርሰኔስ፥ ንደልፎን፥ ንፋስጋ፥ 8ንፋረዳታ፥ ንበርያ፥ ንሰርባካ፥ 9ንመርመሲማ፥ ንሩፋዮስ፥ ንአርሳዮስ፥ ንዛቡታዮስ፥ 10ነዞም ዓሰርተ ደቂ ሃማ፥ ወዲ ሃመዳታ ፀላእ ኣይሁድ፥ ቀተልዎም፤ ናብ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን።
11በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ቍፅሪ እቶም ኣብ ከተማ ሱሳ ዝተቐትሉ ናብ ንጉስ መፀ። 12ንጉስ ድማ ንንግስቲ ኣስቴር “ኣይሁድ ኣብ ከተማ ሱሳ ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባትን ነቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን ቀተሉ፤ ኣጥፍእዎምውን። ኣብተን ካልኦት ግዝኣተይ ደኣ ኸመይ ገይሮም ይኾኑ? ሕዚኸ እንታይ እዩ ልመናኺ? ኽወሃበኪ እዩ፤ እንታይከ ትደልዪ? ኽፍፀመልኪ እዩ” በላ።
13ሽዑ ኣስቴር “ንጉስ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ነዞም ኣብ ሱሳ ዘለዉ ኣይሁድ፥ ፅባሕ ድማ ኸምዝ ናይ ሎሚ ዝበለ ኽገብሩ፥ ሬሳ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማ ድማ ኣብ ጕንዲ ኽስቀል፥ ኣዝዝ” በለቶ።
14ንጉስ ከዓ “ከምኡ ይገበር” በለ። እቲ ትእዛዝ ኣብ ሱሳ ተውሃበ እሞ፥ ሬሳ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማ ኣብ ጕንዲ ተሰቕለ። 15እቶም ኣብ ሱሳ ዝነበሩ ኣይሁድ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይ ወርሒ ኣዳር ተኣከቡ፤ ኣብ ሱሳ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ቀተሉ፤ ናብ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን።
16እቶም ኣብተን ግዝኣት ንጉስ ዝነበሩ ኻልኦት ኣይሁድ ድማ ንህይወቶም ክከላኸሉን ካብ ፀላእቶም ዕረፍቲ ኽረኽቡን ተኣከቡ። ካብቶም ፀላእቶም ድማ ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ ቀተሉ፤ ናብ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን። 17እዙይ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ወርሒ ኣዳር ተገብረ። ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ግና ኣዕረፉ፤ መዓልቲ ድግስን ሓጐስንውን ገበርዋ።
18እቶም ኣብ ሱሳ ዝነበሩ ኣይሁድ ግና፥ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተን ዓሰርተ ኣርባዕተን መዓልቲ ተኣከቡ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ኸዓ ኣዕረፉ፤ ንኣኣውን መዓልቲ ድግስን ሓጐስን ገበርዋ።
19ስለዙይ ከዓ እዮም እቶም ኣብ ገጠራትን ኣብ ዘይተዓረዳ ኸተማታትን ዝነብሩ ኣይሁድ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይ ወርሒ ኣዳር ናይ ዓብዪ ሓጐስን ድግስን በዓል ዘብዕሉ፥ ንስንሳቶም ድማ ውህብቶ ዝወሃሃቡ።
በዓል ፉሪም
20መርዶክዮስ ድማ ነዝ ነገር እዙይ ፅሒፉ ኣብ ኵሉ ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናብ ዘለዉ ዅላቶም ኣይሁድ መልእኽትታት ሰደደ። 21ንመበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልትን፥ ንመበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልትን ናይ ወርሒ ኣዳር፥ በብዓመቱ ኸብዕልወን ኣዘዞም። 22እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ኣይሁድ ካብ ፀላእቶም ዝዓረፉለን መዓልቲታት እየን። እዝ ወርሒ እዙይ ከዓ፥ ካብ ሓዘን ናብ ሓጐስ፥ ካብ ብኽያት ናብ ፅቡቕ ዝተለወጠሉ ዕለት እዩ። ነዘን መዓልቲታት እዚኣተን መዓልቲታት ድግስን ሓጐስን ክገብርወን፥ ንስንሳቶም ድማ ውህብቶታት ክወሃሃቡ፥ ንድኻታት ድማ ምፅዋት ክምፅውቱ ኣዘዞም።
23እቶም ኣይሁድ ድማ ኸምቲ መርዶክዮስ ዝፀሓፈሎም ነቲ ጀሚሮምዎ ዘለዉ በዓል፥ ከብዕልዎ ተሰማምዑ። 24#ኣስ. 3፡7። ሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ፀላእ ዅሎም ኣይሁድ፥ ንኣይሁድ ከጥፍኦም ኢሉ ተተናዂልዎም ነበረ። ክድምስሶምን ከጥፍኦምን ከዓ ፉር ዝበሃል ዕፃ፥ ኣውዲቑሎም ነበረ። 25ኣስቴር ናብ ቅድሚ ንጉስ ምስ ኣተወት ግና፥ ንሱ መልእኽትታት ፅሒፉ “እቲ ሃማ ንኣይሁድ ዝተተናዀሎም ሕሱም ተንኰል ኣብ ርእሱ ይመለስ፤ ንሱን ደቁን ድማ ኣብ ጕንዲ ይሰቐሉ” ኢሉ ኣዘዘ። 26ስለዙይ ነዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ፉሪም ኢሎም ሰመይወን። “ፉሪም” ካብ ፉር ዝብል ቃል ዝመፀ እዩ። እምበኣር ከምቲ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝተፅሓፈ ዅሉ ቓል፥ ከምቲ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ዝረአይዎን፥ ከምቲ ዅሉ ዝረኸቦምን፥ 27እቶም ኣይሁድ ንርእሶምን ንዘርኦምን ንዅሉ ናብኣቶም ዝተፀግዐን እዘን ክልተ መዓልቲ እዚኣተን፥ ከምቲ ተፅሒፉ ዘሎ በብእዋኑን በብመዓልቱን እንተየዛብዑ ኸብዕሉ ተቐቢሎም ኣፅንዕዎ። 28እዘን ፉሪም ዝበሃላ መዓልቲታት እዚኣተን፥ ኣብ ኵሉ ትውልድታት፥ በብዓሌቱን በብሃገሩን በብኸተማኡን ክዝከራን ክበዓላን፥ ኣይሁዳውያን ዝኾኑ ዅሎም ከብዕልወን፥ መዘከርታአንውን ካብ ዘርኦም ከቶ ኸይጠፍኣ ወሰኑ።
29ንግስቲ ኣስቴር ጓል ኣቢካኢልን መርዶክዮስን፥ ነታ ብዛዕባ ፉሪም እትገልፅ መልእኽቲ ብምሉእ ሓይሎም ከፅንዕዋ ኻልአይቲ መልእኽቲ ፀሓፉ። 30ቅዳሕ ናይታ መልእኽቲ ድማ ናብ ኵሎም ኣይሁድ፥ ናብተን ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ ተልኣኸ። ኣስቴርን መርዶክዮስን ንዅሎም ኣይሁድ ሰላምን ህድኣትን ተመነዩሎም። 31ከምቲ ንሳቶምን ዘርኦምን ብፆምን ብምህለላን ዝሰርዕዎን ኣፅኒዖም ዝሓለውዎን፥ ከምኡ ኸዓ መዓልቲታት ፉሪም ክሕልዉ ኸም ዝግባእ ኣዘዝዎም። 32በዝ ኸምዙይ ትእዛዝ ኣስቴር ነዝ ናይ ፉሪም ነገር ኣፅንዖ። እዙይ ከዓ ኣብ መፅሓፍ ተፅሓፈ።

Currently Selected:

ኣስቴር 9: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in