ኣስቴር 8
8
ኣይሁድ ካብ ፀላእቶም ክከላኸሉ ኸም ዝተፈቕደሎም
1በታ መዓልቲ እቲኣ ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ናይ ሃማ እቲ ፀላእ ኣይሁድ ዝኾነ ዅሉ ሃብቲ፥ ንንግስቲ ኣስቴር ሃባ። ኣስቴር፥ መርዶክዮስ ዘመዳ ምዃኑ ንንጉስ ነጊራቶ ነበረት እሞ፥ መርዶክዮስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣተወ። 2ንጉስ ድማ ነቲ ኻብ ሃማ ዝወሰዶ ማሕተም ዘለዎ ቐለበቱ ኣውፂኡ ንመርዶክዮስ ሃቦ። ኣስቴር ከዓ ንመርዶክዮስ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሃማ ዝኾነ ዅሉ ሃብቲ ሸመቶ።
3ኣስቴር ድማ መሊሳ ኣብ እግሪ ንጉስ ወዲቓ እናበኸየት ለመነቶ፤ ነቲ ሃማ ኣጋጋዊ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝፈሓሶ ተንኰል ከፍርስ ለመነቶ። 4ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣስቴር ነቲ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሐላ፤ ኣስቴር ከዓ ተሲኣ፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በለት።
5ከምዙይ ድማ በለት፦ “ንጉስ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ሞገስ እንተ ረኺበ፥ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካ፥ ኣነ ኸዓ ብኣኻ ፍትውቲ እንተ ኾይነ፥ ሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ነቶም ኣብ ኵሉ ግዝኣት ንጉስ ዘለዉ ኣይሁድ ከጥፍእ ሓሲቡ ዝፀሓፈን መልእኽትታት ክልወጣ ኣውጅ። 6ኣነ ኸመይ ገይረ እቲ ናብ ህዝበይ ዝመፅእ መከራ ኽርኢ እኽእል? ከመይ ገይረኸ ጥፍኣት ኣዝማደይ ክፃወር እኽእል?”
7ሽዑ ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስቴርን ንመርዶክዮስ ኣይሁዳውን “እንሆ፥ ሃብቲ ሃማ ንኣስቴር ሂበያ ኣለኹ፤ ንሱ ድማ ንኣይሁድ ከጥፍእ ኢዱ ስለ ዝዘርግሐ ኣብ ጕንዲ ተሰቐለ። 8ሕዚ ኸዓ እቲ ብስም ንጉስ ዝተፅሓፈን ብቐለበት ንጉስ ዝተሓትመን ኣይልወጥን እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም ድማ ብዛዕባ ኣይሁድ፥ ደስ ዝበለኩም ብስመይ ፀሓፉ፤ ብቐለበተይውን ሕተምዎ” በሎም።
9በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ናይታ ሲዋን እትበሃል ሳልሰይቲ ወርሒ እቶም ፀሓፍቲ ንጉስ ተፀውዑ። ከምቲ ዅሉ መርዶክዮስ ዝኣዘዞ፥ ናብ ኣይሁድን ናብ ሹመኛታትን ናብ ገዛእትን ናብቶም ኣሕሉቕ ናይተን ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት በብሃገር ከከም ኣፀሓሕፋኡ፥ በብህዝቢ ኸዓ ኸከም ቛንቋኡ፥ ንኣይሁድ ድማ ኸከም ኣፀሓሕፋኣቶምን ከከም ቋንቋኣቶምን ፀሓፉሎም። 10መርዶክዮስ ድማ ብስም ንጉስ ኣርጤክስስ ፀሓፎ፤ ብቐለበት ንጉስውን ሓተሞ። ነዝ መልእኽቲውን ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ንጉስ ዝተቐመጡ ልኡኻት ገይሩ ሰደዶ።
11ኣብቲ መልእኽቲ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ ኵለን ከተማታት ዘለዉ ኣይሁድ ክእከቡ እሞ ንህይወቶም ክከላኸሉ፥ ነቶም ሓደጋ ዘውድቑሎም ናይ ኵሉ ህዝብን ሃገርን ሰራዊት ምስ ናይ ህፃናቶምን ኣንስቶምን ከጥፍእዎምን ክቐትልዎምን ክድምስስዎምን ንብረቶም ክዘርፉን ፈቐደሎም። 12እዙይ ኣብ ኵለን ሃገራት ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ኸዓ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ናይታ ኣዳር እትበሃል መበል ዓሰርተ ሰለስተ ወርሒ እዩ። 13ኣይሁድ ድማ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንፀላእቶም ሕነ ኽፈድዩ ኽዳለዉስ፥ ቅዳሕ እቲ ፅሕፈት ኣብ ኵለን ሃገራት ትእዛዝ ክወሃብ፥ ንዅሎም ህዝብታት ተኣወጀ።
14እቶም ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ዝተቐመጡ ልኡኻት፥ ብትእዛዝ ንጉስ ብቕልጡፍ፥ ናብ ኵለን ሃገራት ወፁ። ከምኡውን እቲ ትእዛዝ ኣብ ከተማ ሱሳ ተኣወጀ። 15መርዶክዮስ ድማ ሰማያውን ፃዕዳን ልብሰ መንግስቲ ተኸዲኑ፥ ዓብዪ ዘውዲ ወርቂ ኣብ ርእሱ ደፊኡ፥ ብሃሪ ዝተኣልመ ቐይሕን ፃዕዳን ዓለባ ተወንዚፉ፥ ካብ ቤተ መንግስቲ ወፀ፤ ከተማ ሱሳ ኸዓ ዕልል እናበለት ተሓጐሰት። 16እዙይ ከዓ ንኣይሁድ ብርሃንን ሓጐስን ደስታን ክብረትን ኮነ። 17ኣብ ኵለን ሃገራትን ኣብ ኵለን ከተማታትን ቃል ንጉስን ትእዛዙን ናብ ዝበፅሖ ዅሉ ቦታ ንኣይሁድ ሓጐስን ደስታን ኮነሎም፤ ብመብልዕን መስተን ድማ ዓብዪ በዓል ገበሩ። ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸዓ፥ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ፥ ብዙሓት ሰባት ኣይሁድ ኮኑ።
Currently Selected:
ኣስቴር 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: