YouVersion Logo
Search Icon

ኣስቴር 4:13-14

ኣስቴር 4:13-14 ትመ15

መርዶክዮስ ድማ ንኣክራትዮስ፥ ኪድሞ ንኣስቴር ከምዙይ በላ በሎ፦ “ኣብ ቤት ንጉስ ስለ ዘለኺ፥ ካብ ኵሎም ኣይሁድ ተፈሊኺ፥ ንበይንኺ ኽድሕን እየ ኢልኪ ኣይትሕሰቢ። በዝ ጊዜ እዙይ ስቕ እንተ በልኪ፥ ንኣይሁድ ሓገዝን ድሕነትን ካብ ኻልእ ቦታ ኽመፅእ እዩ፤ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ኽትጠፍኡ ኢኹም። ንስኺ ኸምዙይ ንዝበለ እዋን ናብ መንግስቲ መፂእኺ እንተ ኾንኪኸ፥ መን ይፈልጥ?”