ኤፌሶን 6
6
ብዛዕባ ውሉድን ወለድን
1 #
ምሳ. 1፡8። ኣቱም ውሉድ፥ ግቡእ እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም። 2-3#ዘፀ. 20፡12። ሰናይ ክኾነልካ፥ ኣብ ምድሪ እውን ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር። ንሳውን ናይ ተስፋ ቓል ዘለዋ፥ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እያ። 4#ዘፍ. 18፡19፥ ምሳ. 29፡17። ኣቱም ወለዲውን፥ ብናይ ጐይታ ምኽርን ተግሳፅን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፥ ንደቅኹም ኣይተቘጥዕዎም።
ብዛዕባ ግዙኣትን ጐይቶትን
5 #
1 ጢሞ. 6፡1፥ ቲቶ 2፡9። ኣቱም ኣገልገልቲ፥ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩም፥ ብፍርሓትን ብራዕድን ብቕኑዕ ልብን፥ ከም ንክርስቶስ ጌርኩም ተኣዘዝዎም። 6ፈቓድ እግዚኣብሄር ከም ዝገብሩ፥ ከም ኣገልገልቲ ክርስቶስ እምበር፥ ንሰብ ከም እተሐጕሱ፥ ንይምሰል ከም እትግዝኡ ኣይትኹኑ። 7ንሰብ ዘይኮነስ፥ ንጐይታ ኸም እትግዝኡ፥ ብትግሃትን ብሰናይ ድልየትን ተገዝኡ። 8#2 ቆሮ. 5፡10። ኣገልጋሊ ኾነ፥ እቲ ተገልጋሊ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዓስቡ ኸም ዝቕበል ፍለጡ። 9#ሮሜ 2፡11። ንስኻትኩምውን ኣቱም ጐይቶት፥ ምፍርራሕ ሓዲግኩም፥ ልክዕ ከምኡ ግበሩሎም። እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ናታቶምን ናታትኩምን ጐይታ፥ ገፅ ሰብ ሪኡ ዘየዳሉ ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም።
መንፈሳዊ ውግእ
10 #
1 ቆሮ. 16፡13። ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ብጐይታን ብፅንዓት ሓይሉን ጠንክሩ። 11ንተንኰል ሰይጣን ምክልኻል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ብምሉኡ ልበሱ። 12#ሮሜ 13፡12፥ ያቆ. 4፡7፥ 1 ጴጥ. 5፡8-9። ውግእና ምስ ኣሕሉቕን፥ ስልጣናትን፥ ምስቶም ነዝ ዘመን ፀልማት ዘመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፥ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኽፉኣት መናፍስትን እዩ እምበር፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን። 13ስለዙይ በታ ኽፍእቲ መዓልቲ፥ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵሉ ስዒርኩም ድማ ደው ክትብሉስ፥ ምሉእ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ኣልዕሉ። 14#ኢሳ. 11፡5፥ 59፡17፥ 1 ተሰ. 5፡8። እምበኣር ሕቘኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም፥ ድርዒ ፅድቂ እውን ተኸዲንኩም ቁሙ። 15#ኢሳ. 52፡7። ነቲ ናይ ሰላም ወንጌል ብምድላው፥ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ብምእታው፥ ተዳሊኹም ቁሙ። 16ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ሃልሃል ዝብል ኵሉ ፍላፃታት ኽተጥፍኡሉ እትኽእሉ፥ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። 17#ዕብ. 4፡12። ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ ድፍኡ፤ ናይ መንፈስ ሰይፊ ድማ ሓዙ፤ ንሱውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ። 18#ሉቃ. 18፡1። ብኹሉ ፀሎትን ብልመናን ኵልሻዕ ብመንፈስ ፀልዩ። ምስ እዙይውን፥ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብፀሎት ትግሁ። 19#ሮሜ 15፡30። ምእንታይውን፥ ክዛረብ እንተለኹ፥ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ምእንቲ ኽነግር፥ ቃል ክወሃበኒ ፀልዩለይ። 20#ኤፌ. 3፡1። ምእንቲ ወንጌል እሱር ዝኾንኩ ልኡኽ እየ እሞ፥ ምእንታኡ ኸምቲ ዝግብአኒ፥ ብትብዓት ምእንቲ ኽዛረብ ፀልዩለይ።
ናይ መወዳእታ ሰላምታ
21ሕዚ ኸዓ ኸመይ ከም ዘለኹን፥ እንታይ ከም ዝገብርን ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እቲ ፍቑር ሓወይን ብጐይታ ኸዓ፥ እሙን ኣገልጋልን ዝኾነ ቲኪቆስ፥ ኵሉ ኽነግረኩም እዩ። 22#ግ.ሓ. 20፡4፥ ቈላ. 4፡7-8፥ 2 ጢሞ. 4፡12። ናባኻትኩም ዝሰደድክዎውን፥ ብዛዕባና ዅሉ ፈሊጥኩም፥ ልብኹም ምእንቲ ኽፀናናዕ ኢለ እየ።
23ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ነቶም ኣሕዋትና ይኹን። 24ነቶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘየቋርፅ ፍቕሪ ዘፍቅሩዎ ዅሎም፥ ፀጋ ይኹነሎም።
Currently Selected:
ኤፌሶን 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: