YouVersion Logo
Search Icon

መክብብ 9

9
1ብዛዕባ እዙይ ኣፀቢቐ ሓሰብኩ። ፃድቃንን ጥበበኛታትን፥ ኵሉ ዝሰርሕዎን፥ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ነዝ ዅሉ ኽምርምር ብልበይ ሓሰብኩ፤ ፍቕሪ ወይ ፅልኢ ይኹን ሰብ ኣይፈልጥን፤ ኵሉ ኣብ ቅድሚኣቶም እዩ። 2ንፃድቕን ንሓጥእን፥ ንሕያዋይን ንኽፉእን፥ ንንፁህን ንርኹስን፥ ነቲ ዝስውእን ዘይስውእን፥ ንዅሎም ብፅሒቶም ሓደ እዩ፤ ከምቲ ንሕያዋይ ከምኡ ንሓጥእ፥ ከምቲ ንዝምሕል ከምኡውን ማሕላ ንዝፈርሕ ሓንቲ እያ ብፅሒቶም። 3ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሎ ኽፉእ ነገር ናይ ኵላቶም ብፅሒቶም ሓደ ምዃኑ እዩ። እምበኣር ልቢ ደቂ ሰብ ክፍኣት መሊኡ እዩ፤ ብህይወቶም እንተለዉ ድማ ዕብዳን ኣብ ልቦም ኣሎ፤ ድሕሪዙይውን ናብ ሙታን ይወርዱ። 4ካብ ምዉት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ይሐይሽ እዩ፤ ስለዙይ እቲ ምስ ኵሎም ህያዋን ብሓባር ዘሎ፥ ተስፋ ኣለዎ። 5ህያዋን ከም ዝሞቱ ይፈልጡ እዮም፤ ምዉታት ግና ሓደ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ፤ ድሕሪዙይ ከቶ ረብሓ የብሎምን። 6ፍቕሮምን ፅልኦምን ቅንኣቶምን ሓቢሩ ጠፊኡ እዩ፤ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ኸዓ ንዘለኣለም ግደ የብሎምን።
7ኣምላኽ ግብርኻ ተቐቢልዎ ስለ ዝኾነ፥ ኪድ እንጀራኻ ደስ ኢሉካ ብላዕ፤ ወይንኻውን ብሕጕስ ልቢ ስተ። 8ኵልሻዕ ፃዕዳ ተኸደን፤ ርእስኻ ድማ ዘይቲ ተቐባእ። 9ብህይወትን በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እትፅዕረሉ ፃዕርን ግደኻ እዩሞ፥ ብዅለን በተን ከንቱ ዝኾና መዓልቲታትካ፥ በተን ንሱ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝሃበካ ዅለን መዓልቲታት ናይ ከንቱ ህይወትካ ምስታ እተፍቅራ ሰበይቲኻ ብሓጐስ ንበር። 10ኣብቲ እትኸዶ መቓብር፥ ስራሕን ትልምን ፍልጠትን ጥበብን የለን እሞ፥ ነቲ እትገብሮ ዅሉ ብዘለካ ሓይሊ ፈፅሞ።
11ኣነውን ተመሊሰ፥ ኣብቲ ትሕቲ ፀሓይ፥ ጕያ ንፈጣናት፥ ውግእ ንጀጋኑ፥ እንጀራ ንጥበበኛታት፥ ሃብቲ ንመስተውዓልቲ፥ ሞገስ ንፈላጣት ከም ዘይኾነ ረአኹ፤ ጊዜን ዕድልን ግና ንዅሎም ይራኸቦም። 12ሰብ ነታ ጊዜኡ ኣይፈልጣን እዩሞ፥ ከምቶም ብኽፉእ መርበብ ዝተገፉ ዓሳታት፥ ከምተን ብመፈንጠር ዝተትሓዛ ኣዕዋፍ፥ ከምኡ ኸዓ ደቂ ሰብ ኣብ ክፉእ ጊዜ ድንገት እንትወርዶም እዮም ብመፈንጠር ዝተሓዙ።
ጥበብን ዕሽነትን
13ጥበብ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ድማ ነዝ ጥበብ እዙይ ረአኹ፤ ንሳ ኸዓ ንዓይ ዓባይ ኮይና ተርኣየትኒ። 14ውሑድ ዝህዝባ ንእሽተይ ከተማ ነበረት። ሓያል ንጉስ መፂኡ ድማ ኸበባ፤ ኣብ ዙርያኣውን ዕርድታት ሰርሐ። 15ኣብኣ ኸዓ ጥበበኛ ዝኾነ ድኻ ሰብኣይ ተረኽበ፤ ንሱውን ነታ ኸተማ ብጥበቡ ኣድሓና፤ ግና ነዝ ድኻ ሰብኣይ እዙይ ሓደ ሰብ እኳ ኣይዘከሮን። 16ሽዑ ኣነ “ካብ ሓይልስ ጥበብ ትበልፅ፤ ጥበብ ድኻ ግና ንዕቕቲ እያ፤ ቃሉውን ኣይትስማዕን” በልኩ። 17ኣብ ማእኸል ዓያሹ ብዓውታ ኻብ ዝንገር ዘረባ ገዛኢስ፥ ብህድኣት ዝንገር ቃል ጥበበኛታት ብዝበለፀ ይስማዕ። 18ካብ ኣፅዋር ውግእ ጥበብ ትበልፅ፤ ሓደ ሓጢኣተኛ ግና ብዙሕ ሰናይ ነገራት የጥፍእ።

Currently Selected:

መክብብ 9: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in