YouVersion Logo
Search Icon

መክብብ 7

7
ብዛዕባ ህይወት
1 # ምሳ. 22፡1። ፅቡቕ ስም ካብ ክቡር ሽቱ ይበልፅ፤ ካብ መዓልቲ ልደትውን መዓልቲ ሞት ይበልፅ። 2ናብ ድግስ ካብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ፤ ንሱ ናይ ኵሉ ሰብ ፍፃሜ እዩ እሞ፥ ኵሉ ብህይወት ዘሎ፥ ብልቡ ይግንዘቦ እዩ።
3ገፅ እንተ ሓዘነ፥ ልቢ ይበርህ እዩ እሞ ኻብ ሰሓቕስ ሓዘን ይሐይሽ።
4ልቢ ጠቢባን ኣብ ቤት ሓዘን፥ ልቢ ሰነፋት ግና ኣብ ቤት ሓጐስ እዩ።
5ሰብ ፀርፊ ዓያሹ ኻብ ክሰምዕ፥ ተግሳፅ ለባማት ምስማዕ ይሕሾ።
6ሰሓቕ ዓሻ ኸምቲ ኣብ ትሕቲ ቝራዕ ብሓዊ ዝቃፀል እሾዅ እዩ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።
7ግፍዒ ንጥበበኛ የዕብዶ፤ ጕቦውን ንልቡ የጥፍኦ። 8ናይ ነገር መወዳእታ፥ ካብ መጀመርታኡ ይበልፅ፤
ካብ ዕቡይ መንፈስ፥ ዓቃል መንፈስ ይሐይሽ።
9 # ያቆ. 1፡19። ቍጥዓ ኣብ ሕቝፊ ዓያሹ እዩ ዝነብርሞ፥ ብነፍስኻ ንቝጥዓ ሽኩል ኣይትኹን።
10“ካብዝ ዘመን እዙይ፥ እቲ ዝሓለፈ ዘመን ንምንታይ ሐሸ?” ኢልካ ኣይትናገር፤ ነዝ ነገር እዙይ ብጥበብ ኣይኮንካን እትጥይቕ ዘለኻሞ።
11ጥበብ ምስ ርስቲ ፅብቕቲ እያ፤ ረብሓኣ ድማ ፀሓይ ንዝሪኡ ዅሎም ይጠቅም እዩ። 12ፅላል ጥበብ ከም ፅላል ገንዘብ እዩ፤ ግናኸ ጥበብ እትበልፅ፥ ዘጥረያ ህይወት ምእንቲ ኽትህብ እዩ።
13ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣስተውዕል፤ ነቲ ንሱ ዘጕበጦ መን ከቕንዖ ይኽእል?
14ብመዓልቲ ሓጐስ ደስ ይበልካ፤ ብመዓልቲ መከራ ድማ ኣስተውዕል፤ ሰብ ብድሕሪኡ መርሚሩ ምእንቲ ኸይረክብ እግዚኣብሄር ነዙይን ነቱይን ከምኡ ገበሮ።
15ፃድቕ ብፅድቁ እንትጠፍእ፥ ሓጥእ ድማ ብኽፍኣቱ ነዊሕ ዘመን እንትነብር እዝ ኵሉ ኸንቱ ብዝኾነ ዘመነይ ረአኹ። 16እምብዛ ፃድቕ ኣይትኹን፤ ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር፤ ስለ ምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ? 17እምብዛ ኽፉእ ኣይትኹን፤ ህልኸኛውን ኣይትኹን፤ ንምንታይ ጊዜኻ እንተይበፅሐ እትመውት? 18ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝፈርሕ ካብዝ ዅሉ ይወፅእ እዩ እሞ፥ ነዙይ እንተ ሒዝካ ኻብዙይውን ኢድካ እንተ ዘየርሓቕካ ሰናይ እዩ።
19ኣብ ከተማ ኻብ ዘለዉ ዓሰርተ ገዛእቲ፥ ጥበብ ንጥበበኛ ዝበለፀ ተበርትዖ።
20ሰናይ እናገበረ፥ ብዘይ ሓጢኣት ዝነብር ፃድቕ ሰብ ኣብ ምድሪ ኣይርከብን።
21-22ንስኻ ብዙሕ ጊዜ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ ልብኻ ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ባርያኻ ኽረግመካ እንተሎ ምእንቲ ኸይትሰምዕ፥ ንዅሉ ዝዛረብዎ ቓል ብልብኻ ኣይተቕልበሉ።
23ነዝ ዅሉ ብጥበብ፥ መርመርኩዎ፤ “ኣነ ጥበበኛ ክኸውን እየ” በልኩ፤ ጥበብ ግና ኻባይ ረሓቐት። 24ንሳ እታ ርሕቕትን የመና ዓማቝን እያ፤ መንከ መርሚሩ ኽበፅሓ ይኽእል? 25ኣነ ግና ንጥበብን ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታን መርሚረ ኽፈልጥ፥ ሓጢኣት ዕሽነት፥ ዕሽነትውን ዕብዳን ከመይ ከም ዝኾነ ኽርዳእ ልበይ ኣቕለብኩ።
26ካብ ሞት ዝመርር ነገርውን ረኸብኩ፤ እዚኣ መርበብ እትመስል፥ ልባ ኸዓ መፈንጠር፥ ኣእዳዋ ድማ መቝሕ ዝኾነት ሰበይቲ እያ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰናይ ዝኾነ ሰብ ካብኣ የምልጥ፤ ሓጥእ ግና ብኣኣ ይተሓዝ። 27እቲ ሰባኺ ኸምዙይ ይብል፦ ናብቲ መወዳእታ ኽበፅሕ በብሓደ እናመርመርኩ፥ እንሆ፥ እዙይ ረኸብኩ፦ 28ነፍሰይ ገና ዘይረኸበቶ ኣሎ፤ ካብ ሽሕ ሰብ ሓደ ቕኑዕ ሰብኣይ ረኸብኩ፤ ካብ ኵሎም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን። 29እግዚኣብሄር ንሰባት ቅኑዓት ገይሩ ኸም ዝፈጠረ፥ ነዙይ ጥራሕ ረኸብኩ፤ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ።

Currently Selected:

መክብብ 7: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in