መክብብ 5
5
ተሃዊኽካ ኣይትመባፃዕ
1ናብ ቤት እግዚኣብሄር እንትትኣቱ እግርኻ ሓሉ፤ ክፉእ ከም ዝገብሩ ኣይፈልጡን እዮምሞ ኻብ መስዋእቲ ሰነፋት፥ ክትሰምዕ ምቕራብ ይሐይሽ። 2ብኣፍኻ ኣይትቐልጥፍ፤ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄርውን ንምዝራብ ኣይትሸኵል። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ፥ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻሞ፥ ቃላትካ ውሑድ ይኹን። 3ብብዝሒ ስራሕ ሕልሚ ይረአ፤ ከምኡውን ድምፂ ሰነፍ ብብዝሒ ቓላት ይስማዕ። 4#መዝ. 66፡13-14። ንእግዚኣብሄር እንተ ተመባፃዕኻ፥ ንምፍፃሙ ኣይትደንጒ። ብዓያሹ ደስ ኣይብሎን እዩሞ፥ ነቲ ዝተመባፃዕካዮ ፈፅሞ። 5ንዘይትፍፅሞ ኻብ ምምብፃዕ ዘይምምብፃዕ ይሐይሽ። 6ንስጋኻ ብሓጢኣት ከየስሕቶ ንኣፍካ ሓርነት ኣይትሃቦ፤ ኣብ ቅድሚ መልኣኽውን ስሕተት እዩ ነይሩ ኣይትበል። ስለ ምንታይከ እግዚኣብሄር ብቓልካ ኽቝጣዕን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸጥፍኦን እትደሊ? 7ብዙሕ ሕልምን ብዙሕ ቃላትን ኣብ ዘለዎ፥ ኣብኡ ብዙሕ ከንቱ ነገር ኣሎ፤ ንስኻ ግና ንእግዚኣብሄር ፍራሕ።
ህይወት ከንቱ እዩ
8ንሓደ ሹም፥ ካብኡ ልዕል ዝበለ ዝምልከቶ ኣሎ፤ ካብኣቶም ከዓ ልዕል ዝበለ ንዅሎም ዝምልከቶም ኣሎሞ፥ ድኻ እንትጥቃዕ፥ ኣብ ሓደ ሃገር ከዓ ፍርድን ፅድቅን ክጠፍእ እንተ ረአኻ፥ ኣይትገረም።
9ንዅሉ ዝጠቅም ግና ንጉስ እታ ሃገር ማሕረስ ዝፈቱ እንተ ኾይኑ እዩ።
10ገንዘብ ዝፈቱ ገንዘብ ኣይፀግብን፤ ሃብቲ ዝፈቱ ኸዓ ትርፊ ኣይፀግብን፤ እዙይውን ከንቱ እዩ። 11ጥሪት እንተ በዝሐ፥ በላዕቱ ይበዝሑ፤ ንዘጥረዮ ደኣ፥ በዒንቱ ምርኣይ እንተ ዘይኮይኑ እንታይ ይጠቕሞ? 12እቲ ሰራሕተኛ፥ ብዙሕ ወይ ውሑድ በሊዑ ጥዑም ድቃስ ይድቅስ፤ ንሃብታም ግና ፅጋቡ ኣየደቅሶን።
13ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሕዝን ክፉእ ነገር ረአኹ፤ ንጕድኣት መጥረዪኡ ዝተዓቘረ ሃብቲ እዩ። 14#ኢዮብ 1፡21፥ 1 ጢሞ. 6፡7። እዝ ሃብቲ እዙይ ብድንገት ይጠፍእ፤ ውሉድ እንተ ወለደ ኸዓ፥ እቲ ወዱ ጥራሕ ኢዱ ይተርፍ። 15ከምቲ ኻብ ማህፀን ወላዲቱ ጥራሑ ዝውለድ፥ ከምኡ ኸዓ ኸም ዝመፆ ይምለስ፤ ካብቲ ዝፀዓረሉውን ሓንቲ እኳ ብኢዱ ኣይማላእን። 16እዙይውን ዘሕዝን ክፉእ ነገር እዩ፤ ከም ዝመፀ ኸምኡ ይኸይድ፤ ድኻሙ ንንፋስ ካብ ኮነ፥ ረብሓኡ እንታይ እዩ? 17ኵሉ ዘመኑ ዘሕልፎ ብጓህን ብፀልማትን ብሓዘንን፥ ብመከራን ብሕማምን ብዅራን እዩ።
18ኣነ ዘስተብሃልክዎ ሰናይን ግቡእን ነገር፦ ሰብ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓፂር መዋእል ህይወቱ ኽበልዕን ክሰትን፥ በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፀዓረሉ ፍረ ፃማኡ ደስ ክብሎን እዩ፤ እዝ ዕድል እዙይ ከዓ ግደኡ እዩ። 19እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰብ ሃብትን ጥሪትን ምሃቡ፥ ካብኡ ኽበልዕን ግደኡ ኽወስድን ብፃዕሩውን ምእንቲ ኽሕጐስን ስለ ዝፈቐደሉ እዩ፤ እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ። 20እግዚኣብሄር ናይ ልቡ ሓጐስ ስለ ዝሃቦ “መዋእል ህይወተይ ሓፀርቲ እየን” ኢሉ ኣይሓስብን እዩ።
Currently Selected:
መክብብ 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in