መክብብ 4
4
1መሊሰ ኸዓ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ግፍዒ ተመልከትኩ። እንሆ፥ ንብዓት እቶም ግፉዓት ረአኹ። ዘፀናንዖምውን ኣይነበረን፤ ኣብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ሓይሊ ነበረ፤ ንኣኣቶም ግና ዘፀናንዖም ኣይነበረን። 2ስለዙይ ኣነ “ካብቶም ክሳዕ ሎሚ ብህይወት ዘለዉ፥ ነቶም ቀደም ዝሞቱ ኣመስገንኩ።” 3ካብ ክልቲኦም ግና እቲ ገና ዘይተወለደ፥ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ግፍዒ ዘይረአየ፥ ኣብሊፁ ይሐይሽ።
4ኵሉ ፃዕርን ኵሉ ምስላጥ ስራሕን ከዓ ንሰብ ኣብ ብፃዩ ቕንኢ ከም ዘተስእ ረአኹ። እዙይ ከዓ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ። 5ዓሻ ኣእዳዉ ጠሚሩ ይቕመጥ፤ ንገዛ ስጋኡውን ይበልዕ። 6ግና ኽልተ ኢድ ምሉእ ክትረክብ ኢልካ ኻብ ምፅዓርን ደድሕሪ ንፋስ ካብ ምጕያይንስ ሓንቲ ኢድ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ዕረፍቲ ይሐይሽ።
7ተመሊሰ ድማ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ከንቱ ነገር ረአኹ። 8ካልኣይ ዘይብሉ በይኑ ዝነብር ሰብ ኣሎ። ውሉድ ኮነ ሓው የብሉን፤ ንፃዕሩ ግና ወሰን የብሉን፤ ኣዒንቱ ኸዓ በቲ ሃብቱ ኣይፀግባን፤ ንነፍሰይ ፅቡቕ እናኸላእኹ ዝደኽሞ፥ ንመን እዩ? እዙይውን ከንቱን ሕማቕ ፃዕርን እዩ። #4፡8 ንነፍሰይ ፅቡቕ እናኸላእኹ ዝደኽሞ፥ ንመን እዩ?፦ ኣብ ገሊኣቶም መፃሕፍቲ ኣይርከብን።
9ብፃዕሮም ፅቡቕ ረብሓ ኽረኽቡ ስለ ዝኽእሉ ኻብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ። 10ሓደ ኻብኣቶም እንተ ወደቐ እቲ ሓደ ኸተስኦ ይኽእል፤ ሓደ በይኑ እንተ ኾይኑ ግና፥ እንተ ወደቐ ዘተስኦ የብሉን እሞ፥ ወይለኡ። 11ከምኡ ኸዓ ኽልቲኦም ብሓደ እንተ ደቀሱ፥ ይማወቑ፤ ሓደ በይኑ እንተ ደቀሰ ግና፥ ከመይ ኢሉ ይመውቕ? 12እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እንተ ኣሰነፎ፥ ክልተ ግና ኽቃወምዎ ይኽእሉ እዮም። ብሰለስተ ዝተገምደ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን እዩ።
13ካብ ምኽሪ ዘይቕበል ኣረጊትን ዓሻን ንጉስ፥ ድኻን ለባምን መንእሰይ ይሐይሽ። 14እቲ መንእሰይ፥ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኡ ወይ ኣብ ውሽጢ ግዝኣቱ ብድኽነት ተወሊዱ ኽነግስ ይኽእል። 15ኣነ እቶም ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝመላለሱ ኹሎም ህያዋን፥ ምስቲ ኽንድኡ ኽቐውም ዝተመደበ ኻልእ ጐበዝ ኮይኖም ረአኽዎም። 16እቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ህዝቢ መወዳእታ ኣይነበሮን፤ እቶም ብድሕሪኡ ዝመፁ ግና ብእኡ ኣይሕጐሱን። እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንንፋስ ከም ምኽታል ከዓ እዩ።
Currently Selected:
መክብብ 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: